ድለ

2018.10.19 ጋዜጣዊ መግለጺ 2018.10.19 ጋዜጣዊ መግለጺ 

ኩልና ኣብ ወፍሪ ስብከተወንጌል ክንዋሳእ ኣሎና! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል

ጽባሕ ሰንበት 21 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ንመበል 92 ግዜኡ ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ክዝከር እዩ። ሎሚ ንግሆ ኣብ ክፍሊ ሕትመት ቫቲካን ነዛ ዕለት እዚኣ እትምልከት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ብወግዒ ተገሊጻ። ቀንዲ ትሕዝቶኣ ከኣ ናብ መንእሰያት ዘተኮረት እያ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንስብከተ ወንጌል ናይ ኣሕዛብ እትምልከት ማሕበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ምስ ሓላፊ ጳጳሳዊ ተግባር ተልእኮ ስብከተወንጌል ብፁዕ ኣቡነ ጃንፕየትሮ ዳል ቶሶ ከምኡ እውን ዋና ጸሓፊ ጳጳሳዊ ውህደት ተልእኮ ስብከተወንጌልን ዳይረክተ ኣገልግሎት ዜና ፊደስን ኣባ ፋብሪጽዮ መሮኒ ነቲ መግለጺ ሂቦም። ንናይ ሎምዘመን ዓለምለኸ ዕለት ስብከተ ወንጌል ፍሉይ ዝገብራ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳስ ናይ መንእሰያት ምግጣሙ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ዕለት 20 ግንቦት 2018ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ‘ኲልና ምስ መንእሰያት ሓቢርና ንወንጌል ናብ ኩሎም ነባጽሓያ’ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መልእኽቲ ጽሒፎም ነሮም።

ተግባር ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያን ገና ኣይተወደኤን!

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ መባእታ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ዘለዋ  ‘ዝተፈቶኹም መንእሰያት ምሳኻትኩም ሓቢረ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዘሰከመና ተልእኮ ስበክተወንጌል ከስተንትን እፈቱ፣’ ዝብላ ቃላት ብቀጥታ መንእሰያት ኣብ ስብከተወንጌል ንክሳተፉ ዝዕድማ ምዃነን ገሊጾም። ቅዱስነቶም ኣብታ መልእኽቲ ብቀጥታ ናብ ትርጉም ሕይወት ብምእታው ‘ሕወት ማለት ተልእኾ እዩ ነፍሲ ወከፍ ሕወት ጸዋዕታ እዩ። ኣብዚ ከኣ ኩልና ኣብ ወፍሪ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን  ክንዋሳእ ኣሎና! እዚ ማለት ከኣ ብሥራት ስብከተወንጌል ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ክበጽሕ ዘለዎን ንኩሉ ዶባት ክሰግርን ኣለዎ ማለት እዩ። ገና ብሥራት ወንጌል ወላ ንመጀመርያ ግዜኦም ዘይበጽሖም ብዙሓት ኣለዎ። ክልተ ሲሶ ሕዝቢ ዓለምና ዝኸውን ከኣ ነቲ ዝቀደመ ስለዝዘንግዑ እንደገና ዳግማይ ስብከተወንጌል ከምዘድልዮም ጸብጻባት ይሕብሩ። ስለዚኸስ ዕዮገዛ ቤተክርስትያን ገና ኣይተዛዘመን።

ካብ ወንጌል እንቅብሎም ጸጋታት!

 ብፅዕነቶም ብሥራት ወንጌል ኣብ ዘዝበጽሖ ብዙሕ ጸጋታት ስለዝዕድል ብመንጎኝነት ቤተክርስትያን ገሩ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበረሰባት ኣብ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ሕክምና ኣብ ዘተን ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባር ዓውድታትን ብዙሕ የበርክት ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ኲርናዓት ዓለምና ሓደስቲ ኣብያተክርስትያናት ይበዝሓ ኣለዋ እተን ሓደ ግዜ ብልኡካነ ስብከተወንጌል ብሥራት ወንጌል ዝተቀበላ ብግዲኦን ናብ ብሥራተ ወንጌል ብምውፋር ብሓገዝ ኩላዊት ቤተክርስትያን ይዕምብባ ኣለዋ። ኣብዚ ወፍሪ እዚ ለይትን መዓልትን ንኩሉ እናደገፈት እተተሓባብር ከኣ ናይ ኣሕዛብ ስብከተወንጌል ማሕበር እያ።

ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተ ወንጌል

ድሕሪ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎነ መግለጺ ዝሃቡ ብፁዕ ኣቡነ ዳል ቶሶ ኮይኖም ናይ ሎምዘመን ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተ ወንጌል ናይዚ መደባት እዚ ነጥበ መቀይሮ ክኾነሉ ዝኽእል ክልተ ኣገባባት ገሊጾም። ቀዳማይ ይብሉ ብፅዕነቶም እቲ ቀንድን ቀድማይን መንገዲ ጸሎት እዩ። ከመይ እምነት ካብ እግዚአብሔር እንቅበላ ጸጋ ስለዝኾነት ቀንዲ ዘሐይላ ጸሎት እንክኾን እታ ካልኣይቲ ከኣ ዓመት ዓመት ከምዝግበር ኣብቲ ምእንቲ እዚ ዕላማ እዚ ኣብ ዚዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዚቀርብ መባእ ኩሉ ብኩሉ ነዚ መደብ እዚ ክውዕል ስለዝኾነ መባእ ምውዳቅ እውን የድሊ ኢሎም። ከመይ ይብሉ ብፁዕነቶም ተግባር ስብከተወንጌል ንዋታዊ ሓገዝ እውን የድልዮ እዩ። ብዙሕ መደባት ኣሎ ብዘይ እዚ ንዋታዊ ሓገዝ እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክእልን እሞ ተግባራት ስብከተወንጌልን ዕላማታቱን ንቅድሚት ክስጉም እንተደሊና ሓገዝና እውን ክነበርክት የድሊ ኢሎ፣።

ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ወፍሪ ስብከተወንጌል።

ኣቡነ ዳል ቶሶ መግለጺኦም ብምቅጻል ብሕጂ ዝውለዳ ዘለዋ ሓደስቲ ወይ ኣብ ምውላድን ምዕባይን ዝርከባ ንኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያን ነቲ ዝውፈየለን መንፈሳውን ሥጋውን ሓገዝ ኣብ መዓላኡ ብግቡእ ከውዕላን ንጹር ዝኾነ ጸብጻባት ክህልወንን ግሉጽነት ቀንዲ መለሊየኤን ክኸውን ኣዘኻኺሮም። ከመይ መባእ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰብን ግቡእ ኣጠቃቅማ ዚሓትት ኮይኑ ምስ እምነት እውን ስለዝተሓሓዝ ብእምነት እውን ስለዝግበር ብዙሕ ጥንቃቄ ከምዘድሊ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ይብሉ ቅዱስነቶም እቲ ንዋታዊ ሓገዝ ብዙሕ ግዜ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝወርድ መባእ ይጥቀም እኳ እንተነበረ ካልእ ኣገባብ ናይ መባእ ምእካብ እውን የጽንዑ ከምዘለውን ምናዳ ኣብዚ ዘመነ ተክኖሎጂ ብዙሕ ናይ መራኸቢ መንገድታትን ምትሕግጋዝን ኣገባባት ስለዘሎ ኢሎም።

ንዓመታ ብድሓን የጽንሓን 2019 ዓምፈ ዓለምለኸ ጥቅምቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ፍሉይ ክኸውን እዩ።

ኣብ መወዳእታ መግለጺ ዝሃቡ ኣባ መሮኒ እንክኾኑ ንዚመጽእ ዓመት ዝግበር  ዝኽሪ ብድላይን ውሳኔን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍሉይ ወርሒ ዓለምለኸ ተልእኮ ስብከተወንጌል ብዝብል ምሉእ ወርሒ ጥቅምቲ 2019ዓምፈ ነዚ ከምዝውሰን ገሊጾም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ ሎሚ 99 ዓመት ይገብር በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15  maximum Illud እቲ ዚዓበየን ዝበለጸን ተልእኾ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ብዕለት 30 ሕዳር 1919 ዓምፈ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ‘ኩዱ ንመልእ ዓለም መሃሩ’ ክብል ንዝኣዘዞም ብምዝካር ኩልና ከም ቤተክርስትያን ዝተጠመቅናን ንስብከተ ወንጌል ዝተላእኽናን ኢና እሞ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ናብ መላእ ዓለም ብምኻድ ኣብ ስብከተወንጌል ትውፈር ንዝበልዎ ንምዝካር እዩ። በዚ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ኩሎም ደቂ ሰባት ንብሥራት ወንጌል ክቅበሉ መሰል እንክህልዎም ቤተክርስትያን ብምልእታ ከኣ ዝተጠመቀትን ንስብከተወንጌል ዝተላእከትን ስለዝኾነት ግድነት ናይ ምብሳር ወንጌል ኣለዋ እንክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
20 October 2018, 19:36