ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሮዝሚናውያን፥ ቅድስና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እዩ ር.ሊ.ጳ. ንሮዝሚናውያን፥ ቅድስና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንሮዝሚናውያን፥ ቅድስና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እዩ

ፍቕሪ ሓልዮትን ልዕሊ ኵሉ ዝዀነ ገድሊ ብፅዕና እዩ፡ እዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ ዝብሎን ሮዝሚኒ እውን ነቲ ዝመስረቶ ማሕበር በዚ ገድሊ ብፅዕና ክጽዋዕ ምግባሩ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፥

ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንቅድስና ዝተጸውዔ እዩ፡ ቅድስና ብግብረ ሰናይን ብውሳጣውን ደጋውን ልወጢ ዝንበር እውነተይና ጽሞና ብምጉዓዝ ዝንበር እዩ፡ እዚ ኸኣ ብፁዕ ሮስሚኒ ዘተሓሳሰቦ መንፈስ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነቶም በዚ ብፁዕ’ዚ ዝተመስረተ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ተቕዋም ዘፍቅር ንናይ ማሕበሮም ጠቕላሊ ጉባኤ ሮማ ንዝኣተዉ ኣባላት ማሕበር ሮዝሚኒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣንቶኒዮ ሮዝሚኒ፥ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ምዃንካን ደረት ኣልቦ ተኣማንነት ንቕድስቲ መንበርን ዝብሎ ብቓልን ሕውየትን ዝነበሮ ምዕዳኑ፡ እቲ ኣብ 1800 ዓ.ም. ብኣኡ ዝተመስረተ ማሕበር ፍቕሪ ከምኡ እውን ብሮዝሚናውያን ዝፍለጡ ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ደናግል ዝኽተልዎን ዝነብርዎን መንፈሳውነት ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ነዚ ካህንን ናይ ፍልስፍና ሊቅ ተወላዲ ትረንቲኖ ብፁዕ ሮዝሚኒ እናሓሰቡ ነቶም ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ተቕላሊ ጉባኤ ንዝሳተፉ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም።

ቅድስና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እዩ

ማሕበር ሮስሚናውያን ክሳብ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዘካይዶ ጠቕላሊ ጉባኤ፡ “ፍጽማን ኩኑ … መሓሪያን ኩኑ” ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፡ እዚ ወንጌላዊ ቃል’ዚ ብፁዕ ኣንቶኒዮ ሮዝሚኒ ዝደግሞን ብጸጋ እግዚኣብሔር ተደጊፉ ክነብሮን ዝፍትኖ ዝነበረ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ካህን ዝዀነ ይኹን ምእመን ቅድም ቀዳድም ጽዋዔኡ ንቕድስናን ቅድስና ንምምስካር እዩ፡ ኣብዚ ጐደና ቅድስና’ዚ ብግብረ ሰናይ ኣብ ዝተሰነየ ሕይወት ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥

ቅድስናን ግብረ ሰናይን ንውሑዳትን ኣብ ገለ ገለ ፍሉይ ኣዋን ዝንበር ኵነት ኣይኰነን፡ ኩሉ ኣብ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታኡ እሙን ብምዃን ንኽነብሮ ዝተጸውዔ ገድለ ብፅዕና እዩ፡ ብፁዕ ሮዝሚኒ ኦ እግዚኣብሔር ተባዓትን ጀጋኑን ለኣኸልና እንክብል ክም ዝገልጾ ከምዝነበረ እዩ፡ ክሳብ  ፍጻሜ ስለ ካልኦት ዝስዋዕ ሕይወት፡ ቅድስና እውነተይና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ሮዝሚኒ ‘ቤተ ክርስቲያን መጠን ገዛእ ርእሳ ዝሓደሰት ንዓለም ትልውጥ’ ዝበሎ እዩ።

ዝስዋዕ ፍቕር፥ ውስጣዊ ጽንዓትን ቅዱሳዊ ዘይምግዳስን

ፍቕሪ ሓልዮትን ልዕሊ ኵሉ ዝዀነ ገድሊ ብፅዕና እዩ፡ እዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ ዝብሎን ሮዝሚኒ እውን ነቲ ዝመስረቶ ማሕበር በዚ ገድሊ ብፅዕና ክጽዋዕ ምግባሩ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፥

ብውሳጣዊ ጽሞናን ብቕዱሳዊ ዘይምግዳስ ዝግለጽ ናይ ፍርያም ቅድስና ኣብነት ዝዀነ ሮዝሚኒ እቲ ብዙሓት ቅዱሳት ዝተኸተልዎ መገዲ እውን ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ይገልጾ፡ ሮዝሚኒ ከምቲ ካብ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ዝተመሃሮን፡ ብዘይ ቅዱሳዊ ዘይምግዳስ ኵላዊ ፍቕሪ ክትክውን ዘይከኣል ምዃኑ ይምዕድ፡ እዚ ኸኣ ግብረለይ ክገበረልካ ዘይኰነስ ከምቲ ስለ ፍቕሪ ብጻይ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉፍካ ምሃብ ዝብል ፍቕሪ ምንባር ማለት እዩ።

ወትሩ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እተዓዩ ኩኑ፡ ዝተዘርግሓ ኣሕዳው ይሃልውኩም። ተራ ትምህርቲ ዘይኰነስ ሕንጸት ኣቕርቡ፡ ፍቕራዊ ብልሓተ ኣእምሮ ይሃልውኩም። እዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምቕራብ ዝብል ኰይኑ ዝተሰገወ ቃል፡ ቃል ኰይኑ ዘይተርፍ ፍቕሪ፡ እዚ ፍቕሪ ከኣ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትኩም መሰረት ይዅን ኢሎም።

ኣብ ኣተገልግሉለን ሃግራት ናብ ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓኣትን ዝተዘርግሓ ኣእዳው ይህልውኩም። ናብቶም ዝሳቐዩን ዝተረስዑን ኣሕዋት ናይ እምነትን ፍቕርን ረድኤት ኣቕርቡ። ንስኻትኩም ካህናትን ደናግልን ሮዝሚናውያን ናይ መንፈሳዊ ቅርበት መስካርያን ኩኑ።

ኣባላት ማሕበር ሮዝሚናውያን ወትሩ ንናይ ቤተ ክርስቲያንን ንናይ ዓለምን ትጽቢታት ክፉታት ክዀኑ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም። ኣብ ኣገልግሎትኩም ተዋሳእነት ዓለማውያን ምእመናን ኣተባብዑን ወትሩ ወንጌላዊ ፍጽሙነት ሃረር ክብሉን ምዒዶም፡ “በቲ ዝተዋህበትና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝመልአ ኸኣ እታ ተስፋ ኣይተሕፍረናን እያ፡ (ሮሜ. 5,5) መንፈስ ቅዱስ መጋበርያ ናይቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ ክንከውን ፍቕርን ተስፋን እምነትን ኣባና ይሕድስ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ንሮዝሚናውያን፥ ቅድስና ጐደና ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን እዩ
01 October 2018, 17:04