ድለ

ሲኖዶስ፥ ክንክን “ናይ ሓባር ቤት” ዘፍጥረት ንመጻኢ ወለዶ ሲኖዶስ፥ ክንክን “ናይ ሓባር ቤት” ዘፍጥረት ንመጻኢ ወለዶ 

ሲኖዶስ፥ ክንክን “ናይ ሓባር ቤት” ዘፍጥረት ንመጻኢ ወለዶ

መንእሰያት ቅዱስ መጽሓፍ ከዘውትሩን መታን ኣብ ምፍቃር ቃል ኣምላኽ ክተባብዑን ስለምንታይ ቃል ኣምላኽ ንመሰረታውያን ሕቶታቶም ነቕ ዘይብል እውነተይና መልሲ ዘብርህ ስለ ዝዀነ፡ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክልተ ተበጽሖታት ዘለዎ እዩ፡

ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት መዛተይ ሰነድ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ዘንበሮ ምልላይ ወይ ምምራጽ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሎም መበል 15 ውዕሎ ከምዘካየዱን፡ ካብቶም ብመሰል ሰማዕነት ካብ ዝሳተፉ ንዘለዉ 49 መንእሰያት ዝውክሉ እውን ምስክርነ ከምዘስምዑን፡ ኣብቲ ውዕሎ 250 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ስነ ምህዳር (ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን፡ ዕቃቤን) ኣብሳሪት እያ፡ እዚ ኸኣ “ናይ ሓባር ቤት” ዘፍጥረት ንመጻኢ ትውልዲ ንምስግጋር ኣብ ዝብል ሓላፍነት ብምድጋፍ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዝዘተዩን፡ ናይቶም ኣብቲ ሲኖዶስ ብሰማዕነት መሰል ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ድላይ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ስነ ምህዳርን ኤኮኖምን ነቢይ ክትከውን ዝብል ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት ይገልጹ፡ ሎሚ እንነብረላ መሬትን ድኻታትን ኣውያቶም የስምዑ ኣለዉ፡ ነዚ ኣውያት መሬትን ድኻታን ጸማም ዕዝኒ ምሃብ ዘይከኣል እዩ፡ ስለዚህ ምኽባር ምህዳር ምስ ዝጐድል ብዙሕ ድኻታት ክብ የብል፡ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ዓይነት ድኽነት የተኣታትው፡ … ምእንቲ’ዚ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መንፈሳውያንን ናይ ውፉያንን ማሕበራትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ምግልጋ ድኻታት እያቶም፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ህብረ ኢንዳስትሪታት ኣብ ልዕሊ እንነብረሉ ናይ ሓባር ቤት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምዝመዛን ሳዕቤናቱን ኣውን ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ስራሕ ዕድል ንመንእሰያት ብቕዓት መሃዝነት እስትንፋስ

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብዚ መበል 15 ውዕሎኦም ደጋጊሞም ብዛዕባ ስራሕ ከምእተመያየጡን፡ ስራሕ ናይ እቶት ምንጪ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምስ ወርሓዊ ክፍሊት ጥራሕ ዝተተሓሓዘ ገርካ ምግላጽ ስራሕ ንዘለዉ ክብሪ ምትሓት እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ስራሕ ዘለዎ ሰብኣዊን መሃዛውን ኵርናዑ ክዝንጋዕ ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቦም፡ መንእሰይ ወለዶ ዝምነዮን ዘማዕድዎን ስራሕ ምስቲ ዘለዎም ክእለትን ብቕዓትን ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዃን ዝተተሓሓዘ ክኸውን ዝብል እዩ፡ … ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

መንእሰይ መጽሓፍ ቅዱስ ከዘውትር ምድጋፍ

ተዋሳእነትን ጸገማትን መንእሰያት እውን ኣማእኪሉ እቲ መበል 15 ውዕሎ፡ ኣስዒቡ ብዛዕባ ክህነታውነትን ዝብሉ ጉዳያት ኣልዒሉ፡ ገለ ገለ ጉድለታት ካህናት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሳእቲ ክዀኑ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ናይ ብሓቂ ተዋሳእነት፡ እዚ ከበሃል እንከሎ ኣነነት ዝብል ተዋሳእነት ዘይኰነስ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ሕይወት ቅዱሳንን ኣስተንፍሶ ዘለዎ ክኸውን ምዕዳን ብምቕራ፡ ጸዋዕታ ንቕድስና ኵላውነት እዩ፡ ንተግባራት ቤተ ክርስቲያንን ንሕይወት ክርስትናን ትርጉም ዝህብ  እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ምዕሩግ ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር እዩ። ልዕሊ 160 መንእሰያት ቅዱሳት ከምዘለዉን ንሳቶም ከኣ ኣብ ስቑል ኢየሱስ ዝጠሓሉን ንኣኡ ዝመስከሩን እያቶም ካልኦት እውን ቅድስና ንኽእወጀሎም መጽናዕቲ ዝካየደሎም ብዙሓት መንእሰያት ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

እሙን ተራ ቤተ ክርስቲያን

መንእሰያት ቅዱስ መጽሓፍ ከዘውትሩን መታን ኣብ ምፍቃር ቃል ኣምላኽ ክተባብዑን ስለምንታይ ቃል ኣምላኽ ንመሰረታውያን ሕቶታቶም ነቕ ዘይብል እውነተይና መልሲ ዘብርህ ስለ ዝዀነ፡ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክልተ ተበጽሖታት ዘለዎ እዩ፡ እቲ ሓደ ምርኻብ ምስ ክርስቶስ ዝብልን፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ሓድ ሕዳዊ ምርኻብ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ከምዝዀነ ዘመላኸቱ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝጽበዮ እሙን ተራ እዩ፡ ማለት፡ ቃልን ጠመቕ ትምህርትን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምልዋጥን። ምሕረትን ይቕርታን ምሕታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን እትሓቶ ይቕረታን ምሕረትን ብተግባር ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ  እቲ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ተኣሚናን ዝተሓደሰ ፍኖት ብምስዓብ ከይኽሰት ኣበርቲዓ ከምእትዓዪ ብቓልን ግብርን ከተረጋግጽ ከምዘለዋ የተሓሳስቡ።

ኣማራጺ ምስ መንእሰያትን ንመእሰያትን

ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣሚቶም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ንምስራሕ ኣብ ዝግበር መስፈርተ ስነ ምግባራዊ ከይዲ ሱታፌ ክህልዎም ምንቕቓሕ ከምዝግባእን፡ ማሕበራውያን መረብት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዘተ ዘተባብዕ መታን ክኸውን፡ ቤተ ክርስቲያን ብመራኸቢ ብዙሃናታ ኣቢላ ምስ ዓለም ኣብቶም ኣዚዮም ኣካተዕቲ ኣብ ዝዀኑ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ሓሳባ ብምቕራብ ምስ መንእሰያት ኰይና ንመእሰያት መታን ክትቐርብ፡ … እዚ ኸኣ መንእሰይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ንቝሕ ተሳታፍን ተዋሳእን መታን ክኸውን ዝድግፍ ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሓቢሮም እዚ ማለት ግና ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ለማድያን ንኽዀኑን ወይ ከኣ ዝገልጾም መፍለይኦም ንምጥፋእ ከምዘይኰነ የተሓሳስቡ።

ትምህርተ ክርስቶስ ብሕዳሴ ምቕራብን ኣብ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ምትእትታውን

ዝተሓደሰ ትምህርተ ክርስቶስ ንመእሰይ ምቕራብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ሓራጥቃውነትን መናፍቓውነትን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፡ ንመንእሰይ ዝዛረብ ዝተሓደሰ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ ምስ መንእሰይ ርዳኤን ቋንቋን ዝዛረብ ትምህርተ ክርስቶስ … ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብዚ መዳይ ክዓያን ትምህርተ ክርስቶስ ምትእትታውን ናይ ገዛእ ርእሱ ዓሚይቕ ክፍለ ግዜ ክህልዎ ይግባእ፡ እዚ ከኣ ካብ መባእታዊ ክሳብ መናብርተ ጥበብ በቢ ደረጃኡ ዝቕጽል። … ብምትሕሓዝ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ብዙሓት መንእሰያት እዋናዊ ዝዀነ ዓቢይ ጸገም መጥቃዕቲ ዕጸ ፋርስን፡ ናይዚ ዘደንዝዝ እጸዋት ጽግዕትይና ምዃንን ዝብሉ ጸገማት ጠቒሶም ኣብዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ነቢያዊ ቃል ከተቕርብ እትኽል ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ እያ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ሞት ባህሊ ቤተ ክርስቲያን ኣበርቲዓ ብብቑዕ ናይ እምነት ኣጽዋር ኣቢላ ክትዋጋእ የተሓሳስቡ።

ኣገዳስነት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት

ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቢላ ዘበገሰቶን ዝቕጽል ዘሎን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ መንእሰይ ወለዶ እምነቱ ምስ ብጾቱ ብሓባር ክነብሮን ካብ ምናባውነት ናብ ጭቡጥነት ከብል ዝድገፈሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወላድነትን ብዙሃነትን መግለጺ እውን ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ የመላኽቱ።

መልእኽቲ ሲኖዶስ ንመንእሰያት ዝሓልይ ፍልዩ ድርገት

ኣብ መወዳእታ ውዕሎ መበል 15 ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ከምቲ ብዙሓት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ዝተላበውዎ፡ ናይ ሲኖዶስ መልእኽቲ ናብ መንእሰያት ዘሰናድው ሓሙሽተ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፥ ናይ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጕይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዴኡዶነ ንዛፓላኢንጋን ኣብ ፈረንሳ ናይ ሊዮነ ሊቀ ጳጳሳት ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤማኑኤል ጎቢላርድን ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሲድነይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንይ ኮሊን ፊሸርን፡ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሳን ኹስቶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ሆራሲዮ ጋርሲያን ከምኡ እውን ካብ ብሰማዕነት መሰል ዝሳተፉ ካብ ዘለዎ መንእሰያት፡ ብሪያና ረጂና ሳንቲያጎ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት ሓልዮ መንእሰያት ኣባል ዓለማዊ ምእመን መንእሰይ ኣናስታሲያ ኢንድራዋን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያትን ጸዋዕታን ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ሓላፊ ኣባ ሚከለ ፋላብብረቲን ካብ ፍልዩ ተዓዘብቲ ከኣ ናይ ታይዘ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያት ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዝሓቁፍ ማሕበር ኣበ ምንየት ሓው ኣሎይሰን ብኣባልነት ዝሓቍፍ  ፍልዩ ድርገት ከምዘቖመን፡ እቲ ዝቖመ ድርገት’ዚ እቲ መልእኽቲ ናብ መንእሰይ ኣሰናድዩ ምስ ኣብቅዔ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ክቐርብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፥ ክንክን “ናይ ሓባር ቤት” ዘፍጥረት ንመጻኢ ወለዶ
19 October 2018, 17:43