ድለ

ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ፡ ትርጉም ሕይወት ኣብ ቅልውላው ብምዃኑ ሕዝቢ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ይርከብ

ሎሚ ካብ ቀደም ፍርሒ ኣሎ፡ እዋናዊ ትውልዲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ትውልዲ ፍርሒ ዝስምዖ ከምዝዀነን፡ እዚ ኸኣ ስእነት ስራሕ ዘይርጉጽ መጻእን ቅልውላው ትርጉም ሕይወትን ዝኣመሰሉ ቡሕጋገ ርእየትን ሓሳብን ዝድርኽን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺፍካ ምንባርን ዝረኣየሉ ዓለም ኰይኑ ኣሎ፡

ናይ ኢጣሊያ ነበር ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚን. ኣባል ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ጸጋም ዘመም ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣባል ማርኮ ሚኒቲ፥ “ደሕንነት ነጻነት እዩ፡ ግብረ ሽበራን ጸኣት ስደተይናታን፥ ጸረ ኣውፈርቲ ፍርሒ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ብቤት ማሕተም ሪዞሊ ዝተሓትመ ምጽሓፎም ዕለት 7 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ’ታ መጽሓፍ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ቅድስትና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲና ኣንጀሎ በቺዩ፥ ናይ ሕዝቢ ፍርሒ እትብድሆ ናይ ምርኻብ ባህሊ ብምስፋሕ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ መስቀላዊ ሕቶ ዝዀነ ጸኣት ስደተይናታት ኣትብድሆ ከኣ ኣብቲ ስደተይና ናብ ዝመጻለን ሃገራት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕውሉም ዓለም ካብ መቆጻጸሪ ስርዓት ወጻኢ ኣብ ምዃን ኣዚዩ ገዚፍ እናዀነ ሕዝቢ ፍርሒ ክህልዎ ይገብር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ሕዝቢ ውሕስነት ደሕንነትን ዝጐድሎ ኰይኑ ክስምዖ ይድርኽ፡ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምጥርጣርን ፍርሕን ርሑቕ ዝነበረ ቀረባኻ ምስ ዝኸውን ዝፈጥሮ ፍርሒ ይሰፍሕ ከምዘሎ ብፁዕ ካርዲና በቺዩ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ የመልክቱ፡

እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መመረቕታ ጋዜጠይና ሉቺያ ኣኑንዚያታ ጃኒ ሌታን ጋዜጠናን ደራስን ናይ ፊልም ቀራጽን ቫልተር ቨልትሮኒን ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ናይ ኢጣሊያ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ማርኮ ሚኒቲ ዘረባ ከምዘስምዑ ይንገር።

ድኽነት ራእይን ምስፋሕ ፍርሕን

ሎሚ ካብ ቀደም ፍርሒ ኣሎ፡ እዋናዊ ትውልዲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ትውልዲ ፍርሒ ዝስምዖ ከምዝዀነን፡ እዚ ኸኣ ስእነት ስራሕ ዘይርጉጽ መጻእን ቅልውላው ትርጉም ሕይወትን ዝኣመሰሉ ቡሕጋገ ርእየትን ሓሳብን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺፍካ ምንባርን ዝረኣየሉ ዓለም ኰይኑ ኣሎ፡ ንኣብነት ይብሉ ኢጣሊያ ድኻ ሃገር እንከላ ብምህዘትን ብሰናይ ሓሳብን ሚሳልን ሃብታም ኔራ፡ ሎሚ ብጉኡዛዊ ነገራት ሃብታ ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ናይ ሚሳልን ምህዘትን ሰናይ ሓሳብን ድኽነት የጥቅዓ ከምዘሎ ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ተንቲኖም።

ምስቲ ዘሎካ ፍርሕ ምዝታይ

ኵላትና ምስቲ ዝረአይ ናይ ሕዝቢ ፍርሕን ሕቶን ትርጉም ሕይወትን ክንዝትይ ግንድ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት ዘረእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ካብ ቤተ ክርስቲያናዊ ሓጹራት ምውጻእን ካብ ሓጹር ተቕዋማት ወጺእካ ምስ ሕዝቢ ምርኻብ የድሊ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ምስ ሕዝቢ ክፋለጡ ኣለዎም ክብሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ምራኻብ ንናይ ሕዝቢ ሕቶን ሕቶ ህላወን መልሲ ምቕራብ ክህሉ ኣለዎ፡ ብተዛማዲ መልክዕ እውን ናይ ፖለቲካ ዓለም ንናይ ሕዝቢ መሰረታዊ ድላይ ሕይወት፡ ስራሕን ሕንጸትን ክንክን ጥዕና ምርካብን ንዝብል ሕቶ ክምልስ ኣለዎ ኢሎም።

ኣፍሪቃን ጸኣት ስደተይናታን

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ሕቶ ጸኣት ስደተይንታት ኣሞርኵይዞም ብፁዕ ካርዲና በቺዩ፡ ስደተይና ምእንጋድን ኣብ ዝተኣንገደሉ ሃገር ኣውን ተቐባልነት ረኺቡን ተወሃሂዱን ንኽነብር ዝድግፎ ስሩዕ ደገፍ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብተን ስደተይና ዝነቕለለን ሃገራት ብዝቐርብ መደብ ሓገዝን ዝስነይን ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ሓገዝ ከኣ ይብሉ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ተመልኪቱ ዘሎ፡ መዋቕራውን ቅርጻውን ክኸውን ይግባኦ፡ ድኻታት ሃገራት በእጋረን ክስጉማ ዘኽእለን መሰረታዊ ድጋፍ እዩ ዘድልይ ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባንጉይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባንጉዪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኢጣሊያን ዘሎ ምትሕብባር ዝምስክር እዩ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ማርኰ ሚኒቲ ናይ ኢጣሊያ ምኽትል መራሔ መንግስትን ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚኒስትርን ከምዝነበበሩ ብፁዕነቶም እውን ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ትኵእ ዋና ጸሓፊ ከምዝነበሩ ዘኪሮም እቲ ዝነበረ ምትሕብባር ብቐረባ ዝምስክርዎ ምዃኖም ኣመላኪቶም፡ ስለዚህ እቲ ምትሕብባር ዓቢይ ውጽኢት ኣዕቲሩ እዩ፡ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ሃገራት ንናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው መሰረታዊ መፍትሒ ዘመላኽትን ዘኸውንን እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ፡ ትርጉም ሕይወት ኣብ ቅልውላው ብምዃኑ ሕዝቢ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ይርከብ
08 November 2018, 17:07