ድለ

ሲኖዶስ፥ ናይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ሕርየት ኣባላት መደበይና ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ፥ ናይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ሕርየት ኣባላት መደበይና ቤት ምኽሪ 

ሲኖዶስ፥ ናይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ሕርየት ኣባላት መደበይና ቤት ምኽሪ

ኣብ ሓጐስን ጽንኩር ኩነትን ብሓባር ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቢያተ ክርስቲያንና ምሳኻ ኢና ዝብል ቃል ዘማእከለ ናብ ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ብመሰል ሰማዔ ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ውዕዉዕ ውሉዳዊ ፍቕሪ ዘረጋግጽ መልእኽቲ

እቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ክዝትይ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ክዛዘም ክልተ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ መዓልታት ዕለት 26 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. 249 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ኣብ ዘካየዶ ውዕሎ ናይዚ ሲኖዶስ መደበይና ቤት ምኽሪ ኣባላት ከምዝሓረየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ካልኣይ ክፍለ ግዜ መበል 20 ውዕሎ ብሰማዔ መሰል ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ብዝተፈላዩ ቋንቋታት ሓሴት ብዝተመልኦ መንፈስ ቅዱስ ኣቦና የቐንየልና ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦናን መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝተረኽብሉ ምርኢት ከምዘቕረቡን፡ እቲ ናይ በዓል መንፈስ ንብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከይተረፈ ከምዝተንከፈን፡ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ መሳርዕ ሙዚቃ ኦርጋን ዝወቕዕሉ Eis-me aqui - ኣነዅ ዘርእስቱ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብሓባር ዝተኸወነ ታሪኻዊ ዔላ

ኣብ ሓጐስን ጽንኩር ኩነትን ብሓባር ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቢያተ ክርስቲያንና ምሳኻ ኢና ዝብል ቃል ዘማእከለ ናብ ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ብመሰል ሰማዔ ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ውዕዉዕ ውሉዳዊ ፍቕሪ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ከምዝቐረበን፡ እቲ መልእኽቲ ፈላላይ መናድቕ ዘይብሉ ሽመትን ማዕረግን ግምት ብምሃብ ንቕዱስነቶም ብኣንቱታ ዘይኰነስ ንስኻ ብዝብል ተውላጥ ስም ብምጥቃም ዘለዎም ፍቕሪ ዝገለጽሉን። ብሓባር ታሪኻዊ ዔላ ከዊንና ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰይ ወለዶ ዘለዎም ቅርበትን እዚ ሲኖዶስ እውን ብዛዕባ መንእሰይ ኣማእኪሉ ክዝትይ ወሲኖም ዝጸውዑ ብምዃኖም መንእሰይ ወለዶ ዘይርስዖ ጸጋ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡ እንነብረሉ ዓለም ንመንእሰይ ወለዶ ማእለያ ዘይብሉ ዝጐድእን ዝጠቕምን ምርጫታት ዘቕርብ እዩ፡ እዚ ዓለም’ዚ ሓድሽ መልስን ሓይሊ ፍቕርን የድልዮ፡ ካብ ምቕባል ኣብ ምሃብን ኣብ ተወፋይነትን ዘሎ ሓጐስ ልዑልን ሰገርን እዩ፡ በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዝከኣል፡ “ዘበገስካዮ ጉዕዞ ከይተቋርጾ ንላበወካ፡ ምእንታኻ ንጽልይ፡ ናይ ሕልምታትካ ተሳታፍያን ኢና፡ ርህውቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክፍትቲ ብፍላይ ከኣ ንንኡሳንን ድኻታትን፡ ኣብ ዓውዲ ውግእ ማእከል እትርከብ ቤት ሕክምና ከምዝበልካዮ፡ መንእሰይ ናይዛ ዘበራበርካያ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳእቲ እያቶም፡ ንዝበለጸ ሕብረተሰብን ዓለም እትዓዪ፡ ናይ ሰላምን ምትሕልላይን ባህሊ ዝሕነጸላ፡ ነቲ ኢየሱስ ኣብኦም ገዛእ ርእሱ ዘወክለሎም ድኻታት ዘማእከለት”  ኣብዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ቀንደይና ተዋሰእቲ ምዃኖም እቶም መንእሰያት ኣብ መልእኽቶም የረጋግጹ።

ሕርየት ኣባላት ቤት ምኽሪ

ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ውዕሎ መበል 20 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ሕርየት ቤት ምክሪ ኣባላት ተኻይዱ፡ ኤጳርቅናን ሰበኻታትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትኽተልን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣቡናትን ፓትሪያርካትን ክልተ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሰለስተ ንላቲን ኣመሪካን ሰለስተ ንኤውሮጳን ሰለስተ ንኣሪቃን ሓደ ንኦቻይናን ሰለስተ ንእስያን ዝውክሉ፡ ከምእተሓርዩን እቲ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ዘሎ ዓንቀጽ ዝሳዃዕ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ ዓንቀጽ 10 ከምዝእዝዞ፡ ካብቶም ዝተሓርዩ 16 ኣባላት ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ፥ ከከም ኣድላይነቱ ዝጽዋዕን መደበይናን ሲኖዶስ ምስ ዝዝትየሉ ርእሰ ጉዳይ ብምትሕሓዝ ካብ ላዕለዋይ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ህየንተን ድዩ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ኣበ መናብርት ሓደ ተወሳኺ ኣባል ዘለዎ ከምዝኸውን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ 21 ኣባላት ሓቁፍ ኰይኑ ዝርዝር ኣስማቶም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክግለጽ ምዃኑ የመልክት።

ሲኖዶስ፥ ናይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ሕርየት ኣባላት መደበይና ቤት ምኽሪ
27 October 2018, 16:44