ድለ

ትረኻ “ዓበይቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት” ኣብ ተለቪዥን ዝመሓላለፍ ፍጻሜ

“በነዲክቶስ መበል 16 - ራትዚንገር፥ ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ልጣኖም ዘረከቡ”

ዕለት 28 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሮማ ቤተ ጳጳስ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ምስማዐ ርእየት ርኽበት ኣሰናዳእን ናይ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ጨንፈር ምስማዐ ርእየትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ትረኻ ዓበይቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እተሰምየ ኣብ ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ዓበይቲ ፍጻሜታቶምን ኣብ ዘተኰረ ብቲቪ ኖቨ እተአምየ ምደብር ተለቪዥን ካብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ ምሸት ሰዓት 09.25 ዝመሓላለፍ መደብ መሰረት ዕለት 20 ታሓሳስብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘተኰረ ካልኣይ ፍጻሜ ተመሓላሊፉ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ዕለት 20 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ፍጻሜ “በነዲክቶስ መበል 16 - ራትዚንገር፥ ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ልጣኖም ዘረከቡ” ብዝብል ኣርእስቲ ከምእተመሓላለፈን፡ ኣብቲ ፍጻሜ፥

ውሳኔ

ድሕሪ እቲ ዕለት 13 ታሓሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማእኪሉ ዝተመሓላለፈ ቀዳማይ ፍጻሜ ስዒቡ ዕለት 20 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበ 16 ናይ ቀረባን ርክብን ናይ ቀረባ ጥብቂ ተሓባበርቶም ካብ ዝነበሩ ናይ ቤተ ጳጳስ ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ገዎርግ ጋንስዋይንን ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፍን ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን፡ ዝሃብዎ ቃለ ምስክርነት ዘተቓለለ ከምዝነበረን፡ ኣባ ሎምባርዲ ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ዘለዎም ቅርርብ እንታይ ከምዝመስልን ከምኡ እውን ናይ ፊልም ተዋሳኢ ኢጣሊያዊ ሊኖ ባንፊ፡ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ምስ ኣረከቡ ዝተሰምዖምን ከይዶም እውን ምስ ተራኸብዎም ዝተበሃሃልዎን ንመጀመሪያ ጊዜ ዘዘንተውሉ ፍጻሜ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ተለቪዥንን ጽባቔን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽባቔ ዘሎ ሱታፌ ብዙሕ ኣብ ዘይግለጸሉ እዋን እውን እንተለና ብጭራሽ ዘይራኽቡ ኣይኰኑን፡ ስለዚህ ምስቲ ምጡቕ ክንየውነት ወይ ደረት ሰገርነት ንምርኻብ እቲ ዘራኽብ ናይ ሓባር ረቛሒ ባይታ ምልላይ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ዘድምዕ ብቑዕ ዝተፈልየ ቃላት ምርካብን ኣብዚ መዳይ ብሓባር ምዕያይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዕለት 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም.  መደብ ዓበይቲ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርእስቱ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈ ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ሓቢሮም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምሕደራ ኣባል የኔታ ኣባ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ እውን ብወገኖም፡ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ር.ሊ.ጳ. ኣብ 75 ደቓይቕ ውሽጢ ዝገልጽ መደብ ንገዛእ ርእሱ ክፍሊ ታሪኽ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያንን ከምዝዀነን 180 ገገራት ዝሽፍን መደብ ምዃኑ ሓቢሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

21 December 2018, 16:12