ድለ

ሲኖዶስ፥ ልልያ ናብ መጻኢ ንምብጻሕ ዘኽእል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ ሲኖዶስ፥ ልልያ ናብ መጻኢ ንምብጻሕ ዘኽእል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ 

ሲኖዶስ፥ ልልያ ናብ መጻኢ ንምብጻሕ ዘኽእል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ

ናይቲ ሲኖዶስ ከይዳዊ ስልቱ እንታይን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ እንክሕብሩ ብቐዳምነት፥ ብትኽክል ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ግብረ ልልያ ዝፍጸመሉ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣመላኺቶም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ማሕበረሰብ ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሕይወት፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ኣለልዩ ከእንግድን ዘብቅዖ እዩ። እዚ ንምኽዋን ከኣ ምስማዕን ጽን ምባልን ብመንጽር እምነት ነቲ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሰብ ዘጋጥምን ዝኸውንን ብምምዝዛን እዩ።

ጽማሬ ቀዳማይ ውዕሎ ሲኖዶስ፡ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ መበል 15 ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ሲኖዶስ፥ ብጸሎትን መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካን ናይ ሲኖዶስ መካየዲ ዘታዊ ዕዮ ሰነድ ኣሞርኪዞም ብዝሃብዎ ሰፊሕ ናይ መብርሂ ስነ ስርዓት መእተዊ ቃል ቀዳማይ ውዕሎ ሲኖዶስ ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን እቲ መንፈሳዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ውርሻታታ ኣብ መጻኢ ዘፍርይ ክኸውን መታን ሎሚ እውን ኣፍራይትን ጸዳይትን ንኽትከውን ኣብ ዘለዋ ብቕዓት ልልያ ዘዕብያ ምዃኑ ኣፈ ጉባኤ ሲኖዶስ ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካ ኣብ ቀዳማይ ውዕሎ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣረጋጊጾም፡ ልልያን ምሕራይ ኣክንዲ ከምዚ እዩ ዝግበር ኔሩ ኣብ ዝብል ልማዳውነት ካብ ምንባር ንኽትላቐቕ ትብዓትን ጥንቃቔን ኣስተውዕሎን ትዕግስትን ይሓትት፡ ከምዚ ክበሃል እንከሎ እዚ ከይዲ እዚ ዝጠልቦም ብድሆታት ብሓላፍነት መንፈስ ተቐቢልካን በዲህካን ሓድሽ ሓባሪ መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽት ምስ በሉ፡ እዚ ሲኖዶስ’ዚ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ጽንዓትን ውሕስነትን ዝህብ ውስጠ  ትውልዳዊ ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳር ዳግም ዘረጋግጽን ዘእውንን ሰናይ ተመክሮ ክኸውን ተመንዮም።

ልልያ

ናይቲ ሲኖዶስ ከይዳዊ ስልቱ እንታይን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ እንክሕብሩ ብቐዳምነት፥ ብትኽክል ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ግብረ ልልያ ዝፍጸመሉ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣመላኺቶም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ማሕበረሰብ ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሕይወት፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ኣለልዩ ከእንግድን ዘብቅዖ እዩ። እዚ ንምኽዋን ከኣ ምስማዕን ጽን ምባልን ብመንጽር እምነት ነቲ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሰብ ዘጋጥምን ዝኸውንን ብምምዝዛን እዩ።

ብድሆታት ምፍላጦም

ኣብ ነፍሲ ሰሙናዊ ከይዲ ሲኖዶስ፡ እቲ ኣብ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ብሰለስተ ርእሰ ጉዳይ ዝተነብረ፡ ንሱ ኸኣ ብፍላጥን ምትንትናን ምሕራይን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝተወደበ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሰሙን ኣብ ምፍላጥ ዝብል ዘተኰረ ይኸውን፡ ብሓባርን ብጉጅለን ብምክፍፋል ብዝካየድ ናይ ዕዮ ዘተ ይስነይ። … መንእሰይ ወለዶ ናብ ምልኣተ ሕይወት ክመርሕ ዝደልይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ዝነብረሉ ጭቡጥ ኩነት ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። ብስነ ማሕበረሰብኣዊ ትንተና ጥራሕ ዘይኰነስ ብሓዋርያነት መንጽር ብምንባብ፡ ካብቲ መንእሰይ ወለዶ ዝነብሮ ሕሰምን መከራን ስደትን ድኽነትን ተበጊሱ ንመንእሰይ ኣብቲ ዝነብሮ ተመክሮ ምርኻብ ይሓትት፡ እዚ ማለት መንእሰይ ንዘቕርቦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ከይዲ ኣብ ሕቶ ዘእትው ሕቶታቱ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ድዩ ብዛዕባ ስነ ጾታውነትን ካልእ ጉዳይ ሕይወት ዝምልከት ብዘቕርቦ መሕትት ተተንኪፍካ ብብቕዓት ቀሪብካ ምድጋፉ ዝብል እዩ፡ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ መንእሰይ ዓለም … ።

ብመንጽር እምነት ምትንታን

እቲ ካልኣይ ዕማም ምትርጓም-ምርዳእ ዝብል ግሲ ዝምልከት እዩ፡ እዚ ኸኣ ናብ ጥልቂ ንምባል ዝድርኽ ብምዃኑ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዕማም ዝተንተንካዮ ብመንጽር እምነት ተመሪሕካ ምትርጓሙን ምርዳኡን ዝብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱሳውን ስነ ሰብእን ቲዮሎጊያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ስነ መንፈሳውን ስነ ሜላውን ውካሴ ክህልዎ ጌርካ በቲ ጭቡጥ ኩነት መንእሰይ ምስትውዓል።

ትብዓት ንምርጫ ሕዳሴ

እቲ ሳልሳይ ዕማም ከኣ፡ ምምራጽ-ምሕራይ ዝብል እዩ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብውዕዉዕ መንፈሳዊ ሕይወት ናይ ሕዳሴ ምርጫታት ምርግጋጽ ዝብል ደረት ተመክሮ እዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኵለንተናውነት ዝምልከት ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምስትውዓል ሰብን ናይ ሓባር ቤትናን ብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ብምንባብ፡ ሕርጉነት ብምቅዋምን ብምትሕብባርን ዘተን ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምሕናጽን ናይ ሓባር ጥቅሚ ምንቕቓሕን።

ብፁዕ ክርዲናል ዳ ሮካ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ካብ ርእየት ዓለምን፡ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ እኹል እየ ዝብል አመለኻኽታን ኩሉ ጽሕፍቶ እዩ፡ ወይ ከኣ ናይ ኣጋጣሚ ውጽኢት እዩ ዝብል ፍልስፍናዊ ካብ ዝኽተል ስነ ሓሳብ ተጠንቂቕኻ ናይ ሰብኣዊ ህልውና ጸዋዕታ ምትንታን። … ስለዚህ ናይ ጸዋዕታ ባህሊ ምንቕቓሕ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ወጅሂ ንመንእሰይ ምውፋይ፡ ነዚ ዅሉ ንምፍጻም ንእግዚኣብሔር ጽን ምባል፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምስማዕ ቀዳምነት ምሃብ እዩ እንክብሉ ዘስሞዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ቅድሚ ብፁዕ ካርዲናል ዳ ሮካ፥ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እዚ ሲኖዶስ ብመንእሰያት ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር ጽን ዝብል ጉባኤ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ናይ መንእሰይ ብድሆ፡ ጓሶት ብዝቐርብዎ ሓሳባትን ብሰናይ ምኽሪ ቅዱስ ኣቦናን ብምንባብ ብኸመይ ከምእትብድሆ ዝመርሕ ሲኖዶስ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ጉባኤ’ዚ ካቶሊካውነት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር ብምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ግንዛቤታትን ዝንጸባረቐሉን ብሓባር ምስቲ ባዕሉ ጐይታ ንሕዋት ኣብ ሓንቲ እምነት ከጽንዕ ምስ ዝሓረዮ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስን ዝንበር ካቶሊካውነት ዝምስከረሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ሲኖዶስ ዝመኽረሉን ዝመያየጠሉን ሰነድ መጋበርያ ዕዮ መዓስን ካበይን ብኸመይ እውን ከምእተሰናደወ ኣብሪሆም፡ መንእሰይ ዝሓትቶን ዝደልያን ቤተ ክርስቲያን ተምሳላ ብሓጺሩ ናይ እዋኑ ዘይኰነት እውንቲ ቤተ ክርስቲያን እያ ቢሎም። ሓድሽ ወለዶ ምስ ጓሶትን ምስ በጽሒ ወለዶን ብሓባር ኣብ ናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ተዋሳኢ ክኸውን እዩ ዝደሊ፡ ወንጌላዊት ዝዀነትን ተባዕን ልእኽትን ቤተ ክርስቲያን ፡ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ናይ ቀድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ፥ ልልያ ናብ መጻኢ ንምብጻሕ ዘኽእል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ

Photogallery

ሲኖዶስ፥ ልልያ ናብ መጻኢ ንምብጻሕ ዘኽእል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ
05 October 2018, 17:41