ድለ

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ምስማዕ ናይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዘረጋግጽ እዩ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ምስማዕ ናይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዘረጋግጽ እዩ 

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ምስማዕ ናይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዘረጋግጽ እዩ

እዚ ዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ሕጊ መሰረት ዝተኻየደ ብምዃኑ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተኸተለ ቀዳማይ ሲኖዶስ እዩ፡

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንብፁዓን ናይ ሲኖዶስ ኣበው ካብ ዘነበቡ ሓደን ናይቲ ብዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ሲኖዶስ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምልላይ ዝተሳተፉ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፡ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ምስማዕ ናይ ዘላ ቤተ ክርስትያን ወጅሂ ዝሕብር እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ሰበኻኦም ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ሲኖዶስ ዝነበሮ ሓይልን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ካብ እምነት ዝምጭው ሓይሊ ዝተገጸሉ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምስንዳው ናይ ዝዓየየ ድርገት ኣባል ኰይኖም ከምዘገልገሉን፡ መላእ ሲኖዶስ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያን ዝዓደሎ ጸጋ እዩ ኢሎም፡ ምስ ጴጥሮስን ትሕቲ መርሕነት ጴጥሮስ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ምንባሩ ሓቢሮም፡ ኵሎም ብፁዓን ጳጳሳት ሓሳቦም ክግለጹ ድዩ ርእይቶኦም ክህቡ ዝገበረን፡ ቅዱስ ኣቦና ዝመርሕዎ ምሉእ ነጻነት ዝተነብረሉ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተረጋገጸሉ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስ ሲኖዶሳውነት እተንብር እያ።

መንእሰይ ወለዶ ናይ እዋንና ምልክታ እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ነቶም ኣብቲ ሲኖዶስ ብሰማዕ መሰል ዝተሳተፉ መንእሰያት እናሓሰቡ፡ እቲ ናይቶም መእንሰያት ምስታፍ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝነበረን፡ ናይታ ኣብ ምስማዕ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዝገልጽ እዩ፡ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጀሚርካ መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዝነበርዎ ሓቂ እዩ፡ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝወከሉ 270 ብፁዓን ጳጳሳትን መንእሰያት ኣብ ምስማዕ ተጸሚዶም ኣብ ምስማዕ ገዛእ ርእሶም ኣንቢሮም ብሓባር ኣብ ምስማዕ ዝተጓዕዙሉ፡ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ወለዶ ናይ ግዜ ምልክት ምዃኑ ተቐቢላ ዘቃልሓትሉ ኩነት እዩ ኔሩ ኢሎም።

ፍስህቲ ቤተ ክርስቲያን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃሴት ዝተነብሮን መንእሰይ ንቤተ ክርስቲያን ብትስፍውን ፍሱሕ መጻእን ዝዓደላን እቲ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረትን ቤተ ክርስቲያንን ዝዕድሎ ሓሴት ዝተመስከረሉ እዩ፡ እዚ ሲኖዶስ’ዚ ካብ ካልኦት ሲኖዶስ ፍልይ ዘብሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንእሰያዊ ወጅሂ ዝተገልጸሉ ብምዃኑ እዩ፡ ናይ መንእሰይ ብድሆን ሻቕሎትን ህልው ኩነታትን መጻእን ናታ ዝገበረት ቤተ ክርስቲያን። እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ መንእሰይ ህልው ኩነታትን ህላዌ ኣብ ዓለምን ብኣንደበተ ርቱዕ ኣገባብ መሰረት ብጽሑፍ ኣንቢሩ ካብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝተመሓላለፈ ጻውዒት እዩ ኢሎም።

ሲኖዶሳውነት ክንየው ሲኖዶስ ዘሎ ብዶሆ

እዚ ዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ሕጊ መሰረት ዝተኻየደ ብምዃኑ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተኸተለ ቀዳማይ ሲኖዶስ እዩ፡ ስለዚህ ክንየው ሲኖዶስ ዘሎ ሲኖዶሳዊ ብድሆ ኣዚዩ ዘመላኸተን፡ ኵሎም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብንቑሕነት ዘሳትፍ ኩሉ ሓሳብ ዝገለጸሉ እዩ፡ ብሓባር ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢን ከይዲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕበረሉ ብምዃኑ ካብ ኩሉ ንኹሉን እትብል ቤተ ክርስቲያን ዝተረጋገጸሉ፡ ሲኖዶሳውነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓበርዎ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ዘይትንክፍ ሲኖዶሳውነት፡ ስለዚህ ብሁባሬ ልልያ ዝግበረሉ ውሳኔ ግና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቢሉ ዝኣምን ሲኖዶሳውነት።

ክንየው እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘመንጽር ሓድሽ ኣገባብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፍጻሜ እቲ ሲኖዶስ፡ ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጥራሕ ውሱን ኰይኑ ከይተርፍ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ብፁዓን ኣበው መታን ክዓዪ ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንመንፈስ ቅዱስ እነረክብሉ እዋን እዩ፡ ዝበልዎ ዘኪሮም፡ ናይቲ ሲኖዶስ ተቐበልቲ ኣንሕና ኢና፡ ስለዚህ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዓለም ሕይወት ንኽልወጥ ገዛእ ርእስኻ ዝተለወጥካ ምዃን ከምዘድሊ ዘተሓሳስብ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ብምቕራብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጥራሕ ዝረውዩ ኣይኰኑን፡ እንታይ ደኣ ልሙዕ ባይታ ክረክብ ዝብሉ እውን እዮም፡ ምንቕቓሑን ምንባሩን፡ እቲ ሲኖዶስ እውን ነዚ እዩ ዘድምዕ ኢሎም።

ፍሱሃን መሰኻኽር ክንከውን ቅዱስ ኣቦና ይላበዉ

ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝምልከት ንጹል ሲኖዶስ ዘይኰነስ ሓድሽ ናይ ሕይወት ኣገባብ ዝተሓበረሉን ዝተበገሰሉን እዩ፡ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ ምስ ኩሉ መጓዓዚት ኩልን ምዃና ዝተመስከረሉ እዩ፡ ብጓሶት ኣቢላ ምስን  ኣብ ትሕቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሱታፌ እትነብር ንዅሉ ርህውቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዝተመስከረሉ እዩ፡ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉት ዝዀነ ጉዕዞ፡ ቅዱስ ኣቦና መጻኢ ዘየፍርሖም ናብ እትብ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ዘይተፍርሖም፡ ኣብ ምውጻእ ዘጓንፋ ብድሆታት ጸጋ ከይኑ ብጥልቂ እማኔ ኣብ ተስፋን ኣብ መርሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣንቢራ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ እዮም፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንናይ ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ብሩህ መጻእነት ፍሱሓን መሰኻኽር ኵኑ ዝብል እዩ፡ መጻኢ ከኣ መንእሰይ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣብ ምስማዕ ናይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዘረጋግጽ እዩ
30 October 2018, 17:09