ድለ

ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃማኖት ሂንዱን፡ ኣብ ምክልኻል ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃማኖት ሂንዱን፡ ኣብ ምክልኻል ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ 

ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃማኖት ሂንዱን፡ ኣብ ምክልኻል ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ

ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተነቀፍቲ ዝተነጸሉን ሕሩጋትን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓመጽን ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝነብርዎ ጽንኩር ዕለታዊ ሕይወት ክብድሁን መነባብሮኦም ተመሓይሹ ሚዛን ሰብ ዘለዎ ሕይወት ከነብሩ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ኣብ ምክልኻሎምን ደገፎምን ጽዉዓት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ኰይኑ፡ ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሔር እዩ፡

እቲ ዕለት 7 ሕዳር ብሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዝበዓል ዲፓቫሊ - በዓለ ብርሃን ዓወት ናይ ሰናይ መንፈስ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣት ዘበስር በዓል ምኽንያት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ርሑስ በዓል ምንዮት መልኽቲ፡ ብሓባር ኣብ ምክልኻል ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከምዘረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱን “ናይ ምሕዝነትን ሕውነትን መንፈስ ምሕያልን ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ሰዓብትን ኣባይቲ ስድራን ሰላምን ፍስሓን” ዝብል ምንዮት ዝተብሮ መልእኽቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጕይክሮት ክታም ዝተነብሮ ክኸውን እንከሎ፥

ብሓባር ምእንቲ ድኹማትን ተነቀፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ

ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተነቀፍቲ ዝተነጸሉን ሕሩጋትን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓመጽን ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝነብርዎ ጽንኩር ዕለታዊ ሕይወት ክብድሁን መነባብሮኦም ተመሓይሹ ሚዛን ሰብ ዘለዎ ሕይወት ከነብሩ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ኣብ ምክልኻሎምን ደገፎምን ጽዉዓት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ኰይኑ፡ ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሔር እዩ፡ ብሉጽን ምሩጽን ዘይብሉ፡ ስለዚህ ኵላትና ኣሕዋት ኢና፡ ማዕረ መሰልን ክብርን ዘሎና ሓድ ሕዳዊ ሓላፍነት ዘሎና ምዃንና ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጉይክሮት ገሊጾም፡ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ኵነት ውሁድ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ግዴታን ዘለዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ክንተሓላለይን መታን ኣብ ምትሕብባር ድኻምን ስቓይን ኣሕዋትናን መሰሎምን ክብሮምን ክኽበረሎምን ሰብኣዊ ክብሮም ውሑስ ክኸውንን ዝከኣለና ክንገብር ዝተጸውዕና ምዃንና የመላኽት ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ሓልዮት ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ናይ ሓባር ህርኵት ጻዕሪ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካልኣይ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ድኻታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ ኣብ ሓልዮት ድኻታት እነውፍሮ ሓይልን ዓቕምን ከም ሓደ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ እውን ይዅን ኣገዳሲ እዩ፡ ድኻታት ኣሕዋትን ፍቕርን ምሕዝነትን ስድራ ቤታውነት መታን ክስምዖም በራት ልባትና ንኽፈተሎም ዝበልዎ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ጕይክሮት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ናይ ሓልዮትን ምትሕስሳብን ባህሊ ብምስፋሕ ንድኻታት ኣሕዋትና ብዘድልዮም ኵሉ ቀረባ ንኹን፡ ነቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ መለኰታዊ ርእየት ዝቖመ ሰብኣዊ ገጽታ ነርእዮምን ንንበርን፡ ፍሱህ ህልው ግዜን ብሩሕ መጻእን ውሑስ ክዀነሎም ቀረባኦም ንዅን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃማኖት ሂንዱን፡ ኣብ ምክልኻል ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ
01 November 2018, 16:27