ድለ

ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ብድሃን ናይ ምሕዝነት ድልድል ኣብ ዝተደናገረ ዓለም ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ብድሃን ናይ ምሕዝነት ድልድል ኣብ ዝተደናገረ ዓለም 

ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ብድሃን ናይ ምሕዝነት ድልድል ኣብ ዝተደናገረ ዓለም

እቲ ታሪኻዊ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሃይማኖት ቡድሃን ዝተጀመረ ናይ ሓባር ዘተ ቅድሚ 46 ዓመት ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተበገሰ ከምዝዀነን፡ እቲ ርክብ ኣብቲ ብዓመጽን ውግእን ኣልቦ ምትእምማንን ምኽንያት ኣብ ዝደምይ ዘሎ ዓለም ናይ ጽኑዕ ምሕዝነት ትእምርቲ

ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 230 ኦኣመት ምስረታ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ቅዱስ ስፍራ ቺቱፖን ከምዝተሳተፈን በዚ በዓልም’ዚ ምኽንያት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፡ ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ሁድሃን ኣብቲ ዝተደናገረን ብውግእ ዝተመልኤን ምትእምማን ዘጥፍእ ዘሎ ዓለም ናይ ምሕዝነት ድልድይ ክዀና ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ታሪኻዊ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሃይማኖት ቡድሃን ዝተጀመረ ናይ ሓባር ዘተ ቅድሚ 46 ዓመት ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተበገሰ ከምዝዀነን፡ እቲ ርክብ ኣብቲ ብዓመጽን ውግእን ኣልቦ ምትእምማንን ምኽንያት ኣብ ዝደምይ ዘሎ ዓለም ናይ ጽኑዕ ምሕዝነት ትእምርቲ ከምዝዀነ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣመልኪቱ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ታይላንድ ሃይማኖት ቡድሃን ሰናይ ርክብ እቲ ዘከቱፖን ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ቅዱስ ሕንጻ መበል 230 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ዝምስከር ዘሎ ምዃኑን እዚ ኸኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩስ ጕይግሶት ዝምራሕ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ዘቕርብ ልኡካና ሰዲዳ ብቕረባ ተሳታፊት ብምዃና ትምስክሮ ይብል።

ዝፍውስ ምሕዝነት

ኣብቲ በዓል ህልወትና ናይ ምሕዝነት ትእምርቲ እዩ፡ ዝብል ቃል ዝተነብሮ ናይ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ፡ ንናይ ሳንጋ ዘ ዋት ፎ ቡድሃውያ መነኰስ ጉባኤ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝከየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘርእዮ ጽንዓት ምኽንያት ምስጋና ብምቕራብ፡ ኣብቲ በዓል ምርኻብና እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ስሙር ርክብ ነቲ ብዓመጽ ዝሳቐይ ዘሎን ብዙሓት ኣብ ስቓይን ዘይምትእምማንን ንዝነብሩሉ ዓለም ዝፍውስ ናይ ምሕዝነት ድልድል ኣብ ምሕናጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶስ ኣስተዋጽኦ ዝምስክር እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መልእኽቲ ተመልኪቱ ኣሎ።

ጽኑዕ ምትሕብባር

ንናይ ሳንጋ ቡድሃዊ ቤተ መቕደስ ዘ ፕራ ቸቱፎን መነኵስ ቡድሃውያን ታይላድ ሰላምታ ብምቕራብ፡ እቲ ኣብ 1972 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ታይላንድ ቡድሃውያን መነኵስ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ታይላዳዊ ብዱሃ ሃይማኖትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ምሕዝነትን ጥብቂ ርክብን ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ፡

ብነኣሽቱ ስጉምቲ ነዊሕ ዝበጽሕ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዕለት 16 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ታይላንድ ቡድሃ ሃይማኖት ልኡካን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቐቢሎም፡ ንዋት ፎ ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም፡ ብናይ ቸቱኦን መነኩሳን ብእዋናዊ ቋንቋ ዝተተርጐመ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ቅዱስ መጽሓፍ ንቕዱስ ኣቦና ገጸ በረከት ኣውን ከምዝለገሱን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ እዋን ነቲ ዝቐረበሎም ገጸ በረከት ኣመስጊኖም፡ ናይ ለጋስነት ትእምርትን ናይቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ታይላንድ ቡድሃ ሃይማኖትን ዘሎ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተበገሰ ብነኣሽቱ ሱግሚ ነዊሕ ዝበጽ ዘሎ ርክብ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መሓላለፎ መልእኽቲ የዘኻኽር። 

ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ብድሃን ናይ ምሕዝነት ድልድል ኣብ ዝተደናገረ ዓለም
10 November 2018, 17:26