ድለ

ሽልማት ራትዚንገር 2018 ዓ.ም.

ኣብ 2018 ዓ.ም. ማሕበር ጆስፈ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ሰለስተ ዓበይቲ ተበግሶታት

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ንናይ 2018 ዓ.ም. ሽልማት ጆሰፍ ራትዚንገር በነዲክቶስ መበል 16 ጀርመናዊት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ማሪያነ ሽሎሰርን ንስዊዘርላንዳዊ ናይ ስነ ንድፊ ሊቅ ማሪዮ ቦታ ብቑዓት ክብል ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር ከምዝሓረዮም ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ 2018 ዓ.ም. ማሕበር ጆስፈ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ሰለስተ ዓበይቲ ተበግሶታት ከምዘካይድን፡ እቲ ቀዳማይ ክፉት ተራትዖ ዝብል ካብ ዝብገስ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ዕለት 24 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝወሃብ ስልማትን፡  ካልኣይ ከኣ እቲ ዕለት 17 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝወሃብ ስልማት ራትዚንገር ድሮ ተሰለምቱ ዝተሓረዩሉን፡ ሳልሳይ ከኣ እቲ ካብ ዕለት 15  ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ፍልሰታ ለማርያም መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዝብሉ ምዃኖም ከዕለት 20 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚን ናይ ማሕበር ራትዚንገር ምምሕዳራዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ናይ ፍልሰታ ለማርያም መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ጁዜፐ ደላ ቶረን ኣብ ማድሪድ ናይ መንበረ ጥበብ ፍራንሲስኮ ደ ቪቶሪያ ናይ ወጻኢ ርክባት ሓላፊ ዶክተር ማክስ ቢኒላ ኣሳቲፉ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ሽልማት ራትዚንገር 2018 ዓ.ም.
21 September 2018, 17:27