ድለ

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ፥ መንእሰይ ንኽጋገይ እውን ፍቓድ ይሓትት ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ፥ መንእሰይ ንኽጋገይ እውን ፍቓድ ይሓትት 

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ፥ መንእሰይ ንኽጋገይ እውን ፍቓድ ይሓትት

መንእሰይ ይብላ እናቴ በኳርት፡ ጥምርትን ጽንዕትን ተራኻቢትን ሕውነትን ሓብትነትን ኣትነብር ቤተ ክርስቲያን ይደልይ፡ እዚ ዝደልዮ ወጅሂ ቤተ ቤተ ርክስቲያን ከኣ ኣንስትን ተባዕትን ህብረኣውን ንዅሉ እትጥርንፍን ዝብል እዩ፡ ጉባእያውነት ወይ ሲኖዶሳውነት ብምስማዕን ብልልያን እዩ ዝኽወን፡ እዚ ንኣሳልጦ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሎማዊ ዓለም መፍትሕ እዩ እንክብላ ገሊጸን ናይ ቀዳማይ ሰሙን ከይዲ ሲኖዶስ፡ ዝተዓዘበኦ ሕውነትን ብሓድሽ መንፈስ ብምንቕቓሕ ንቕድሚት ንምባል ዝረኣዮ መንፈስ ከምዘደነቐን ሓቢረን።

ሕይወት ቤት ተመክሮን ቤት ሕዉትነትን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ምግጋይ ዘሎ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕይወት ንእስነት። ዕለት 9 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፁዓን ኣበውስ ሲኖዶስ ድሕሪ እቲ ብ 14 ጉጅለ ተኸፋፊሎም ነቲ ኣብ ምስማዕ፡ ንክውን ሕይወት መንእሰያት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ዘተ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰለስተ ብፁዓን ክርዲናላትን ሓንቲ ፈረንሳዊት ድንግልን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ወግዓዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

“እታ መርከብ ሲኖዶስ ንዅላትና ኣሳፊራ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ትቐዝፍ ኣላ” ዝብል ሓሳብ ዝተጠቀማ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብመሰል ተዓዛቢትን ሰማዒትን ዝሳተፋ ዘለዋ እናቴ ናታሊ በኳርት ገሊጸን፡ እዘን ኣብ ፈረንሳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንመንእሰያትን ናይ ጸዋዕታን ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳሪት ኰይነን ዘገልገላ ዋላ’ኳ ኣብቲ ናብዚ አበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጠቕላሊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ንምስንዳው ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ ጉባኤታት ዘይተሳተፋ እውን እንተዀና፡ እቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ኣብቲ ቀድሜ ክፍሊ ናይ ዘተ መካየዲ ሰነድ ዝተመልከተ ንናይ መንእሰይ ክውንነት ምስማዕ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣመርኵይዙ ኣብ ዝመኸረ ጉባኤ ንኽሳተፋ ዝተጸውዓ ምዃነን ገሊጸን፥

ቤተ ክርስቲያን፥ ኣንስትን ተባዕትን እያ

መንእሰይ ይብላ እናቴ በኳርት፡ ጥምርትን ጽንዕትን ተራኻቢትን ሕውነትን ሓብትነትን ኣትነብር ቤተ ክርስቲያን ይደልይ፡ እዚ ዝደልዮ ወጅሂ ቤተ ቤተ ርክስቲያን ከኣ ኣንስትን ተባዕትን ህብረኣውን ንዅሉ እትጥርንፍን ዝብል እዩ፡ ጉባእያውነት ወይ ሲኖዶሳውነት ብምስማዕን ብልልያን እዩ ዝኽወን፡ እዚ ንኣሳልጦ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሎማዊ ዓለም መፍትሕ እዩ እንክብላ ገሊጸን ናይ ቀዳማይ ሰሙን ከይዲ ሲኖዶስ፡ ዝተዓዘበኦ ሕውነትን ብሓድሽ መንፈስ ብምንቕቓሕ ንቕድሚት ንምባል ዝረኣዮ መንፈስ ከምዘደነቐን ሓቢረን።

ቃል ኣምላኽ ዓቢይ ክብሪ ዝህብ ውሁብን ውበታውን ሊጡርጊያ

ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይቲ ካብቶ 14 ንኣሽቱ ጉጅለ ውሽጢ ናይቲ መላእክታዊ ብዝብል ስም ናይ ዝጽዋዕ  ናይ ዘተ ጉጅለ ሲኖዶስ ኣበው ኣፈ ጉባኤን ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ፡ እቲ ዘገርም እቶም መንእሰያት ዘቕረብዎ ሕቶ ዋላ’ኳ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡን ዝተፈላለየ ኩነት ዝነብሩን እውን እንተዀኑ፡ በቲ ብመርበብ ሓበሬታ ንዝተመሓላለፈሎም ሕቶታት ዝሃብሉ ሚእቲ ሺሕ መልስታት፡ ርኢኻ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘለዎ ከምዝዀኑ ትርዳእ፡ ስምዑና፡ ከም ምዃንና ተቐብሉናን እንተተጋገና እውን ናይ ምግጋይ መሰል ዘሎና ኢና እሞ ተቐበሉና፡ ዝብሉ እያቶም፡ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ ስፍራ ዝብህ ውሁብን ውበታውን ሊጡርጊያ እዮም ዝሓቱና ዘለዉ ኢሎም።

ናብ ሓደ ሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት

እዞም ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ናይ ቤተ ክርስቲያ ላዕለዋይ መዋቕር ሕዳሴ ዘማኽር ጉባኤ መማክርት ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ኣባል ዝዀኑ ህንዳዊ ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ብሓባር ክንዓዪ ይጽውዑና፡ ብኣና ብዕድመ ዝደፋእና ክስነዩ ይደልዩ፡ ኣንሕና ግና ጥንቃቔ ንገብር እሞ፡ ቀስ በሉ ብዙሕ እትመሃርዎ ኣለኩም ንብሎም፡ ይኹን ደኣ እምበር ካብዚ ሲኖዶስ ሓድሽ ንመንእሰይ ዘተኰረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መርሕ ዝኽውን ሓሳብ ከምዝቐርብ እምነት ኣሎኒ እንክብሉ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ጻራሃዛና፡ ንስማዓዮም፡ ንሳቶም እውን ኣባና ኣምኖ ከንብሩ እያቶም

መንእሰይ ክስማዕን ጽን ክብሃልን ይግብኦ፡ ብዛዕባ ሕይወቱ ክንግደስን ከነፍቅሮን፡ እዚ ምስ እንገብር ጥራሕ እዩ ንሱ ኣባና እምንቶ ዝህልዎ፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ቶኣማሲና ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ሲኖዶስ ልኡኽ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ደሲረ ጻራሃዛባ፥ ኣስዒቦም ኣንሕና በጽሒ ወለዶ እሙናት ኰይንና ክንርከብ ይግብኣና፡ ከምዚ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ መንእሰይ ዝስዕበናን ዝሰምዓናን፡ ዝስዕበናን ዝሰምዓናን ክብል እንከለዅ፡ ንቓልና ዘይኰነስ ነት እነበስሮን እንኣምኖን ቃል ማለተይ እዩ ኢሎም። ሕዝቢ ማዳጋስጋር ኣብ እምነቱ ስሙርን ጥሙርን ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ ሓደገይና ኩነት ኣይምተራእየን፡ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ እውን ዝምልከት እዩ፡ ብዙሓት ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡ መንእሰያት ስለ ዘለዉ እውን፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ናይ ምልዋጥ ጻውዒት ዘቕረብና ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማዳጋስካር ብብዙሕ ሕዝቢ እታ ሃገር እምንቲ እያ፡ ኣብ ማዳጋስካር ዝተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሔራዊ መዓልቲ መንሰይ፡ ልዕሊ 30 ሺሕ መንእሰያት ዘሳተፈ ምንባሩ ገሊጾም፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ዝሳተፉ እያቶም፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ መንእሰይ ጸገም ማለት ስእነት ስራሕን ድኽሕነትን ኣብ ሕይወቶም ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ዘሕድረሎም ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝኣመሰሉ ንድሕሪት ዘትርፎምን ኢዶም ሂቦም ንኽነብሩ ኣብ ዝድርኽዎም ጸገማቶም ቀረባ ምዃን የድሊ ምስ በሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማዳጋስካር ሓዋርያዊ መገሻ የካይዱ ዶ ይዀኑ ዝብል ካብ ሓደ ጋዘጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ብርግጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማዳጋስካር ዕድመ ገይራትሎም እያ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ማዳጋስካር ዕድመ ገይርሎም ኣለዉ፡ ውሳኔ ናቶም እዩ፡ ከብጽሑናን ምስ መንእሰያት ማዳጋስካር ክራኸቡ ዓቢይ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾምልና እዮም ምስ በሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ግብረ ቡርከ እውን ብወገኖም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ማድጋስካር ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ኣልፊጦም።

ብፁዕ ካርዲናል ላክሮይ፡ ናይ መንእሰይ ሓጐስ ምስ ዝነቱግ

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ካናዳ ናይ ኪበክ ሊቀ ጳጳሳት፡ ጵጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባልን ብፁዕ ካርዲናል ገራልድ ስይፕሪየን ላክሮይ፥ እቲ ሲኖዶስ ናይ መንእሰይ ሓቅነት ንምርዳእ ብሕውነት መንፈስ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እዩ፡ ንመእሰይ ሓድሽ መጻኢ ንኽንሓንጽ ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ንምልላይ ተበጊስና ኣሎና፡ ኣብቲ ሲኖዶስ ብሰማዕነትን ተዓዛብነትን ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ኣለዉ፡ 39 እውን እንተዀኑ፡ ናይ መንእሰይ ሓጐስ ግና ነታጒ ምዃኑ ተረጋግጽ፡ ናብ ኩሉ ዝበጽሕ ምዃኑ ካብኣቶም ትርዳእ፡ ካብዚ ሲኖዶስ’ዚ ግለ ሰባት ዘይኰኑስ ሰዓሪት ኰይና እተወጽእ ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ሰዓሪት ኰይን ከምእትወጽእ ርግጸይና እየ ኢሎም።

ሩፊኒ፥ ብፁዓን ካርዲናላት ምስ መእንሰያት ብምስማዐ ርእየት ክዛረቡ እያቶም

እቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝመርሑ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉዳያት ጋዜጣዊ መግለጺ ድርገት ኣቦ መንበር ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ፡ ካብ ብዙሓት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፡ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ብቛንቋ መንእሰት እትዛረብ ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ ምእንቲ’ዚ እዚ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዘቃልሕ ብፁዓን ካርዲናላት ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብቛንቋ መንእሰይ ንመንእሰይ ዝዛረቡሉ መደብ የሰናድው ኣሎ ኢሎም።

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ካርዲናል ግራሲያስ፥ መንእሰይ ንኽጋገይ እውን ፍቓድ ይሓትት
10 October 2018, 17:45