ድለ

ተኻፋልነት ጉዕዞ፡ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ መትር ንጸረ ጽልእ ዕላማ ተኻፋልነት ጉዕዞ፡ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ መትር ንጸረ ጽልእ ዕላማ 

ተኻፋልነት ጉዕዞ፡ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ መትር ንጸረ ጽልእ ዕላማ

ቅዱስ ኣቦና ብመንፈስ ሓቢሮምን ነቶም ኣብቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝሳተፉ ካብ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ክሳብ ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእነናን ካህናትን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ንዅሎም ዘበራትዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡

ኣብ ጐድኒ ስደተይናታት ተመዛበልትን ምዃን ዝምስክር ናይ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ ሜትር ዘጠቓልል ዓለም ሓቆፍ ናይ እግሪ ጉዕዞ መደብ መሰረት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገርት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ከምእተኻየደን፡ ኣብ ሮማ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣቦ መንበር ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ዝመርሕዎ መደብ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብድምሩ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ ሜትር ዘጠቓለለ ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝኣመተ ጸረ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጽልእ ዝብል መደብ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ቺለን ኒው ዚላንድ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኣሳቲፉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብመንፈስ ሓቢሩ ከምአተኻየደ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ናይ ሮማ ካብታ ኣብ ትራስተቨረ ካብ እትርከብ ቅድስተ ማርያን ንግስተ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ተበጊሱ ክሳብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተኻየደን እዚ ዓለም ሓቆፍ መንፍሳዊ ንግደት እንክብል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝሰመዮ መደብ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገርት ፋሕ ንዝበሉ ብጠቕላላ 65 ሚሊዮን ዝግመቱ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ቅርበትን ድጋፍን ንምግላጽ ዝኣመተ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ የመልክቱ።

ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና ብመንፈስ ሓቢሮምን ነቶም ኣብቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝሳተፉ ካብ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ክሳብ ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእነናን ካህናትን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ንዅሎም ዘበራትዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡ ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘሎና ምራኻብ ሰናይን ብሉጽን ዝገብር ዘሎ ካሪታስ ኢነርናዚዮናሊስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘነቓቕሖ መደባት ናይ ምራኽብ ባህሊ ዝምስገን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተሳታፍያን ጉዕዞ

እዚ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘሰናደዎ መደብ ተሳታፍያን ጉዕዞ ዘእርስቱ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እንገዳ ክረጋገጽን ስብኣዊ ቅርበት ክተባባዕን ጽልእን ዓመጽን ክውገድን ዝጽውዕ መደብ ኣማእክሉ ዝተበገሰ ዕለት 27 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለገሲም ምስ ኣብቅዑ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሩ ክኸውን እንከሎ፡ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ሕቡራት መግንስታት ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ብምትሕብባር ኣብ 160 ሃገራት ዝተዳለወ ኰይኑ ናይ ምርካብ ባህሊ ንምስፋሕን ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽ ዝተባብዕ እውን ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ተኻፋልነት ጉዕዞ፡ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ መትር ንጸረ ጽልእ ዕላማ

Photogallery

ተኻፋልነት ጉዕዞ፡ ሓደ ሚሊዮን ኪሎ መትር ንጸረ ጽልእ ዕላማ
22 October 2018, 17:39