ድለ

ሒሮሺማን ናጋሳኪን፡ ናይ ውግእ መጻእነት

ኣብ ጃፓን ከተማታት ሒሮሺማን ናጋሳኪን ዝወረደ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንጥፍኣትን ህልቂትን ዝዳረገ እንክብሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝገለጽዎ ዘስካሕክሕ መጥቃዕታዊ ለምዘበን ዝኽሪ 73 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ምልስ ቢልና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝኽሪ መጥቃዕታዊ ኣቶሚክ ቦምብ ዘመሓላለፍዎ ዝነበረ ቃለ ኣስተንትኖ ምልስ ቢልና ነስተንትን

ኣብ ጃፓን ከተማታት ሒሮሺማን ናጋሳኪን ዝወረደ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንጥፍኣትን ህልቂትን ዝዳረገ እንክብሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝገለጽዎ ዘስካሕክሕ መጥቃዕታዊ ለምዘበን ዝኽሪ 73 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ምልስ ቢልና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝኽሪ መጥቃዕታዊ ኣቶሚክ ቦምብ ዘመሓላለፍዎ ዝነበረ ቃለ ኣስተንትኖ ምልስ ቢልና ነስተንትን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሒሮሺማን ናጋሳኪን [ … ] ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ዓለም ቀዳሞት ኣደዳ ኣቶሚክ ቦምብ እያተን [ … ] ናይ ብዙሓት ስም … ከቢድ ሕልቂትን ዝዝከረሉን ብፍላይ እቶም ካብቲ ኣደዳ ዝተረፉ ዝህብዎ ቃል ምስክርነት ዝቃልሓሉን ውግእ ዘስዕቦ መዓት ዝዝከረሉ እዩ ብዝብል ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ዝክረ ሰላም ንሒሮሺማ ኣብ ዝተኸበረሉ ዕለት ዘቃልሕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 6 ስዒቡ እውን ዕለት 9 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ቀዳሞት ኣደዳ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ከተማታት ሒሮሺማን ናጋሳኪን ብዙሓት ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራን ዝተቐትልሉን፡ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተፈጸመሉን እዩ።

ታሪኽ ዘይምርሳዕ ንህርኩት ጻዕሪ መጻእን ሰላምን ይድርኽ

ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዋይቲይላ ሒሮሺማ ማለት ይብሉ፡ ንመጻእን ሰላምን ሕርኩት ጻዕሪ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሰናይ ኣብ ምግባርን ቅኑዕ ዝዀነ ኣብ ናይ ምሕራይ ናጽነቱን ክህሎቱ ዘሎና እማነ ንሓድስ፡ እዚ ተዘክሮ’ዚ ንኹሉ ዝውክል ብኹሉ ክፍጸም ዘለዎ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ መሬት ሕይወት ዘፍቅሩ፡ መንእሰያት ምስ ሕቶ ሰላም ዝሳነይ ተግባራት ክፍጽሙ ዝተባብዑ ይኹኑ፡ ሰላም ወትሩ ሸቶ ይኹን፡ ንስዓቦን ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋንን ኩነን ንሰላም ጠበቓን ተሟገትን ንኹን ከምዝበሉ ይዝከር።

ወትሩ ህልው ዝዀነ ዓቢይ ሓደጋ

ተዘክሮ ምኽዋን ማለት ውግእ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወትን ጥፍኣትን ብዓንተውኡ ከይኽሰት ምግባር ማለት እዩ ዝበሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ብኣቶሚክን ኑክለሳውን ኣጽዋር ንምድላብ ዝግበር ውደራን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምሕርቲ እውን ንውግእ ቅሩባት ምኻን እዩ ዘመላኽት፡ ውግእ ንምብጋስ ስንድው ምዃን፡ እዚ ደላይን ድላይን ውግእን ኣብ ዝዀነ እዋንን ሰዓትን ቦታን ስግኣት ውግእ ምህላዉ የረጋጽ፡ እዚ ናይ ዕንወትን ረፍራፊ ኵሉ ፍጥረን ዝዀነ ውግእ ከለዓዕል ዝክእል ምዃኑ ዓቢይ ስግኣት እዩ ከምዝበሉ እውን ይዝከር።

ዕለት ተዘክሮ ሒሮሺማን ናጋሳኪን ብዛዕባ ሕይወት ዓቢይ ሕቶ ንዘቕርቡ ጻውዒት እዩ

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ክልተ ዓበይቲ ውግእ ዓለም [ … ]፡ ሒሮሺማን ናጋሳኪን እንነብረሉ ዓለም ወትሩ ኣብ ቀዳም ስዑር ብቐጻልነት ክነብር ዝገበረ እዩ ዝመስል  እንክብሉ ዕለት 2 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ፡ ጽሉም እዋናዊ ኵነት ነቶም ብዛዕባ ሕይወት ገዛእ ርእሶም ንዝሓቱ ዓቢይ መጠይቕ እዩ፡ ብፍላይ ነቶም እኣምን እንብል። ንሕና እውን ምስቲ ጽሉም ኩነት ዝገጥሙ ኢና ከምዝበሉ ይዝከር።

ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ልክዕ ከምቶን ቅድሚኦም ዝነበረ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምጥቃም ኑከሳዊ ኣጽዋር ዓቢይ ስግኣትን ሓደጋን ምዃኑ ብምቅላሕ፡ ኵለንተናዊ ምርጋፍ ኣጽዋር  ክኽወን ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ኣብ ሒሮሺማን ናጋሳኪን ኣብ እንዝክረሉ ዘሎና እዋን፡ ካብ ዝፍጸም ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፈ እውን እንተዀነ ሎሚ እውን ናይቲ ውግእ ራዕድን ንጽገት ውግእን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ የለዓዕል። ሰብኣዊ ፍጥረት ስነ ምርምራዊ ምዕባለ ንጥፋኣት ክጥቀመሉ ከምዝኽእል እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ውግእ ዝነጽግን ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ክእግድ ንምግባር ዝጽውዕ ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ፡ ከምዝበሉ ይዝከር።

ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ባንግላደሽ ኣብ ዝነቐልሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊዓለም ፍጥረት ሰብን ዝወጣወጥ ዘሎ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ወናኒ ናይ ምዃን ዓቢይ ስግኣት ኰኒኖም፡ ኵሉ ህዝቢ ዓለም እውን ኣይዅን ኣብላጺ ሕዝቢ፥ ውግኣ ኣይፋል ንምባል ጻውዒት እዩ ከምዝበሉ እንክዝከር፥

ቅዱስ ኣቦናን እቲ ሕጻን ናጋሳኪን

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ቺለ ኣብ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ነፋሪት ምስ ዝተረኽቡ ኣብ ዘካይድዎ ጉዕዞ ነዘሰንይዎም ዝነበ ሰብዓ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዜና ማዕከናት ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ቃሎሞ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ናጋሳኪ ዝተፈጸመ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ መጥቃዕቲ ዘስካሕክሕ ሳዕቤኑ ዝገልጽ፡ ሓደ ሕጻን ናይቲ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝዀነ ናይ ሓዉ ሬሳ ሓዚሉ ንኽቐብሮ እናተጓዕዘ እንከሎ ዘርእይ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ኩነታት ብስእሊ ዝስንድ ጋዜጠይና ጆሰፍ ሮጀር ኦዶነል ብጻሊምን ጻዕዳን ዝተሳእለ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኵናት ብጭቡጥ ዝገልጽ ስእሊ ክታሞም ናይ ኵናት መጻኢ ዝብል ሓሳብ ፥ ናይቲ ሕጻን ዓቕሊ ጽበት ዝገልጽ ከናፍርካ ነኺስካ ኣብ ኣካላትካ ግዕየት ረሓጽ ደም ዘመንጭው ጭቡጥ ኩነት ኵናት ዝብል ጽሑፍ ዘንበርሉ ካርቶሊና ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ክዕደል ከምዝገበሩን ብሓቂ ማንም ከይሓሰቦ ብኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ክባራዕ ከምዝኽእል ዘመላኽቱ ኩነታት ኣሎ እንክብሉ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምርጋፍ ኑከለሳዊ ኣጽዋር ኣገዳሲ እዩ፡ ናብ ቺለ ዝገብርዎ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ሓዋያዊ መገሻ እውን ንምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር።

ክንየው ኩሉ ስቓይ ተስፋ ሰላም

ጭካነን ሞትን ይሃሉ ተስፋ ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ህልው እዩ፥ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣቲ ንዝኽሪ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ዝቖመ ሓወልቲ፡ ጻውዒት ሰላም ምዃኑ ናይ ሒሮሺማ ሰበ ስልጣናት ምውሳኖም ብሓቂ ምኽንያታዊ ጥራሕ እውን ዘይኰነ ዓቢይ ጥበብ እውን እዩ፡ በዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ’ዚ ተቀማጦ ሒሮሺማን መላእ ሕዝቢ ጃፓንን በቲ ንዝኽሪ ሕልቂት ኣቶሚክ ቦምቢ ኣብ ሒሮሺማ ዝቖመ ሓወልቲ እቲ ውግእ ከለዓዕል ዝኽእል ሰብ ሰላም እውን ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ይሕብር፡ እቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምኑ ፍቕርን ሱታፌን ዘይብጽሑ ጦቢያ ዘይኰኑስ ናብ ሰላም ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ዝግበር ጉዕዞ ዘበራትዕ ምዃኑ ከይዝንግዑ ከምዝበሉ ይዝከር።

ሒሮሺማን ናጋሳኪን፡ ናይ ውግእ መጻእነት
07 August 2018, 17:08