ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእን ዓዎሎማዊ ውዕሊ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ቅድስቲ መንበር፡ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእን ዓዎሎማዊ ውዕሊ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን 

ቅድስቲ መንበር፡ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእን ዓውሎማዊ ውዕሊ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን

እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሙከራን፡ እገዳ ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን፡ ናብቲ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘሰጋግርን ዓለም ካብዚ ዓይነት ኣጽዋር ናጻ ዝገብር ከምዝዀነን ይኹን ደኣ እምበር ገለ ገለ ሃገራት ኣብ ምምራትን ዝተራቐ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ምምሃዝ ብዙሓት ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ ንመላእ ዓለም ዘሻቕል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ገሊጾም፡

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ክእገድን እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ ኣገዳሲ መዃኑ ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምጽናት  ኣቶማዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዝጸውዖ ዓውደ ጉባኤ  ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ገሊጾም፡ ዓለም ኣብ ቅድሚ እቲ በዳሂ ዝዀነ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ምትሕብባርን ንድሕሪት ከይብል ኣተሓሳሲቦም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓለም ካብ ስግኣት ኣቶማዊ ኣጽዋር ናጻ ንምግባር ብሩትዕን ቆራጽን ጻዕሪ ይሓትት ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ንምጥፋእ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ፥

ኑክለሳዊ ኣጽዋር እንነብረሉ ዓለም ኣዚዩ ንሃደጋ ዘቃልዕ እዩ

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ንሓዋሩ ህልው ኰይኑ ዝነብር ኣይኰነን ዝብል ኣመለኻኽታ ከፍርሓና የብሉን በንጻሩ እቲ ከፍርሓና ዝግብኦ ህልዎት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ንውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ስግኣት፡ ንኑክለሳዊ ውግኣ ኣጸዋር ምርጋፍ ዘየተባብዕ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ቅቡል ክኸውን የብሉን፡ ስለምንታይ ንዓለም ውሕስና ዝህብ ኑክለሳዊ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣይኰነን፡ ብዝገደደ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ንእነብረሉ ዓለምን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ገሊጾም።

እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተሓገገ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ክሳብ ሕጂ 61 ሃገራት ክታመን ኣንቢረን ክቕበለኦ እንክለዋ 14 ሓገራት ከኣ ክታመን ካብ ምንባር ሓሊፈን ኣብ ናይ ሃገር ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ብምቕራብ ኣብ ናይ ሃገረን ቅዋም ክሳዃዕ መታን ከምዘጽደቐኦ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር የዘኻኽሩ።

እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሙከራን፡ እገዳ ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን፡ ናብቲ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘሰጋግርን ዓለም ካብዚ ዓይነት ኣጽዋር ናጻ ዝገብር ከምዝዀነን ይኹን ደኣ እምበር ገለ ገለ ሃገራት ኣብ ምምራትን ዝተራቐ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ምምሃዝ ብዙሓት ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ ንመላእ ዓለም ዘሻቕል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ገሊጾም፡ እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ኣብ ምግባር ዝካየድ ዘተ ክቕጽልን ትብዓትን ቆራጽነት ይሓትት ኢሎም።

ጸኣት ስደተይናታት ንምምሕዳር ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ ማሕብራዊ ክስተት ጸኣት ስደተይና ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ነዚ ዓቢይ ብድሆ’ዚ ብቑዕ መልሲ ክረክብ ዓለም ለኻዊ ውዕሊ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዘድሊ መፍትሒ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምንቅስቓስ ካብ ቦታ ቦታ ዘኽብርን ሰብኣውነት ዘማእከለን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘኽብር እዩ፡ ሉኣላውነት ሃገር ንምክላኻል እናተባህለ ዶባትካ ምዕጻው ሰላምን ጸጥታን ዝውሕስ ዘይኰነስ ኣብ ፍርሒ ክትነብር ዝድርኽ እዩ፡ ምእንጋድን ምልላይን ምክብባርን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸገም ብሓባር ኣብ ምፍታሕ እዩ ጸጥታን ሰላምን ዝርከብ ኢሎም።

ናብ ማራኸሽ ዝወስድ ፍኖት

ካብዚ ናብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ሞሮኰ ከተማ ማራኸሽ ንክካየድ ተወሲኑ ናብ ዘሎ ናይ ሕብራት መንግስታት ዓለም ጉባኤ እናሓሰቡ፡ ንውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ስደት ዓለም ለኻዊ ውዕሊ ክረጋገጽ ሓደራ ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ ጸኣት ስደተይናታት መፍትሒ ዝርከብ ብምንጻግ ዘይኰነስ፡ ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ብኵለንተናዊ ግብረ ውህደትን ብምኽዋን እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

 

29 September 2018, 16:50