ድለ

ሲኖዶስ: መንእሰያት ናይ ጽባሕ መራሕያን፥ ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ ሲኖዶስ: መንእሰያት ናይ ጽባሕ መራሕያን፥ ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ 

ሲኖዶስ: መንእሰያት ናይ ጽባሕ መራሕያን፥ ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ

እቲ መበል 12 ውዕሎ ካብ ፈረንሳ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ኣብ ሉርድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ 1,500 ተመሃሮ ዝለኣኽዎ ቅሉዕ ምስላዊ ሰታሪት ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረቡን፡ እዚ ህያብ’ዚ ንቕዱስ ኣቦና ዘረከቡ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

እቲ ኣብ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱ ኣቦና ዝጸዕዎን ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ መጋበር ዕዮ ሰነድ ኣሞርኲይዙ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ዘተ ብምቕጻል፡ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዕልቲ ኣብቲ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ሳልሳይ ክፋል፥ “ምርጫ፡ ናይ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ተልእዀን ከይዲ”  ዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዝተመያየጠ መበል 12 ውዕሎ ከምዘካየደን፡ ኣብዚ ዝተኻየደ ውዕሎ 254 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ መበል 12 ውዕሎ ካብ ፈረንሳ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ኣብ ሉርድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ 1,500 ተመሃሮ ዝለኣኽዎ ቅሉዕ ምስላዊ ሰታሪት ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረቡን፡ እዚ ህያብ’ዚ ንቕዱስ ኣቦና ዘረከቡ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ብፍቕሪ ንቕድሚት ምስጓም

እቲ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘተ፡ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ዘሎ “ምርጫ፡ ናይ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ግብረን ተልእኾን ከይዲ”  ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ምንባሩን፡ ናይ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ዳ ሮካ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ሕርየት ወይ ምርጫ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምልዋጥ ልብን ኣእምሮን ምልዋጥ ብዝብል ኣገላልጻ ተንቲኖም፡ እትወጽእ ናብ እትብል ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ኣዚዩ ኣብ ዝሳቐይ ዝርከብ ዓለም ናይ ሕውነትን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ተልእዀ ትእምርቲ ብክፉት ኣገባብን ኣእንጋዲትን ኣፍራዪት ቤተ ክርስቲያን ንምዃን ብፍቕሪ ንቕድሚት ምስጓም ማለት ምዃኑ ቃል ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም ከምዘብርሁ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

መንእሰያት ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ

ብምስማዕ መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ 49 መንእሰያት ሓደ ካብ ህንዲ ዝመጸ ፐርሲቫል ሆልት፡ መንእሰያት ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ እያቶም እንክብል ገሊጹ፡ ይኹን ደኣ እምበር ገለ ገለ እዋን ጽሞናን ትካዜን ዘጥቕዖም ምዃኑ ገሊጹ፡ እዋናዊ መንእሰይ እውነተይና እዋናዊ ጓሳ የናድይ፡ ንኽርስቶስ የናድይ፡ ስለምንታይ ከም ጴጥሮስ ቅድሚ ንክርስቶስ ምስዓቡ ዝነበሮ ባህርይ ማለት ኢጐነት ከጥቅዖም ዝከኣል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሓዋርያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእሲ ናይ ምዃን ዕቑር ሓይሊ ዘለዎም እያቶም ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ነቲ ናይ ጽባሕ መርሕነት ብቝዕ ሕንጸት

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ መርሕነት ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም፡ ዓለም ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ራእይ ብምምልካት ጸጋ መንእሰይ እቲ ናይ ጽባሕ መርሕነት፡ ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ዝድርዀን ረቲዕ ህየሳ ዘካይድን ቅኑዕን ካብ ምግባረ ብልሽውና ናጻ ዝዀነ ዓለምን ሕብረተሰብን ክሃንጽ ዘኽእሎ ሎሚ ብቑዕ ሕንጸት ክረክብ ይግብኦ ከምዝበሉን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምንቁልቋል መደብ ሕንጸት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን እዚ ኸኣ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሓናጽነት ሓላፍነትን ድኻም ዘረኣያ ብምዃነን ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ኣኣብ ሕንጸት መዳይ እተቕርቦ ደገፍ ኣበራቲዓ መንእሰይ ሎሚ ናይ ጽባሕ መርሕነት ኣካል ኣብ ምዃኑ ተኣሚና ብሱል ሕንጸት ኣብ ምቕራብ ከምእትርከብ ኣረጋጊጾም፡ ብመደብ ሕንጸት ኣቢላ እተቕርቦ ሃይማኖታዊ ክፍሊ ትምህቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ ዝደልዮ ሓቅን ንዘቕርቦ መሰረታውያን ሕቶታት እናደገፈት መልሱ ኣበይን ከመይን ምዃኑ እናሓበረት ፍርዲ ናይ ምሃብን ናይ ምምዝዛን ዓቕሙ እናሓነጸት በሳል ምርጫታት ክገብርን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ዕላማ ክተግህን ትድግፎ፡ ኣቢያተ ትምህርቲ ንክህነታዊ ድዩ ንገዳማዊ ሕይወት ጸዋዕታ መፍረዪ ይኹና ማለት ዝ አይኵነስ እቲ ሓቂ ደላይነት መንእሰይ ብምኽንያት ዝረኽቦ ክፍለ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ኣቢሉ ናይ ሕይወቱ ትርጉም ከለልይን ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እማኔ ዝጸንዔ ዓሚይቕ ርክብ ክህልዎ ዝሕገዘሉ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ሓቢሩ።

ናይ መንእሰይ ወለዶ ምብጽዑን ትሕጃውን መጻኢ

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ግበረለይ ክገብረልካ ዘይብሉ እንታይ መልሲ ይርከብ ዘየገድስ ብነጻ ዝወሃብ ፍቕሪ ትርጉም ኣልቦ ተገይሩ ስለ ዝሕሰብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክዝሕትል ይገብር ኣሎ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ስነ ሰብእ መጽናዕታዊ መዳይ ከም ኣህላኺ ኣብ ዝሕሰበሉ ኣዋን’ዚ ዘመዛዝን ፍርዲ ናይ ምሃብ ብቕዓት ክናሸውን ዘይተባባዕን እናዀነን ጽሕፍቶኡ ኣብ ኢዱ ዘይዓትር ኰይኑ መጻኢኡ ብድሮኡ ትሑዝ ወይ ድሮ ትሕጃ ዝበሃል ከይኑ ዝስምዖን ኣብ ድኽነት ድዩ ናይ ከባቢ መንግስታት ፍሽለት ኣደዳ ኰይኑ ይርከብ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንብጻይካ ምፍቓርን ኣብ ግላዊ ሕይወት ዝተሓጽረ ከይኑ ክተርፍ የብሉን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝግለጽን ዝንበርን ክኸውን ኣለዎ። ምስ ብፆቶም ብዛዕባ እምነት ዝዛረቡን ናይ ወንጌላውነት ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀኑ ይግባእ፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወለንተይናታት ኣብ ዝኣመሰለ መዳይ ብምግልጋል ለጋስነት ምትብባዕን እምነት ኣብ ግብሪ ምሕያል ከስተማቕሩን በዚ መሰረት’ዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተኣሳሰረ ርክብ ክህሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስደትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝምልከት ሓሳብ ደጊሞም ኣብቲ መበል 12 ዋዕላ እወን ኣልዒሎም፡ እንገዳን ምንቅቓሕን ምውህሃድን ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስደተይናን ጸኣት ስደተይናንን እንክዛረቡ ዘመልከትዎም ሰለስተ ግሳታት መሰረት ገይሮም፡ እንገዳ ናይ ሕብረተሰብ ባህሊ ክኸውንን፡ ናይ ዝመጻካ ሃይማኖታውን ባህላውን ሃብትታቱ ምኽባርን ምስ ዝርከበሉ ሃገር ክላለን ባይታ ምፋርን እውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝሓልቁ መንእሰያት እናሓሰቡ ዝዘተይሉ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣተሓሒዞም እውን፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክነቓቓሕን ብፍላይ ከኣ ምስ ሃይማኖት ምስልምናን፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ካብ ምትራፍ ሓደጋ የድሕን ብዝተፈላለየ መገዲ ብሓባር ናብ እግዚኣብሔር ምባል ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቁምስናታትን ሕዝባዊ ሃይማኖታውነት ወይ መንፍሳዊ ኣምልዀ ዳግም ምንቕቓሕ

ቤተ ክርስቲያን ንኽርስቶስን ንመንእሰይን ብዘለዋ ፍቕሪ ተደሪኣ እውነተይና ክትከውንን ዝተኣታተዉ ምቅይያራት ኣናለለይት ብትሕትና ካብቲ ብዩን ቢላ እትሓስቦ ውጥናታ ክትወጽእ ከምዝግብኣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ገሊጾም፡ ጓሶት መንእሰይ ክመጾም ምጽባይ ዘይኰነስ ናብ መንእሰይ ዝወጹ ክዀኑ ይግብኣ ዝበሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ምስ እዚ ብምትሓሓዝ ቁምስናታትን ሕዝባውያን መንፈሳዊ ኣምልዀታት ዳግም ምንቕቓሕ የድሊ፡ ኣገዳስነት በርገሳውን ማሕበራውን ስርዓት፡ ብሰበኻ ደረጃ ንመእሰይ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ምቛምን፡ ንምስማዕን ጽን ምባልን ንልልያን ዓቢይ ስፍራ ዝህብ ኰይኑ ክቐውም ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ማሕሌት (መዝሙር) ሰማያዊ ናፍቆት ዘሕድር መጋበርያ ኣስፍሆተ ወንጌል

ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ መንእሰይ ወለዶ ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎ ብምዃኑ እዚ ስምዒቱ ‘ዚ ብትኽክል ንምምራሕ ካብ ዝድግፍዎ ሓደ ሙዚቃ እዩ፡ ሙዚቃ መንፈስ የነቓቕሕ ስምዒት የበራራብር፡ ስለዚህ ሓጐስካን ብውሽጥኻ እትነብሮ ኩነት መግለጺ ብምዃኑ፡ በዚ መጋበርያ’ዚ ናይ እምነት ውህበትን ውበትን ብምርካብ ናይ ወንጌል ማራኽነት ኣስተማቒሩ፡ ማህሌት ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መሳለጢ ምዃኑ ተኣሚኑ ብምጥቃም ኣብ ሕይወት መንእሰይ ብርሃን ምብጻሕ ዝብል ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ሕይወት መንእሰይን ዘለዎ ኣገዳስነት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብሰፊሕ ከምእተመያየጥሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ: መንእሰያት ናይ ጽባሕ መራሕያን፥ ኣብ ክርስቶስ ምድላይ ርሱን ባርዕ
17 October 2018, 17:10