ድለ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነገዳስነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይሕለል ናይ ኵሉ ጻዕሪ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነገዳስነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይሕለል ናይ ኵሉ ጻዕሪ 

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነገዳስነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይሕለል ናይ ኵሉ ጻዕሪ

ናይ ማሕበር ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም፡ ሰብ ካብ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ሃይማኖታውን ርክባቱ ነጺሉ ዝርእይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝበሃል የሎን፡

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ሎሚ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ  ዕለት 15 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ቫቲካናዊ ማሕበር ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘሰናደዎ ዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣጽኒዓ ከምእተዓዪ ኣረጋጊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፡ እንነብረሉ ዘሎና ማሕበራዊ ኩነት ዘጓንፎ ዘሎ ዓቢይ ፈተና፡ መሰልን ግቡእን ዝብል ካብቲ ሰብኣዊ ዝብል ቃል ነጺሉ ምንባብን ምትንታንን እዩ፡ መሰልን ክብርን ከም በዓል ቤት ሰብኣዊ ዝብል ቃል የቐድም፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ዝብል ቃል ዘንጊዕኻ መሰልን ክብርን ቢልካ ምዝራብ መሰልን ክብርን ናይ ቍንጹል ማሕበረሰብ ወይ ናይ ሓደ ዓሌትን ብሔርን ገርካ ምቕራብ እዩ ዝኽውን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሰብ ካብ ማሕበራውን ስነ ሰብእን ዝንጽል እዩ ዝኸውን ኢሎም። ዕለት 10 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ኣዋጅ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ጠቒሶም፡ ማሕበር ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16፥ ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ምድላዉ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።

ሰብ ኣብ ኵለንተናውነቱ

ናይ ማሕበር ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም፡ ሰብ ካብ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ሃይማኖታውን ርክባቱ ነጺሉ ዝርእይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝበሃል የሎን፡ ስለዚህ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከበሃል እንከሎ ሰብ ኣብ ኵለንተናውነቱ ምምልካት ማለት እዩ ቢሎም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብማዕቅፍ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተንቲኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ድምጻ ከተሰምዕ እንከላ፡ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኵላዊ መሰረቱ ግምት ብምሃብ ምዃና ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ስድራ - ቤት

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንኹሉ ሰብኣዊ ስድራ ቤት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ኣብ ዓለም ፍትሕን ሰላምን ዘቕውም፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ እቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ገዛእ ርእሳዊ በዓል ቤታውነት መቓን ምትርጓም ዝግበር  ጻዕሪ ክውገድ ኣለዎ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኵላውነት እዩ፡ ውድዓዊ እዩ፡ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ።

ቅዱስ ኣቦና ከይተሓለሉ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ወሳኒ እዩ ይብሉ፡ ስለዚህ እዚ ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ዜጋ ዝዀነ ይዅን ሃገር ይኹን፡ ኣብ መንጐ ባህልታትን ሃይማኖታትን ፖለቲካን ኩሉ ሰብ ነቲ ተራኻብነት ባህርይኡ ክነብር ዝብል እዩ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዅሉን ናይ ኵሉን እዩ፡ ኣብ ምራኽብ ዝንበር እዩ ኢሎም።

ፍልይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ቅድስቲ መንበር ፍሉያት ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ቢላ እትገልጾም፡ ናይ ሕይወትን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝብልን ብፍላይ ከኣ ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ስነ ሕይወታዊ ዕደ ጥበብ ዘተኣታትዎ ብድሆ ዝተተሓሓዘ፡ ብስነ ምርምር ስነሕክምና ምቁጽጻር ድቂ፡ ምቁጽጽር ዘርኢ፡ ምድቓል ዘርእን፡ ካልኦትን ዝኣመሰሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብልዎ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝብል ምስምስ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡

ኣተሓሒዞም እውን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድን ናይ ስደተይናታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር እተቕርቦ ጻውዒት ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን መሰረት ዝገበረ እዩ፡ ማንም ካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእል፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰብኣዊ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ሓሳብን ሕልናን ሃይማኖትን

ናይ ሓሳብን ሕልናን ሃይማኖትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ቅድስቲ መንበር ኣበርቲዓ ትዓይን ኣብ ኩለ መዳይ እውን ተቓልሕ፡ እዚ ኸኣ ሃይማኖትን ሕብረተሰብን ከይሕረግ ዝድግፍ ምዃኑ ተብርህ፡ ስለምንታይ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሕብረተሰብ፡ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማዕርነት ዘለዎን ዝውከሎ ሃይማኖት ይኹን ዓሌትን ቋንቋን ባህል ብዘየገድስ፡ ማዕርነት ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብል እዩ፡ ሰብ ከም ሰብ ማዕረ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰናይን ፍቕርን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ፡ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣስተንፍሶ ዝዀነ ሓሳብ ብንጹር ነለልይ፡ ስለምንታይ ኣብ ኣናስር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ርህራሄን ወረታን ብቋንቋ ክርስትና ከኣ ሰናይነት ቢልና እንገልጾ እዩ፡ ሰብ ንሓድ ሕዱ ክነብሮ ዝግብኦ ኵነት፡ ነቲ ብኑባሬ ክብርን መሰልን ዘለዎ ሰብ ንሓድ ሕዱ ዝናበሮ እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነገዳስነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይሕለል ናይ ኵሉ ጻዕሪ
16 November 2018, 17:19