ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቡራውነት ማርያም፡ ዕለታዊ ቅድስና

“ዝዀነት ትዅን ጓለንስተይቲ ኣብዚ ዓለም’ዚ” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “ንማርያም ምምሳል ኣኽእሎቱ ኣሎኒ ክትብል ትኽእል” ስለምንታይ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ስለ ዝዀነ፡ ዋላ’ኳ ሕጸን መርዓትን ማርያም ንጽሕናን ድንግልናን ዝዓቀበ እንተነበረት፡ ዕለታዊ ሕይወታ ስድራ ቤት ምግልጋል፡ ዕዳጋ ምውራድን ዕዮታት ዘቤት ምፍጻምን ሕንጸት ውላድ ምሕላይን በዓል ቤታ ምሕጋዝን ዝብል እዩ” እንክብሉ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ደቀንስትዮ ምዃኑ የብርሁ።

ቲቪ 2000 ብእተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ምስማዐ - ርእየት “Ave Maria -  ሰላም ለኪ”  ብእተሰምየ  ዝመሓላለፍ 11 ፍጻሜታት ዘጠቓለለ መደብ፥ እቲ ኣዚዩ ፍቑር ዝዀነ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣምርኵይዙ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘካይዶ ቃለ መሕትታዊ ከይዲ ነቲ ጸሎት ብምንባር ምስ ዕለታዊ ሕይወት ብምትሕሓዝ ዝትርኽ መደብ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እመቤተ ማርያም ተራ ዝዀነት ናይ ትማልን ሎምን ዘይከተማዊት ኣብ ንእሽተይ ቑሸት እትነብር፡ ከም ናይ ግዚኣ ደቀንስትዮ ተራ ዝዀነ ሕንጸት ዝቐሰመት፡ ንመርዓ ክፍትቲ ዝዀነት፡ ስድራ ቤት ንምቛም ስንድውቲ” ናይ ማርያም ተራውነትን ቅድስናኣን ዝምልከቱ ኣርእስታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝህብዎ ሰፊሕ ትንተና ብቲቪ 2000 ምስ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ብዘሰናድዎ መርሓ ግብሪ ካብ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ከመሓላለፍ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዓሰርተ ሓደ ታሪኽ ደቀንስትዮ

እቲ መደብ ኣብ ከተማ ፓዶቫ ናይ ዝርከብ ቤተ ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ኽዀኑ ንከለዉ፡ እዚ ሓድሽ መደብ’ዚ ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቡነ ዘበሰማያት ዘርእስታ ጸሎት ኣደጊፎም ዝሃብዎ መደብ ትንታኔ ስዒቡ ዝቐርብ ዘሎ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ሰላም ለኪ ዝብል ማርያማዊ ጸሎት ምስ ታሪኽ ብዙሓት ደቀንስትዮ ብምትሕሓዝ ዝትንትን ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ዝሰፍሔን ብዘፈላለየ ቋንቋታት ዝድገም ጸሎት’ዚ ካብ ሚሸል ሁንዚከርን ጋዜጠይና ፈደሪካ ኣንጀሊን ካልኦት ውሩያትን ተራን ኣዴታትን ናይ ማርያም ተክለ ሰብነት ብኸመይ ከምዝገልጽኦን ኣብ ሕይወተን ናይ ማርያም ታሪክ ዘለዎ እወታዊ ተጽእኖ እንታይ ከምዝመስል ዘጠቓልል መደብ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕለት 23 ታሕሳስ ቃለ መሕትት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ብቓለ መሕትት መልክዕ ዝቐርብ 11 መደብ ፍጻሜታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሰላም ለኪ ክሳብ ተዓብዮ ነፍሲየ ለእግዚኣብሔር ዝብል ማርያማዊ ጸሎት ዘመርኰዘ ቃለ መሕትት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ መደብ ፍጻሜታት ኩሉ ብሓደ ጥርኑፍ ኰይኑ ብምሉእ መደብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. እውን ከምዝመሓላለፍን፡ “ዝዀነት ትዅን ጓለንስተይቲ ኣብዚ ዓለም’ዚ” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “ንማርያም ምምሳል ኣኽእሎቱ ኣሎኒ ክትብል ትኽእል” ስለምንታይ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ስለ ዝዀነ፡ ዋላ’ኳ ሕጸን መርዓትን ማርያም ንጽሕናን ድንግልናን ዝዓቀበ እንተነበረት፡ ዕለታዊ ሕይወታ ስድራ ቤት ምግልጋል፡ ዕዳጋ ምውራድን ዕዮታት ዘቤት ምፍጻምን ሕንጸት ውላድ ምሕላይን በዓል ቤታ ምሕጋዝን ዝብል እዩ” እንክብሉ ሕይወት ማርያም ተራ ሕይወት ደቀንስትዮ ምዃኑ የብርሁ።

ዕንቅፋት ቅድስ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣባል የኔታ ኣባ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ እዚ መደብ ኣሞርኵይዙ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማእኪሉ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝካየድ ቃለ መሕትት፡ ጽዑቕን ቅኑዕን ዓሚዩቕን ዘተ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ማርያም ቅድስና የዘንትዉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ቅድስና፡ ፈርንሳዊት ደራሲት ጆሰፍ ማለገወ፥ “እቲ ዓቢይ ዕንቅፋትን ጸገምን ህልወተ እግዚኣብሔር ምስትውዓል ዘይኵነስ፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ራእሱ ከሪስቱ - ክርስቶስ ምግባሩ ምፍላጥን ምስትውዓል እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ንሊቃውንትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ዕንቅፋት ዝዀነ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይዚ ዕንቅፋት’ዚ ሕመረት እያ፡ ስለዚህ ቅድስናኣ ኣብ ማእከል እዚ ዕንቅፋት’ዚ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ንስኻ - ትብል ማለጉወ - ቅድስና ብዘይ ዕንቅፋት’ዚ ክትርድኦ ኣይትኽእልን፡ እግዚኣብሔር ከሪስቱ (ክርስቶስ ኰነ) ቅቡእን ሓደ ሰብ ከማናን ኰነ” ከምዝበለቶ እዩ።

ኣብነታውን ጽባቄ ዘለዎ ሓዳር

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፡ ቅዱስ ዮሴፍ፡ በዓል ቤት እዩ፡ ማርያም ኣነ’ኰ ኣደ እግዚኣብሔር እየ፡ ንስኻ ግና መጋበርያ እግዚኣብሔር ኢኻ ክትብል ብምንሻው ኣይተዛረበቶን፡ ከም በዓል ቤታ፡ ንጽሕትን ብዘይ ሓጢኣት ኣዳምን ክነሳ፡ ከም በዓል ቤታ ኣኽበረቶን ኣገልገለቶን፡ ከም ሓደ ስድራ ብሓባር ይዓዩን ምስ ወዳ ኢየሱስ ኣውን ይጻወቱን ኩሉ ስቓይን መከራን ብሓባር ይቋደሱን። ዓበይቲ ውሳኔታት ዮሴፍ እዩ ዝፍጽሞ ዝነበረ፡ ንሳ ምልእተ ጸጋ ንሱ ኸኣ ረቲዓን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሔር ዘኽብርን ረቲዓን፡ ደስ ዘብል ሓዳር፡ ጸጋዊት ንሳ ረቲዓን ንሱ።

ኣዴታት ናይ ፕላዛ ደ ማዮ (ኣብ ኣርጀንቲና)

ካብተን ብዛዕባ ሰላም ለኪ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ደቀንስትዮ ጋዜጠይና ኢጣሊያዊ መበቆል ዝለወን ሰዓቢት ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ሰላሳታት ካብቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዓሌታዊ ስርዓተ ሕግታት ገዛእ ርእሰን ንምድሓን ናብ ኣርጀንቲና ስተሰዳን፡ ሓንቲ ከኣ ውላዳ በቲ ኣብ ኣርጀንቲና ብዝብነበረ ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት እቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ኣይሮፕላን ብምድርባይ ብዝፍጽሞ ዝነበረ መቕተልቲ ዜጋታት ጓለን ዝሰኣናን ኣባል እተን ውላደን ዝሰኣና ብኣዴታት ፕላዛ ደ ማዮ ዝፍለጥ ማሕበርን፡ ቅዱስ ኣቦና ተወኪሶም፡ ናይ ሓንቲ ኣደ ስቓይ ክትርዳእ ብሓቂ ዘይከኣል እዩ፡ ከቢድ እዩ፡ እዘን ኣዴታት ክሳቐያን ደቃተን ክስእናን እንክለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣበይ ነራ፡ ስለምታይ ስለእቲ ዝሃልቕ ዝነበረ ሕዝቢ ዘይተሓለቐት? ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሎም፡ ናይዘን ኣዴታት ስቓይ ማንም ክጾሮ ዘይከኣሎ ከበድ እዩ። ስቓየን ነኽብረለን ኣብ ስቓየን ነሰንየንን ኣብዚ ምንባር ስቓይን’ዚ ንሕበርን ይብሉ።

እዚ ቃለ መሕትት፥ ናብ ምዃን መጽሓፍ

ናይ ቲቪ 2000 ዋና ኣመሓዳሪ ቪንቸንዞ ሞርጋንተ ይብሉ፥ “ቃላት ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎ ዕምቀትን ምቁርነትን ብሓቂ ትትንከፍን ነቲ ተራን ፍቑርን ዝዀነ ጸሎት ብኣስተመቕሮን ብፍቕርን ብዘይ መተሓላልፎ ብገርሄይናነት ብቐጥታ ክትደግሞን ክትነብሮን ዝዕድሙን፡ ሰላም ለኪ ዝብል ጸሎት፡ ቅዱስ ኣቦና ግደ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ምስጢሩ ይትንትኑ፡ እዚ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት’ዚ ምስ ቤት ማሕተም ሪዞሊን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ብምትሕብባር ዕለት 9 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ኢጣሊያ ብወግዒ ከምእተመረቐ እውን ሓቢሮም ብኻልኦት ቋንቋታት እውን ተተርጒይሙ ክሕተም ምዃኑ ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቡራውነት ማርያም፡ ዕለታዊ ቅድስና
09 October 2018, 16:37