ድለ

ላምፐዱዛ፥ ቅዱስ ኣቦና ናይ ልባትና መዓጹ ነርህው

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላፐዱዛ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ንመጀመሪያ ግዜ፥ ዘይምግዳስን ንሓውኻን ብጻይካን ሸለል ናይ ምባልን ጐዳኢ ባህሊ ኣብ ዓለም ይሰፍሕ ምህላዉ ዝገለጹን፡ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት፡ ዝብል ቃል ብምጥቃም እዚ ከኣ ምልክታ ድንዛዜ ምዃኑ ገሊጾም፡ ዘይነብዕ ልቢ፥ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ካልእ ዘይነብዕ ልቢ፡ ሎማዊ ሰብ ምንባዕ ስለ ስቓይ ሓው ብዝሓክሽ ባህሉ ቢሎም ዝተኸበ እዩ፡ ነዚ ኵሉ ዘስተንት ምእንጋድ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ኵለንተናውነትን ብዝብሉ ኣባዕተ ቃላት ኣማእኪሎም ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ብሰፊሕ ይትንትንዎ።

ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ከባቢ ኣፈት ባሕሪ ላምፐዱዛ 368 ስደተይናታት ኣደዳ ሓደጋ ባሕሪ ዝዀኑሉን፡ ልክዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ቀዳማይ ሓዋያርያዊ መገሻኦም ኣብ ላምፐዱዛ ፈጺሞም ኣብ ማየ ባሕሪ ከባቢ ላምፐዱዛ ንዝኽሪ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸሎት ኣዕሪጐምን ቁኑን ዕንባባ ከምዘንበሩን ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ኣደዳ ባሕሪ መዲትራኒያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣባይቲ ስድራ ብሞት ዝተፈልዩን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ይዝከር።

ነቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ላፐዱዛን ከምኡ እውን ነቶም ካብ ምጥሓል ሓደጋ ባሕሪ ዝተረፉን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ዝነበርዎ ኵነትን ዘመሓላለፍዎን ቃል ምልስ ምልስ ቢልና ክንዝክር እንከሎና፥

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ካብ ሊቢያ ብዘይ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ናይ ሞተር ጀልባ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ኣፈት ኢጣሊያዊት ደሴት ላምፐዱዛ ምስ በጽሓት ብዘጋጠማ ሓደጋ 368 ስደተይናታት ክምዝጠሓሉን እንክዝከር፡ እዞም ውግእን ዓመጽን ድኽነት ንድሕሪት ኣትሪፎም ብሩህ መጻኢ ኣብ ኤውሮጳ ዝኣመቱ መንእሰያት ኣብቲ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ካብዚ ዓለም ብሞት ክፍለዩን 41 ዘሰንይ ኣባል ስድራ ቤት ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎ 155 ጥራሕ ካብቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝተረፉ ይዝከር። ብምኽንያት ዝኽሪ 5 ዓመት ኣደዳ ባሕሪ መዲትራኒያ ኣብ ላምፐዱዛን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢጣሊያን ጸሎትን መዓልቲ እንገዳን ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራኸቡን

ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ምብጻሕ ኣካይዶም ከዝነበሩን ኣብቲ ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ስምብራ ስቓይን መከራን ሓዘንን ዝተነብሮ ከባቢ ተራኺቦምን ደሓር እውን ዕለት 1 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቶም ካብቲ ናይ ዕለተ 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናይ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ዝውክሉን ኣባይቲ ስድራኦም ብጠቕላላ 37 ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡  ናይቲ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ዝቖመ ዕለት 3 ጥቅምቲ ናይ እተሰምየ ማሕበር ኣባላትን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣባላት ስድራ ናይቶም ሞት ሓደጋ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ይዝከር።

ኣፈት ልባትና

ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ እቶም ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉን ኣብ ቅድሚ እቶም ስድራ ቤት ናይ ሞት ኣደዳ ዝዀኑን ተረኺቦም ብሓባር ነቲ ናይ ብዙሓት ስቓይ ጸሎት ገይሮም፥

ስደትን ምስዳድን ጽንኩር ሕይወት እዩ፡ እቶም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብቲ ርጉጽ ዝመስል በሪ ባሕሪ ምስ ኣተዉ ዘጋጥም ካልእ ከበድ ሕይወት እውን ኣሎ፡ ዝተዓጽዉ መዓጹ የጋጥሞም፡ ብዙሕ ግዜ ከኣ ካበይ ከም ዝመጻእካ እምበር ናበይ ከምእተኸይድ ምፍላጥ ይሰኣነካ። ኣብ ኢጣሊያ ናይ ብዙሓት ኢጣሊያውን ኣፈት ኣባይቲ ተኸፊቱልኩም እዩ፡ ናይ ልባትና ኣፈት ምክፋት እቲ ዝዓበየ እንገዳ እዩ እንክብሉ ንመላእ ዜጋታት ኤውሮጳ ኣፈት ልብኹም ክፈቱ

እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፥

ክንየው ፍልልያት ምባል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላፐዱዛ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ንመጀመሪያ ግዜ፥ ዘይምግዳስን ንሓውኻን ብጻይካን ሸለል ናይ ምባልን ጐዳኢ ባህሊ ኣብ ዓለም ይሰፍሕ ምህላዉ ዝገለጹን፡ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት፡ ዝብል ቃል ብምጥቃም እዚ ከኣ ምልክታ ድንዛዜ ምዃኑ ገሊጾም፡ ዘይነብዕ ልቢ፥ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ካልእ ዘይነብዕ ልቢ፡ ሎማዊ ሰብ ምንባዕ ስለ ስቓይ ሓው ብዝሓክሽ ባህሉ ቢሎም ዝተኸበ እዩ፡ ነዚ ኵሉ ዘስተንት ምእንጋድ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ኵለንተናውነትን ብዝብሉ ኣባዕተ ቃላት ኣማእኪሎም ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ብሰፊሕ ይትንትንዎ።

ኣብ መዲትራኒያን ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር

ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ፖለቲካ ተቕዋም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲትራኒያ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ክብ ይብል ምህላዉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ናብ ኢጣሊያ ንምእታው ካብ ሊቢያ ዝነቕሉ ስደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞምን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ብዝሒ 20 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን እዚ ኸኣ ካብቶም ቤቶም ንብረቶም ዛሕዚሖም ንዝበለጸ መጻኢ ኣሚቶም ካብ ዝስደዱ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዝምልከት ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ላምፐዱዛ፥ ቅዱስ ኣቦና ናይ ልባትና መዓጹ ነርህው
03 October 2018, 18:06