ድለ

ሲኖዶስ፥ ምቕራብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን ሲኖዶስ፥ ምቕራብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን 

ሲኖዶስ፥ ምቕራብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን

ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዩ ሰነድ መሰረተ ቅርጺ ኣብ ሰለስተ መደብ ዝተኸፋፈለ ኰይኑ ነቲ ናይ ደቀ መዝሙር ኤማኡስ ጉዕዞ ዘንጸባርቕ እዩ፡ ምስኡ ሓቢሮም ይጓዓዙ በይሮም፡ የዒንተም ተገልጸሎም፡ ኣብ መወዳእታ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ተበገሱ፡ ዝብል ሓሳብ ዘስተንተነን፡

እቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝመክር ዘሎ መበል 15 መደበይና ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ናብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘመሉ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ዘሰጋግሮ ናይ ፍጻሜ ሰሙን ከምእዝበጽሔ ክምልከት እንከሎ፡ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን 252 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዝተረኽብሉ ዋዕላ ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን ኣብ ዘቕረበሉ መድረክ ሲኖዶስ እቶም ብናይ ምስማዕ መሰል ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ሓጐሶም ብጣቕዒት ከምዝገለጹን፡ እቲ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘካይድዎ ዘለዎ ዘተ ውዕዉዕን ታህዋኽ ዘይተራእዮ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን ንምቕራብ እታ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢት ድርገት ንነዊሕ ሰዓት ካሳብ ምሸት ጸላም ዝደፍኤ ዕዮ ከምዘካየደ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ …

ናይ ዘተ መካየዲ ሰነድ፥ ሰነድ መጋበርያ ዕዮ ናይ መወከሲ መሰረተ ሰነድ

ናይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካ ኣብቲ ናይ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዋዕላ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን ኣሞርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ውጥን ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ወይ ከኣ ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እቲ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ፡ ንመንእሰያት ዝቐረበ መጠይቓዊ ሰነድ ዘደገፈ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን ከኣ ኣብቲ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ዝተመስረተ ብፁዓብ ኣበው ሲኖዶስ ናይ ዘካይድዎ ልልያ ውጽኢት እዩ ኢሎም። ስለዚህ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ዘቕረብዎ ሓሳብን ዘስምዕዎ ዘረባን ዝቐረቡ ጸብጻባትን ካብቲ ሲኖዶስ ዝመንጨዉ ሓሳባትን ዘሳዀኤ ምዃኑ ገሊጾም።

ጉዕዞ ምስ ደቀ መዝሙር ኤማኡስ

ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዩ ሰነድ መሰረተ ቅርጺ ኣብ ሰለስተ መደብ ዝተኸፋፈለ ኰይኑ ነቲ ናይ ደቀ መዝሙር ኤማኡስ ጉዕዞ ዘንጸባርቕ እዩ፡ ምስኡ ሓቢሮም ይጓዓዙ በይሮም፡ የዒንተም ተገልጸሎም፡ ኣብ መወዳእታ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ተበገሱ፡ ዝብል ሃሳብ ዘስተንተነን፡ ኣተሓሒዙ እውን እቶም ብዙሕ ምይይጥ ዝተኻየደሎም ነዊሕ ግዜ ዝወሰዱ ውዕሎታት ዘቕረቦም ሓሳብ ኣጽኒዑ ዝተንተነን፡ 173 ሕጡብ ጽሑፍ ዘለዎን ደራሲኡ መላእ ሲኖዶስ ኣበው እያቶም፡ ንኵሎም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተዘርግሔን ከንብብዎን ክዕምቑዎን ድማ እዮም። ዝውሰኽ ዝብልውን ክንከይ ዝብልዎ ኣውን ከም ሓሳብ ከቕርቡ እያቶም፡ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ወሳኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝእረን ኣሪሞም ዝወሰኽ እውን እንተሎ ወሲዀም ይኹን ቢሎም ክታሞም ምስ ኣበርሉ ወግዓዊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰነድ ከይኑ ናብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ክዝርጋሕ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ዳ ሮካ ገሊጾም።

ሕዝበ እግዚኣብሔር፥ መንቀልን መብጽሕን ጫፍ እዩ

እትብግሰሉን እትበጽሓሉን ነጥቢ፡ ነቲ ዘለዎ ባህላውን ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ህብረ ክውንነቱ ከምዘሎ ኰይኑ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶም ውዕሎታትን ዘስመረሉ ሓሳብ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን እቲ ሰነድ ምስቲ ክውንነቶም ብምዝማድ ብምትሕሓዝን ብተኣማንነት ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ እዩ ዝኸውን፡ ከምዚ ብምዃኑ ኸኣ እቲ ሲኖዶስ ዝጠቓለል ናይ ሓኪም ናይ ትእዛዝ ወረቐት ኣይኰነን፡ ከምዚ ዝሕስብ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ልልያ ዝብል ቃል ዝጻረር እዩ ዝኸው።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ለውጢ ኵነት ትርከብ

እቲ ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዋዕላ መኽፈቲ ኣብ ዝቕረበ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ሓደ ኣበው ሲኖዶስ፥ ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ዘላ ጽንኩር ኩነት ጠቒሶም እዚ እዋን ሲኖዶስ’ዚ ከ ካይሮስ  (ቋንቋ ግሪኽ) ትርጉሙ ከኣ ዝተዓደለ ግዜ ማለት ክኸውን እንከሎ እዚ ናይ ሲኖዶስ እዋን ዕድል እዩ፡ ንምልዋጥ ዝተውሃበ ዕድል እዩ ከምዝበልዎ፡ መንእሰያት ዝተለወጠት ግልጽን ድኻን ቃል እቲ ኣብ ቅዱስ ዳሚያን ኣብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስዞ ዘኣሲዚ ዘሎ ስቑል ኢየሱስ እትነብር ቤተ ክርስቲያን ይሓትቱ ኣለዉ፡ እቲ ቃል እቲ ስቑስል ኢየሱስ ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከኣ ኪድ ቤተይ ሕነጻ ዝብል እዩ፡ ካብቲ ማይ ዘይርከቦ ምድረ በዳነት ተላቒቓ ኣብቲ ሕይወት ማይ ዝርከቦ እትበቑል እትዕንብብ ቤተ ክርስቲያን፡ ተስፋን ውህደት ምስ ሕዝብን እትነብር፡ ንመንእሰያትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ሓለፋ እትብል።

ሲኖዶስ፥ ምቕራብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ውጥን
24 October 2018, 16:58