ድለ

ሲኖዶስ፥ ድጋፍ ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ስድራን መንእሰይ ኣብ ጸላም ብርሃን ክኸውን መታን ሲኖዶስ፥ ድጋፍ ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ስድራን መንእሰይ ኣብ ጸላም ብርሃን ክኸውን መታን 

ሲኖዶስ፥ ድጋፍ ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ስድራን መንእሰይ ኣብ ጸላም ብርሃን ክኸውን መታን

እቲ ሲንዶስ ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነትን ማሕበራዊ ኣድልዎን ዝተፈላለዩ ዝፍጠሩ ዕንቅፋት ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝፈጥሮ ቁጣዔ ኵሉ ኣብሪሁ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ህላዌ ደቀንስትዮ ክብ ምባልን ጾታዊ ማዕርነት ዝርዳእ ርትዓዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕቓሕን ከምዘድልን፡ ደቀንስትዮ እቲ ክቱር ክህነታውነት ዘማእከለን ኣብ ክህነታውነት ዕጽው ዝዀነ ባህሊ ክፉት ባህሊ ኣብ ምግባር ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክታ ከምዝኽእላ ይሕብር፡

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ እቲ ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ዘካይድዎ ዘለዉ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ብምቕጻል ዕለት 12 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ካልኣይ ክፍሊ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኣስዒቡ ኣብቲ “ምብራህ፡ እምነትን ልላይ ጸዋዕታን” ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምእተመያየጠን ኣብዚ ዓስራይ ውዕሎ 257 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዓስራይ ውዕሎ ምስማዕን ተኻፋልነትን ኣብዝብሉ ኵነታውነት ኣተኵይሩ፡ መንእሰይ ኣብቲ ጸላም ዓለም ብርሃን ኰይኑ ክርከብ እዚ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ወንጌላዊ ልኡኽ ክኸውን ኰይኑ፡ እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ  መንእሰያት ብመሰል ሰማዒ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ብዙሕ ግዜ ዝዝንጋዕን ንብዙሓት መንእሰይ ዝተነጸጎም እቲ ሰላምን ምርግጋእን መሰል ኣቃሊሖም፥

ናይ ዒራቕ መንእሰያት ጽንኩር ኩነት

ሓደ ዒራቓዊ መንእሰይ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ቅዱስ ኣቦና ነታ ብዙሕ ጸገም ተሕልፍ ዘላ ሰማዕትነት ዕለት ብዕለት እትነብር ክርስትማን ማሕበረሰብ ውሁዳን ዝዀኑላ ሃገረ ዒራቕ ክበጽሑ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ዘጋጥም ስግኣትን ግብረ ምጭዋይን ስደትን ምዝብልናን ኩሉ ጠቒሱ፡ 120 ሺሕ ማሕበረ ክርስቲያን ተቐማጢ ከባቢ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕታዊ ስግኣት ዕጡቓት ሃይሊ እስላዊ መንግስቲ ከምዝርከብን እዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ መዓልቲ ኣብ መጻኢ ተስፋ ብምቑራጽ ዒራቕ ብዘይ ሓደ ክርስቲያን ዜጋ ክትተርፍ ከምእትኽእል ዘለዎ ስግኣት ኣብሪሁ።

ንመእሰይ ምጥማት

ካብቶም ዘረባ ዘስምዑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ናይ መንእሰይ ናይቲ ናይ እምነትን ተስፋን ደላይ ፍትሕን ኣድማስ፡ ስግኣት ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ምግባረ ብልሽውናን ጠቒሶም፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ኣመና ምዕራባውነት ዘማእከለ ባህሊ ምስፋሕ ኣይፋል ዝብል ብቝዑን ትኽክለይናን ክርስቲያናውን ሰብኣውን ሕንጸት ምቕራብን ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽቱ። ንጸኣት ስደተይናታትን ድኽነትን ናይቶም ካብ ደቡብ ዓለም ናብ ሰሜን ዓለም ብሓፈሻኡ ናብቲ ምዕራባዊ ዓለም ዝስደዱ መንእሰያት ምሑዋት ካብ መበቆላዊ ባህሎም ምዃን ዘስዕበሎም ብዙሕ ጸገም ግምት ምሃብ ከምዘድልን፡ ጸዋዕታ ምንኩስና ሕይወት ክህነትን ኣብ ኣፍሪቃ ንስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ቡራኬ እዩ ዝብል እምንቶ ዝፈጥሮ ሃሴት እውን ጠቒሶም፡ ናይ እምነት ሕጉስ ምስክርነት ንመእሰይ ምቕራብ መሰረታዊ እዩ ይብሉ።

ዝዩድ ህላዌ ደቀንስትዮን ክህነታዊ ማእከልነት ምጉዳልን

እቲ ሲንዶስ ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነትን ማሕበራዊ ኣድልዎን ዝተፈላለዩ ዝፍጠሩ ዕንቅፋት ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝፈጥሮ ቁጣዔ ኵሉ ኣብሪሁ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ህላዌ ደቀንስትዮ ክብ ምባልን ጾታዊ ማዕርነት ዝርዳእ ርትዓዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕቓሕን ከምዘድልን፡ ደቀንስትዮ እቲ ክቱር ክህነታውነት ዘማእከለን ኣብ ክህነታውነት ዕጽው ዝዀነ ባህሊ ክፉት ባህሊ ኣብ ምግባር ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክታ ከምዝኽእላ ይሕብር፡ ምስክርነት ብዘይ ኣፋላላይ ጾታ፡ ከምዝበለን፡ ኣተሓሒዙ እውን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ዝበሃል ስደተይና ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ተኣፋፍን ገዛእ ርእሱ ምክልኻልን ብቕዓት ኰነ ክእለት ዘይብ ተኣፋፊ ዜጋ ኩሉ ድምጺ ክትከውን ዝተጸውዐት ምዃና ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ የተሓሳስቡ።

ብመሰል ተዓዛቢ ዝሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ኣሕዋት ኣስተዋጽኦ

ኣብቲ ዓስራይ ውዕሎ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ውህደት ካብ ዘይብሎም ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ ዕዱማት ብመሰል ተዓዛቢ ዝሳተፉ ዘለዉ ልኡካን ኣሕዋት፡ ናይ መቶዲስታውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብን ዘተን ሓልዮ  ሓላፊ መጋቤ ቲም ማኲይባን፡ ኣገዳስነት ምንቅስቓስ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣሞርኵይዞም መግለጺ ክህቡ እንከለዉ፡ ኣብቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተኻየደ መበል ዓሰርተ ሓደ ውዕሎ ናይ ካልኦት ዝተፈላለያ ሽዱሽተ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ኣሕዋት፥ ናይ ንቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዳርዳነሊ መጥሮፖሊታ ብፁዕ ኣቡነ ኒኪታ ሉሊያስ ክርስትና ንመንእሰይ ወለዶ ብዘይ ቀመርን ብውዕዉዕን ግልጽን ብሓድሽ መንፈስን ከቕርብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከመላኽቱ እንከለዉ፡ ናይ ሃገረ ሮማንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣታናሲዮ ዲ ቦግዳኒኣ ንመንእሰይ ወለዶ ኣብዚ ናይ ሓቂ ዓቃብያን ኢና በሃልቲ ኣጋጣምታት ብምጥቃም ካብ ዝለዓዓሉ ነቢያት መሲላውያን ንምክልኻል ጸሎትን ብጥልቂ መንፈሳውነትን ምስ ጐይታ ብሰቂለ ህሊናዊ ዝተሰነየ ግላዊ ርክብ ኣብ ሕይወት ክርስትና ምንባርን ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፡ ብቃልን ሕይወትን ክምስከረሉ ከምዝግባእ የተሓሳስቡ፡ ንዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ወኪሎም ዝተረኽባ ዩሊያ ብራባንድ ኣብ ዘምዐኦ ዘረባ፡ መንእሰይ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ጥራሕ ዘይኰነስ ህልውን እውን ምዃኑ ኣጽኒዔን ብምግላጽ፡ ምስ መንእሰይ ዓይኒ ንዓይኒ ተራኺብካ ምዝራብን ሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ሕንጸት ክርስትና ኣገዳሲ እዩ ኢለን፡ ናይ ዓለም ተሓዳስያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ወኪል ኣባል ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ማርኮ ኣልፍረዶ ፎርነሮነ፥ ጽን ንምባልን ንምስማዕን ካብ ክትብሎ እትደልይ ኣናሓሰብካ ምስማዕ ናጻ ናይ ምዃን ቅድመ ኩነት ይሓትት፡ እዚ ኸኣ ምሉኣዊ ክፉት ምዃን እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ክውንነት ካብ ሓሳብ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ልእኽቲ ማርቲና ቪክቶሪየ ክፐካ ካብ እግዚኣብሔር ንዅሉ መንእሰይ ወለዶ ዝቐረበ ጸዋዕታ፡ መንእሰይ ወለዶ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሮ እዩ ካብ ዝብል እምንቶ ተበጊሱ ዘራኽብ ድልድል ክኸውን ዘተሓሳስብ ዘረባ ከስምዓ እንከለዋ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ኣብ ናይሮቢ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆኤለ ዋወሩ ምዋንጂ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምስማዕን ጽን ምባለን ንመንእሰይ ወለዶ ዘካይድዎ ጻዕርን ዝፍጽምዎ መደብ ምስማዕን ንኢዶም ከም ክርስቲያን እንዅንኖን እቲ ኣቢያተ ስድራ ዘዕንው ፈተነ ዘስዕቦ ማሕሰይቲ ካብቲ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን (ምህዳርን) ዝጠልቦ መጉዳእት ኣዚዩ ዝለዓለ ከምዝኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ ስድራ ቤትን ዘፍጥረትን ኣብ ምክልኻል ሕንጸት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ግደ ኣለዋን ጸዋዕትኣ እውን እዩ ከምዝበሉን ኣብቲ ዝተኻየደ መበል ዓሰርተው ሓደ ዋዕላ፡ መንእሰይ ከም ጨንፈር ኰይኑ ዝጥጥዐሉ ስድራ ቤትን ቤተ ሕንጸትን እዩ(ኣብነት ብቃልን ሕይወትን) ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ግዜ ከምእተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ሲኖዶስ፥ ድጋፍ ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ስድራን መንእሰይ ኣብ ጸላም ብርሃን ክኸውን መታን
13 October 2018, 17:33