ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ክውገድ ጻውዒት ተቕርብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ክውገድ ጻውዒት ተቕርብ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ክውገድ ጻውዒት ተቕርብ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዓለም፡ እቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽ ሓድሽ ጊልያነት፡ ንመሳለጢ ንግድ ናይ ሰብነት ውሳጣዊ ኣካልን ንወሲብ ዓመጽን ንሓሳርን ምንዝርናን ዝዳርጉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ንምውጋእን ንምወጋድን ወግዓዊ እትወት ቃል ኪዳን ጥራሕ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡

ኣብ ዓለም ልዕሊ 40 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ መጻወዲያ ሓድሽ ጉልያነት ከምዝርከቡን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ዘሎ ጸያፍ ተግባር ጠሪሹ ክውገድ ቅድስቲ መንበር ብቛሚ ልኡኽ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምብዳህ ሓድሽ ጊልያነትን እቶም በዚ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝተጠቕዑ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምድሓን እተካይዶ ጻዕርን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦን ዝገለጹ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ውድብ ዋና መንበሩ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ሰባት ከም ግኡዝ ምሻጥን ምልዋጥን ኣብ ዝብል ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ዝፍጸም ጸያፍ ተግባር ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ውዕል ፓለርሞን ስዒቡ እውን ጸረ ንግድ ሰብ ዓለም ሓቆፋዊ ተግባር ዝብል ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መደብ ይሃሉ ሎሚ ኣብ ዓለም ልዕሊ 40 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት በቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ሓድሽ ጊልያነት ተጠቒዑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ብርቱዕ ድላይን ቃልን ጥራሕ ዘይኰነስ ጭቡጥ ተግባር ኣብ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዓለም፡ እቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽ ሓድሽ ጊልያነት፡ ንመሳለጢ ንግድ ናይ ሰብነት ውሳጣዊ ኣካልን ንወሲብ ዓመጽን ንሓሳርን ምንዝርናን ዝዳርጉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ንምውጋእን ንምወጋድን ወግዓዊ እትወት ቃል ኪዳን ጥራሕ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ጭቡጥ ተገባር እውን ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ግብረ እከይ፡ ንምውጋድ፡ ንግድ ሰብ ኣቐዲምካ ከይኽሰት ምግባርን ነቶም ኣደዳ ናይዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ ምክልኻልን እቶም ንግድ ሰብ ዘዋፍሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብ ኩለን ሃገራት ብተሟራኻስነት ዝጥርንፍ ተቕዋማውን ማሕበራውን ንጥፈት ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ምውጋእ ሓድሽ ጊልያነት ኩለን ሃገራት ክሓብራ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዝተፈላለያ ኣባላት ማሕበር ደናግል ታሊታ ኩም ኣብ ዝጽዋዕ ጸረ ሓድሽ ጊልያነት ዕዮ

ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኣ ናይ ዝተፈላለያ 22 ናይ ደናግል መንፈሳዊ ማሕበራት ታሊታ ኵም - ተንስኢ እተሰምየን ብቅድስቲ ማርታ ዝፍለጥ  ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ዝተነቓቕሔ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓይሊ ጸጥታን ዝጥርንፍ ኣብ ቃልሲ ሓድሽ ጊልያነት ተዋፊሩ ዝዓይን እውን ገሊጾም፡ ቃልሲ ጸረ ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነትን ናይ ኣባቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሃይማኖታትን ናይ መንግስትን ሓይሊ ጸጥታን ጉዳይ ጥራሕ አይኰነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ተዋሳእነትን ዝሓትት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ክውገድ ጻውዒት ተቕርብ
12 November 2018, 16:34