ድለ

ወጅሂ ክርስቶስ ማእከል ኣብ ናይ ውበት ሳልሳይ ስንዳአ ሰሙን ወጅሂ ክርስቶስ ማእከል ኣብ ናይ ውበት ሳልሳይ ስንዳአ ሰሙን 

ወጅሂ ክርስቶስ ማእከል ኣብ ናይ ውበት ሳልሳይ ስንዳአ ሰሙን

እዚ ናይ ለምዘበን ሳልሳይ ስንዳአ ካብቲ ኵላውነት እስትንፋስ ዝገበረ ወጅሂ ነቒልካ ናብ ክትብልን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ኰይናካ ንኸይትተርፍ ደላዪ ብጻይካ ክትከውን መታን፡

እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ኢጣኢያ ብሰበኻ ግሮሰቶ ዝዳለው ናይ ውህበትን ውበትን ሰሙን ዕለት 19 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ወጂህ ክርስቶስ ተማእኪሉ መደብ ሳልሳይ ስንዳአ ከምዝኸፈተን እዚ ናይ 2018 ዓ.ም. ስንዳአ ኣብ ወጅሂ ክርስቶስ ዘተኰሩ ባህላዊ መድረኻትን ዘተን ምስክርነትን ስነ ጠብባዊ መራሕ ግብርታትን ዘጠቓለለ ከምዝዀነን ሎሞ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እቲ ኣብ ማኖፐሎ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ፍራቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ዘሎ ልዕሊ 400 ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ቅዱስ ወጅሂ እተስምየ ቅምኢ ወጅሂ ኢየሱስ ንትርኢት ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ (መዝ. 27. 8) ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ናይቲ ዛዕባ ውበት ሰሙን ሳልሳይ ስንዳአ መርሕ ቃል ክኸውን ኣንከሎ፡ ኽሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ኰይኑ፡ ብዝተፈላለዩ ቃል ምስክርነትን ናይ ኣስተንትኖን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ወጅሂ እግዚኣብሔርን ወጅሂ ካልኦትን ዘተኰረ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ጥበብ ሰባትን ከያንያንን ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ዘእብር ኰይኑ፡ በዚ መደብ’ዚ እምበኣር  ነቲ ወጅሂ ዝብል ሓቂ ኢ-ሰብኣዊ ዝገብር ማለት ሰብኣዊ መንነቱ ዝቕንጥጥ እዋናዊ ሰብ ዘስዕቦ ዘሎ ኵሉ ናይ ወለሓደ ዓሚዩቕ ወጅሂ ዘይግደስ ብሓባር ብዘይፍሉጥነት ኣብ ምንባር ብዘድህብ ዘሎ ኣዋናዊ ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ክኸውን ንምትብባዕ ዝሓቀነ መደብ እዩ።

“ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን እቲ ኣብ ቅድመኡ ዘሎ ካልእነት ‘ሰብ’ ከለልይን ክርእን ዘኽእሎ መረጼን ከህልዎ ይምዕዱ፡ ኣዚ ኸኣ እቲ ካልእ-ካባኻ ዝተፈልየ ካብ ብምጥርጣ እትርእዮ ንምእንጋዱ ዝሓቀነ ምጥማት ክህልወካ ይብቅዕ!”

ወጅህን ዕድመ ር.ሊ.ጳ.

ናይ ሰበኻ ግሮሴቶ ብፁዕ ኣቡነ ሮዶልፎ ቸቶሎኒ፥ ኣብ ናይ ለምዘበን ናይ ሰበኻኦም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ምስትንታን ወጅሂ ዘማከለ ክኸውን ከዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ንማሕበረ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ኣብ ካልእ ወጅሂ እግዚኣብሔር ክርእዮ ዝኽእሎ መረጼን ክገብር ዝብል ጻውዒት ዝቕበልን ኣብ ወጅሂ ካልእ ወጅሂ ኣግዚኣብሔር ምድልላይን እዚ ወጅሂ እግዚኣብሔር’ዚ ምልላይ ኣብ መንጐ ሰባት ውህደትን ሰላምን ውሑስ ይገብር፡ ንኣግራሞትን ምድናቕን ክፉት ምዃን፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሔ ፍጹም ወጅሂ ተበጊስካ ወጅሂ ብጻይካ ምስትንታን፡ ወጅሂ ዝብል ኣርእስቲ ኣማኒ ኵን ኣይትኹን ብዘየገድስ ንኹሉ ዝምልከት ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሮዶልፎ ቸቶሎኒ ይገልጹ።

ናይ እምነትን ባህልን ኩነት

እዚ ናይ ለምዘበን ሳልሳይ ስንዳአ ካብቲ ኵላውነት እስትንፋስ ዝገበረ ወጅሂ ነቒልካ ናብ ክትብልን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ኰይናካ ንኸይትተርፍ ደላዪ ብጻይካ ክትከውን መታን፡ ኣባኻ ድላይ ንምዳልይ ብጻይካ ዘነቓቕሑ ባህላውን ሃይማኖታውን መደባት ዘጠቓልል ከምዝዀነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ሓባር እዮ

እዚ ናይ ለምዘበን ሳልሳይ ስንዳአ ውህበት መደብ ንምድላው ኣብ ዝተኻየደ ዕዮ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዘቕርቦ ስነ ጥበብን ባህልን፥ ስፍራ ኢትኣላውነት  ዘርእስቱ መጽሔት ኣቢሉን፡ ማሕበር ክሮቸቪያና ናይ ግሮሰቶ መንበረ ጥበብ ማሕበር ፖሎን ናይ ግሮሰተ ቤት ምኽርን ናይ ግሮሰቶ ባህላዊ ሓልዮ ማሕበርን ንነ ጥበብ ክላሪሰን ቤተ መዘክር ስነ ጥንታውን ናይ ማረማ ቅዱስ ስነ ጥበብን ከምዝሓበሩ ተገሊጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ

ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ካሪታስን ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናስ ኣቦ መንበር ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ግዜ ዕረፍቲ ኣብ ግሮሰቶ ተረኺቦም፡ ናይዚ ሳልሳይ ስንዳአ ውህበ ሰሙን ዋና ኣርእስቲ ኣሞርኪዞም ቤተ ክርስቲያናዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝትንትን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝዀኑን፥ ቃል ስጋ ቃል ወጅሂ ዝዀነሉ፡ መዋዕለ ዜናን ኣቀማምጣ መልክኣ ምድርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ መንእሰያት ተራኺቦም ክዝትዩን ኣብዚ መደብ’ዚ ገጣምን ናይ ስነ ግጥሚ ሊቅ ዳቪደ ሮንዶኒ እውን ክሳተፉ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምስቲ ስንዳኣአ ሳልሳይ ሰሙን ውህበት ተተሓሒዙ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ክበዓል ምዃኑን ኣብዚ መደብ’ዚ ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ማርኮ ታርኵይኞን ጋዘጠይና ኡምበርቶ ፎለና ክሳተፉ ምዃኖን ካብ ሰበኻ ግሮሰቶ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ወጅሂ ክርስቶስ ማእከል ኣብ ናይ ውበት ሳልሳይ ስንዳአ ሰሙን

 

Photogallery

ወጅሂ ክርስቶስ ማእከል ኣብ ናይ ውበት ሳልሳይ ስንዳአ ሰሙን
20 October 2018, 17:34