ድለ

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይሓጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ከይኽሰት ተተባብዕ ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይሓጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ከይኽሰት ተተባብዕ 

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይሓጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ከይኽሰት ተተባብዕ

መእሰይ ብዝዀነ ይኹን ኣካልን ጽንሰ ሃሳብ ህልዮን ከይእለይን ከይውነንን ኣብ ምርግጋጽ ውሳጣዊ ነጻነት ክህነጽ ኣለዎ፡ ኩሉ ይገብሮን ይብሎን ብዝብል ሕይወት ዘይኰነስ ኢየሱስን ትእዛዛቱን ብቅኑዕን ንጹሕን ሕይወት ኣቢሉ ክስዕብ ኣብ ነጻነትን ውሳጣዊ ናጽነትን ክሕነጽ ከምዝግብኦ ብፁዓን ኣበው የተሓሳስቡ።

ዕለት 11 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ታሽዓይ ውዕሎ ከምዘካየዱን፡ 256 ብፁዓን ጳጳሳት እውን ክመእተሳተፉ ክሕበር እንከሎ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘይሕጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ከይተባባዕ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ዓለም ዝረኣን ሓድሽ ጊልያነት፡ ንግድ ሰብ ብቤተ ክርስቲያን ውጉዝ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ከምእተነቓቕሕ ኣረጋጊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዙሓት መንእሰያት ሕልምታቶምን ዕቑር ሓይሎምን ክእለቶምን ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕሪ ክጥሕል ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን ናይ እዋንና ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ክድግፋን ኣብተን ብድኽነት ዝሳቐያ ሃገራት ዝርክብ መንእሰይ ወለዶ ዕቑር ሓይል ክውን ኰይኑ ንናይ ሃገር ምዕባለ ከውዕል ዘብቅዖ ድጋፍን ሕንጸት ክረክብን ኣብዚ መዳይ ደገፍን ከቕርባ ዘተሓሳሰቡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ጸኣት ስደተይናታት በራትካ ብምዕጻው ዝፍታሕ ከምዘይኰነ የረጋግጹ … ።

ኣገዳስነት ናይ ሕልና መርመራ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ናይ ዕርቂ ምስጢር እንከስተንትኑ፡ ምሕረት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ከበድ ዝሕርር ብምዃኑ ጸጋነት ኵርናዑ ክስትውዓል ከምዝግብኦ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሕልና መርመራ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎን፡ እዚ ኸኣ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ልልያ ክፋእን ሰናይን ንሕንጸት መንእሰያት መሰረት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ወትሩ መንእሰይ ኰይንካ ኣይትረፍን በጽሒ ወለዶ እትዀነሉን ኣረጋው እትዀነሉን ምዃናውነት እውን ኣሎ። እዚ ህርመት ሕይወት’ዚ ኣብ ሕንጸት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ግደ ኣለዎ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ እቲ ዘገድስ ጸዋዕታኻ ምፍላጥን ኣብ ጸዋዕታኻ ምንባርን ምግልጋልን እዩ፡ ኣብ ምርጫ ሕይወት ገዛእ ርእስካ ምዃን፡ ኩሉ በቢ ጸዋዕታኡ ኣቢሉ መስካሪ መደብ ድሕነት ኣምላኽ ክኽውን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ የተሓሳስቡ። … መንእሰይ ጸዋዕታኡ ብምልላይ ብዝነብሮ ሕይወት ኣቢሉ ዝሓንጽ ምስክርነት ኣብ ምቕራብ ዘብቕዖ ዝተመዓራረየ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ይግብኦ።

መንእሰይ ኣብ ነጻነት ምሕናጽ

መእሰይ ብዝዀነ ይኹን ኣካልን ጽንሰ ሃሳብ ህልዮን ከይእለይን ከይውነንን ኣብ ምርግጋጽ ውሳጣዊ ነጻነት ክህነጽ ኣለዎ፡ ኩሉ ይገብሮን ይብሎን ብዝብል ሕይወት ዘይኰነስ ኢየሱስን ትእዛዛቱን ብቅኑዕን ንጹሕን ሕይወት ኣቢሉ ክስዕብ ኣብ ነጻነትን ውሳጣዊ ናጽነትን ክሕነጽ ከምዝግብኦ ብፁዓን ኣበው የተሓሳስቡ። … ናጽነት ኣብ ሓቅነት፡ ስለዚህ ንመንእሰይ ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ምስክርነት ምቕራብ ወሳኒ እዩ፡ ቃል ኣምላኽ ዝነብሩን ድኻታት ዘፍቅሩን ውሳጣዊ ምልዋጥ ዝነብሩን ውዕዉዕ እምነት ዝነብሩን ጓሶት የድልዮም፡ መንእሰይ ካብ ብቓል ብናይ ሕይወት ምስክርነት ኣዚዩ ይማረኽ።

ክፉት ልብን ግልጺ ድላይን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስናይ መንእሰይ ንመንእሰይ ንምስማዕ ክፉት ልብን ጭቡጥ ድላይን ክህልዋ ይግባእ። ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ሰብኣዊ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውፋይን ተስፋ ብምቕራብን ንፍጥረት ሰብ ክትከናኸን ዝተጸውዔት እያ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዓመጽን ጽልእን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ኢፍትሓውነትን ውግእን መንእሰይ ምግምማዕን ምፍርኽኻስ ህልውና ክነብር ይድርዀ ከምዘሎ ዝገለጹ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ እዚ ኸኣ መንእሰይ ግቡእ ርእሰ ግምት ከይህልዎ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣማኔ ከይህልዎ ከምዝገብሮን ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት ዝርከብ መንእሰይ ናጽነቱ ብምብርባር ኣብ ሓላፍነቱ ብምንቕቓሕ ናብ ነዊሕን ነባርን ናይ ሕይወት መደብ ከብል ተሰንዮ።

እናታዊ ስንዮታ

ብፅዓን ኣበው ነቲ ኣብ ወንጌል ዝጥቀስ ናይ ዝጠፍአ ውላድ ታሪኽ ጠቒሶም፡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣብ መሓሪ ምዃን ይድሊ፡ እቲ ኣብ ብዙሕ ጸገም ዝነብርን ዝጠፍኤ እውን ይኩን ናብ ምርካቡ ምባል፡ ንበይኖም ከምእተሓደጉ ከይስምዖምን ብሓባር ምስኦን ብኣደነት መንፈስ ብምስናህ ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ናጽነት ናጻ ክወጹ ምድጋፍ። …. እናታዊ ስንዮታ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ሓቂ ከስተውዕሉ ዝገብር ስንዮታ ማለት ከም ድላይካ ንኽትጠማዝዞምን ንኽትውንኖምን ብፈሪስዊ ክህነታውነት ንኽትእዝዛኦም ዘይፈቅድ እዩ፡ እዚ ኸኣ ክርስቶሳዊ ስንዮታ ምዃኑ ይትንትኑ።

ቤተ ክርስቲያን ምስ መንእሰይ ሓቢራ ኣብቲ ሓበይቲ ሕልምታት ምሕላም ሓቢራ ትቃለስ

ውሁድን ፍሱህን ዝዀነ ወንጌላዊ ልኡክነቱ ፈልዩ ዝፈልጥን ምስ ወንጌል ፍቕሪ ዝሕዞ ማሕበረ ክርቲያን፡ ዕጽውነትን ቅድመ ፍርድን መንእሰይ ቅቡል ኰይኑ ክይስምዖ ከምዝገብሮ ዝፈልጥ እዩ፡ … ምእንቲ’ዚ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ምስ መንእሰይ ሃቢራ ኣብ ሕልምታቱ ምስኡ ሓቢራ ክትጓዓዝ ይግብኣ።

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ኣብ ተልእኰ ቤተ ክርስቲያን ምእኩላት ክዀኑ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ታሽዓይ ውዕሎ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን እንከስተንትኑ፡ መንእሰይ፡ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምእኩላት ክዀኑ ይሓትቱ፡ እዚ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጨሪሹ ከይድገም ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ቅልውላው’ዚ ንኽትላቐቕ ኣቐዲምካ ኣብ ምጥንቃቕ ከይዲ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብቑዕ ሕንጸትን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ እውን ብቕዓት ዘለዎም ዓለማውያን ምእመናን ክትጥቀምን ደቀንስት እውን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክታን ኣንስታዊ ብልሓተን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ንጓሶት ሓልዮትን እውነተይና ቡቕባቔን ፍቕርን ንድኻታትን ነቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓትን ዓቅም ዘይብሎም ኣብ ምክልኻል ክሓንጻ ዝኽእላ ኣዴታት እያተን ኢሎም።

ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህልን እወታዊ ጐድንታቱን

ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ግጥም ቤተ ክርስቲያን ምስ እዋናዊ ኩነት ብፍላይ ከኣ ምስቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ኢሃይማኖታዊ ባህሊ ምዃኑ ኣሞርኵይዞም፡ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናን እዚ ባህሊ’ዚ እወታዊ ጐድኑ ማለት እወታዊ ጽልዋ ክምዘለዎ ኣፍልጦ ሂቦም፡ እዚ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ’ዚ ንእዋንና ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ትብዓት የድሊ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ናይ ቃል ክርስቲያን ወይ ናይ ስም ክርስቲያን ምዃን ጥራሕ ዘጉልሕ ዓይነት ኣነባብራ ክርስትና ተላቒቕና ክርስትና ኣብ ክውንነትን ኵለ መዳይን ንኽንነብሮ ዝብድህ ብምዃኑ እዩ። ኢእግዚኣብሔራዊ ባህል ክርስትና ከም ብሔራዊ ሃይማኖት ድዩ ከም ሃገራዊ ሃይማኖት ንክንበር ዘይኰነስ ናይ እምነት ብስራት ምዃኑ ዝብል ኣገዳሲ ዝዀነ መለለይኡ ዳግም ክርከብ ዝድርኽ እዩ ኢሎም።

ሲኖዶስ መንእሰያት፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይሓጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ከይኽሰት ተተባብዕ
12 October 2018, 17:08