Cerca

Vatican News
ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያንን ቅዋሜ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያንን ቅዋሜ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራትን  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያንን ቅዋሜ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራትን

ብፅዕ ኣቡነ ኣውዛ፡ ካብ ፍልስጥኤም ናይ ዝተሰዱ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ከም ስደተይና ኣፍልጦ ምሃብ ነቶም ኣብ 1948 ዓ.ም. ምስ ዝተሰዱ ጥራሕ ኣተሓሒዝካ እተንብቦ እንተድኣ ኰይኑ ንደቂ ደቃቶምን ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ሳልሳይ ወለዶ ዘይምስትውዓል እዩ ዝኸውን፡

ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ መዕለቢ ዘይረኸበ ውጥረት ዝፈትሕ ቢላ ብኣጽንዖት እተኣምነሉን ብዘይ ቅድመ ኩነት ብርግጸይናነት እተቕርቦ፡ ቅዋሜ ክልተ ሉኣላውያን ጐረባበቲ ሃገራት ዝብል ሓሳብ ደጊማ ብምግላጽ፡ እቲ ናይ ቡዙሓት ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ብዜግነት ኣልቦ ዝነብርዎ ዘለዉ ኩነት መፍትሒ ክረክብን ኣብ ምድጋፎም እውም ከምእትዓዪ ገሊጾም፡ እዚ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጸገም በዚ መገዲ’ዚ መፍትሒ ከምዝረክብ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ናይ ስራሕን ደገፍን ሓልዮ ማሕበር ሓገዝን ናይ ስራሕ ዕድልን ንፍልስጥኤማውያ ተመዛበልቲ ንምቕራብ ዘካዶ ንዘሎ ጐስጓስ ምሉእ ደገፋ ንምቕራብ ስንድውቲ ምዃና ኣፍሊጣ።

ስምዖን ተ.  ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነዚ ዘረጋጹ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ’ቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሓልዮ ስራሕን ደገፍን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክኸውን እንክሎ፥

ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ናይ ስራሕን ምትሕብባርን ሓልዮ ማሕበር

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ናይ ስራሕን ምትሕብባርን ማሕበር ዘሳልጦ መደብ ሓገዝ ንፍልስጥኤማውያን ወሳንን መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ፥ ኣብ ጋዛ ናይ ፍልስጥኤማውያን ስእነት ስራሕ ካሳብ 43 ሚእታዊ ከምዝበጽሔን እቲ ናይ ስራሕን ምትሕብባርን ሓልዮ ማሕበር ብዘካይዶ መደብ ደገፍ ንልዕሊ 13 ሺሕ ፍልስጥኤማውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረን ጠቒሶም፡ እዚ ማሕበር’ዚ ዘለዎ ሕጽረት ኤኮኖምን ክሳራ መዋዕለ ንዋይን ብጠቕላላ ልዕሊ 200 ሚሊዮን ዶላር ከምዝበጽሔ ኣተሓስሲቦም፡ እዚ ማሕበር’ዚ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምድሓን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክዓይን፡ ናይ ብዙሓት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ኣብ ጋዛን ዮርዳኖስን ሊባኖስን ሶሪያን ዝርከቡ ፍልስጥኤማውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽንኩር ኩነት ግምት ብምሃ ድጋፉ ከቐርብ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።

ናይ ፍልስጥኤማውያን  ኩተም ምዝብልና ትሑት ግምት ከይወሃቦ

ብፅዕ ኣቡነ ኣውዛ፡ ካብ ፍልስጥኤም ናይ ዝተሰዱ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ከም ስደተይና ኣፍልጦ ምሃብ ነቶም ኣብ 1948 ዓ.ም. ምስ ዝተሰዱ ጥራሕ ኣተሓሒዝካ እተንብቦ እንተድኣ ኰይኑ ንደቂ ደቃቶምን ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ሳልሳይ ወለዶ ዘይምስትውዓል እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ብዙሓት ኣልቦ ዜግነት ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ከምዘለዉ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕጹጽ ፍታሕ ክህበሉ ይግባእ ኢሎም።

ናይ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ናይ ሰላም ዘተ ካብ ቅዋሜ ክልተ ሃገራት ካብ ዝብል ነጥቢ ክብገስ

ሰላምን ዕርቅን ከም ሸቶ ጥራሕ ከይኑ ክውን ክገብሮ ዘኽእሎ ኩነት ኣብ ምርግጋጽ ዘየብቅዕ ምዝሕታል ይረአይ ኣሎ። ቅድስቲ መንበር እቲ ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ክብገስ ጻውዒት ብምቕራብ፡ እቲ ዝብገስ ናይ ሰላም ዘተ ካብቲ ክልተ ጐረባብቲ ሉኣላውያን ሃገራት ቅዋሜ ካብ ዝብል ነጥቢ ክብገስ ከምዘለዎን እዚ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሰላምን ዕርቅን ዋሕስ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣተሓሒዞም፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስራሕን ምትሕብባርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ፍልስጥኤም ዘለዎ ተልእኾ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ክናዋሕ ሓቲቶም፡ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዝዝከረሉ እዋን ቀረባ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መላእ ዓለም ፍልስጥኤማውያን ዘጠቓልል ኵሎም ስደተይናታን ተመዛበልትን ናይቲ በዓል ተዘክሮ ውሳኔ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሳተፍትን ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ተቛደስቲ ንኽዀኑ ዝድርኽ ክኸውን እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያንን ቅዋሜ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራትን
13 November 2018, 17:08