ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን: ኣብ ዒራቕ ሰማዕት ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ረኣዅ ካርዲናል ፓሮሊን: ኣብ ዒራቕ ሰማዕት ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ረኣዅ 

ካርዲናል ፓሮሊን: ኣብ ዒራቕ ሰማዕት ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ረኣዅ

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ፡ ኣብ ስደት ዓለም ናይ እትነብር ህያው ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር እያቶም፡

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እቲ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 28 ታሓሳስ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብ ባግዳድ ምስ ማሕበረሰክ ክርስቲያን ዒራቕ ዕለት 24 ታሕሳስብ ዘብዓልዎ ልደት ዘእግዚኣነን ከምኡ እውን እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም.  ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ጉባኤ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋራያዊ ምብጻሕ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን ጽዑቕን ምስቲ ኵሉ ስቓይን ጸበባን መከራን ናይ ዒራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ወንጌል ሓሴትን ውህበትን ውበትን መስካሪ ምዃኑ ብቐረባ ከምዝረኣዩን፡ ማሕበረሰብ ዒራቕ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተስፋ ዝጽበይ ምዃኑ ነቲ ናተይ ምብጻሕ ከም ተስፋ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገይሩ ከምዘስተማቐሮ እውን ሓቢሮም፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ማሕበረ ኣስላማን ንናይ ዒራቕ ብሉጽ መጻኢ ብሓባር ዝገብርዎ ዘለዎ ጉዕዞ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ዝተሰምዖን ሓጐስን ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ዘካየድዎ ርክብ ልቢ ዝትንክፍን ዓቢይ ምኽንያት ሓጐስ ከምዝዀኖምን ንማሕበረሰብ ዒራቕ እውን ዓቢይ ሓጐስ ዘሕደረሎም ምብጻሕ ከምዝነበረ ባዕሉ እቲ ኣብ ዒራቕ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ዝምስክሮ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጸሎትን ቅርበትን ቡራኬን ነቲ ፍቱው ሕዝቢ ማሕበረሰ ዒራቕ ከጽሕ ዓብይ ሓላፍነትን ሓጐስን እውን እዩ፡ ስቓዮምን ብቐረባ ተኻፋሊ ክኸውን ብምኽኣለይን ብሓፈሻኢ እቲ ምብጻሕ ንኣይ ጸጋ ኣምላኽ እዩ ኢሎም።

ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዘለሉ ይሃሉ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ማሕበረሰብ ዒራቕ ናይ ሰማዕት ቤተ ክርስቲያን ምስክር ምዃኑን ምእንቲ ኢየሱስ ስቓይ ምቕባል ናይ እምነት ሰማዕት ሓሴት ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከዝገለጹ ዘኪሮም፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ፡ ኣብ ስደት ዓለም ናይ እትነብር ህያው ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር እያቶም፡ እቲ ዘሐበንን ብእውነታዊ መንፈስ ማለተይ እዩ ይብሉ፡ ዒራቓውን ክርስቲያን ኣሕዋትን ኣሓትን እምነቶም ኣብ ምንባር ዘለዎም ጽንዓት እዩ ኢሎም። ኣብ ስደትን መከራን ምጽንናዕ ኣምላኽ ምንባር ቀሊል ኣይከነን ይብሉ።

እቲ ዓቢይ ሓዘን ዝፈጠረለይ እታ ብውግእን ዓመጽን ዝዓነወት ሞሱል ብቐረባ ምርኣየይ እዩ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ባዲመን ሕንጻታት ወዲሙን ኣደባባይት ኩሉ ፈራሪሱን ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ኰነ ኣብ ልዕሊናይ ሶሪያ ስርዓት እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸ ዓመጽን ውድመትን ክትርእይ ብሓቂ ልብኻ ብሓዘን ይምላእ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብተስፋ ኣብ እምነት ዘለዎ ጽንዓት ክዝምርን ከወድስን ከመስግንን ክትርእይ ብሓቂ ልብኻ ይተባባዕ፡ እምነትካ ይነቓቓሕ ምስ በሉ፡ ምስ ናይ ዒራቅ መንግስቲ ኰነ ምስ ናይ ሞሱል ኣባይቲ ምሕደራ ዘካየድዎ ርክብ ዕዉት ምንባሩን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ንዝተገበረሎም እንገዳ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ጉባኤ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ተነስሑን ተለወጡን ንሰብኣዊ ሕግን ፍትሕን ገዛእ ርእስኹም ኣቕርቡ፡ ከምቲ ክርስቶስ “ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይክተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ” እንክብል ንዘዘኻኽረና ንመለኰታዊ ፍርዲ ተቐራረቡ እብል እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ዕለት 21 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ኣባይቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብዛዕና ናይ ወሲብ ዓመጽ ቅድስቲመንበር ዘለዋ ኣመለኻኽታን ውሳኔን ሓዋርያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ኣካይዳኣ ዘነጽር እዩ፡ እዚ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ እንክብል ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ኣጠቓሊሎም።

 

31 December 2018, 17:31