ድለ

ቫቲካን፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሞንተነግሮ ርእሰ ብሒር ድዩካኖቪች ቫቲካን፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሞንተነግሮ ርእሰ ብሒር ድዩካኖቪች 

ቫቲካን፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሞንተነግሮ ርእሰ ብሒር ድዩካኖቪች

ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞንተነሮን ዘሎ ሰኣይ ርክብ ክመተሰመረሉን፡ ሞንተነግሮ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተበጽሒ ክሌኣዊ ስምምዕ ጽኑዕ ኣብ ምግባር ከምእትርከብ እውን ተመልኪቱ፡

ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ሞንተነግሮ ርእሰ ብሔር ሚሎ ድዩካኖቪች ሰዓት ዓሰርተ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞንተነግሮን፡ ሞንተነግሮ ናብ ምውሃድ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ እተካዶ ዘተን ፍጻሜታቱን ሰላማዊ ማሕበራዊ ህብረ ዓሌትን ህብረ ሃይማኖትን ናብራ ኣብ ምንቕቓሕን ክንክን ምህዳርን ኣብ ዝብል ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቢቶምን ዓበይቲ ናይ መንስቲ ኣካላትን ምስ ዝተሰነዩ ንናይ ረፓብሊካዊት ሞንተነግሮ ርእሰ ብሔር ሚሎ ድዩካኖቪች ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከምተራኸቡን ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ ስዒቡ፡ ርእሰ ብሔር ድዩካኖቪች ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻር ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲና ፒየትሮ ፓሮሊን ከእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መገልጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞንተነሮን ዘሎ ሰኣይ ርክብ ክመተሰመረሉን፡ ሞንተነግሮ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተበጽሒ ክሌኣዊ ስምምዕ ጽኑዕ ኣብ ምግባር ከምእትርከብ እውን ተመልኪቱ፡ ኣብ ሞንተነግሮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዘለዎ ግደን ኣስተዋጽኦን ዓቢይ ምዃኑ እውን ከምተገልጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዚናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሞንተነግሮ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን እተካይዶ ዘላ ጻዕርን ኣትሳልጦ ዘልና ከይድታት ዘማእከለ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምስ ተኻየደ፡ ሞንተነገሮ ሰላማዊ ህብረ ሃይማኖትን ህብረ ዓሌትን ናብራ ንምኽዋንን ክንክን ከባብን ምህዳርን ዝኣመተ እተካይዶ ጻዕርታትን ምንቅስቓሳትን ምስ ተገልጸ፡ ኣብ ምወዳእታ እቲ ርክብ፡ ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ሕቶታን ብፍላይ ከኣ ዝተፈላለዩ ውጥረትን ግጭታትን ንምፍታሕ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሞንተነግሮ ርእሰ ብሒር ድዩካኖቪች
08 October 2018, 17:56