ድለ

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Veritatis Splendor-እንጽብራቕ ሓቂ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Veritatis Splendor-እንጽብራቕ ሓቂ 

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Veritatis Splendor-እንጽብራቕ ሓቂ

እታ ብይብጻሕ ንመላእ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደረስዎ ንንባብ ዝበቕዔን Veritatis Splendor-ዕብየት ነጸብራቕ ሓቂ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ናይ ዳግማይ (ሓድሽ) ኣስፍትሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ምስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣተሓሒዞም፡ ቅዱስነቶን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ባህልን ዘይተኣማኒ እዮም ቢልካ ዝፍነው ነቕፌታ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ከምኡ እውን ንዓዋዲ መእኽቲ ነጸብራቕ እሙን ዘይምዃን ማለት እዩ ኢሎም።

እታ ብይብጻሕ ንመላእ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደረስዎ ንንባብ ዝበቕዔን Veritatis Splendor-ዕብየት ነጸብራቕ ሓቂ  ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ናይ ዳግማይ (ሓድሽ) ኣስፍትሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ምስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣተሓሒዞም፡ ቅዱስነቶን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ባህልን ዘይተኣማኒ እዮም ቢልካ ዝፍነው ነቕፌታ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ከምኡ እውን ንዓዋዲ መእኽቲ ነጸብራቕ እሙን ዘይምዃን ማለት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

Veritatis Splendor-ነጸብራቕ ሓቂ  ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ግብረ ገብ ዝምልከ ሕቶ ዘስተንትን ኰይኑ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ባህልን ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርተ ብዛዕባ ግብረ ገብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መርትዖታቱ የቕርብ፡ ስለዚህ ሰብ ብዛዕባ ሰናይን ክፋእን መልሲ ንኽረክብ ዳግም ናብ ክርስቶስ ከብል ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳያቱ ሓቢሮም፡ ስለዚህ ብመንጽር ዝሓለፉ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ንምቅዋም ዝኽእል ኰነ ዝድርኽ ሓደ ምኽንያት ክህሉ ከምዘይክእል ተስተውዕል ኢሎም።

ብፁዕነቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ካብ ባህልን ስነ ትምህርትን ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለምን ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝፍጠር ፍልስፍናዊ ተዛምዶነትን ከምቲ መትከላዊ ነጥብ ብዝብል ኣርእስቲ ቫን ባልታሳር እውን ኣብ ዝድረሶ መጽሓፊ ከምዘመላኽቶ፡ እቲ መትከላዊ ነጥቢ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘይቕየር ግና ዝምዕብልን ዝግስግስን ምዃኑ እዩ ዘነጽር።

ብዛዕባ ሓቂ ክንዛረብ እንከለና ኣምራዊ ንጥፈት ክነስተውዕል ይግብኣና፡ ስለዚህ ሓቂ ዘይንቀሳቐስ ተሪር ማለት ዘይከኰነስ፡ ሓቂ ንክርስቲያን እቲ ህያዊ ዝዀነ ናይ ጐይታ ቃል እዩ፡ ኢየሱስ፥ ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወን እየ  ዝበሎ ቃል ክንዝንግዖ ኣውን የብልናን፡ ስለዚህ ማዕቅን ሓቂ ምስ ሓደ-ኣካል ንኽንራኽብ ክፉታት ዝገብር እዩ፡ ናይ ወንጌል ሓቂ፡ እቲ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃንነት ህልዎት ዘለዎ ሓቂ፡ ህልወት ኢየሱን ህልወት ሓቂ፡ ሓደ እዩ። ስለዚህ ኢየሱስ እቲ ንደቀ መዝሙር ዝሃቦምን ክሳብ ኣባና ዝበጽሔ ሓቂ ናብቲ ዝተገልጸ ምስጢር ርህው ዝገብር እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃምነናውን ግብረ ተግባውን ትምርቲ ዓንዲ ዝዀነ ነጥብታት ኣለዉ፡ ስለዚህ እቲ ዓንዲ እንብሎ እምበኣር ነባሪ እዩ። እዚ እዩ እታ ዕብየት ነጸብራቕ ኰነ ብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ እውን ኣብ ኣስተንትኖኦም ዘስፍሕዎ፡  እቲ ዘይልወጥ ጽንዓት ከኣ ኣብ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትውፊትን ጽኑዕ ኰይኑ ግናኸ እናተሓደሰ ዝኸይድ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ዝዀነ ሕቂ ቤተ ክርስቲያን ኣይትቕበሎን እያ። ስለምንታይ ሓቂ ብባህርእዩ ናብ እማኔን ነጻነትን ዘድህብ ብምዃኑ፡ ባዕሉ እቲ ቓል፡ ሓቂ ናጻ ከተውጽኣኵም እያ ይብልገዛእ ርእሱ ንሰብኣዊ ርኽበት ኣሕሉፉ ዝህብ ክፉት ሓቂ ማለት እውን እዩ። እምንነትን ናጽነት ዓሚይቕ እዩ፡ ሓቂ እማነ ይሓትት፡ ኣማነን ሓቅን ዝተሓሳሰረ ምዃኑ እውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣምር እዩ።

ንባቤ ሓቂ ተኣማንነት (እሙንነት) ይሓትት፡ ገለ ገለ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣረኣእያኦም ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብሓጺሩ እውን ነታ ነጸብራቕ ሓቂ ዓዋዲት መልእኽቲ እውን ዘይእሙን እንክብሉ ህየሳ ከቕርቡ ይስማዕ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ጽንዓት ኣብ ምዕባለ ከይድታቱ ክኸውን እንከሎ፡ ስልጣናዊት ትምህርታት ብምንጽጻር ምኽዋኑ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ እናማዕበለ ዝኸይድ ሓቂ ንናይ ቤተ ክርስትያን ባህሊ ዘይእሙን ክኸውን ኣይክእል። ምዕባለ ኣብ ተኣማንነት ዝረገጸ እዩ። ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብመንጽር ዝሓለፉ ስልጣናዊ ትምህርታት ቤተ ክርስቲያን ርኢኻ ምንቃፍ ጌጋ እዩ፡ እቲ ምንቃፍ ዝመጽእ ንናይ ከይዲ ምዕባለ ሓቂ ካብ ዘይምቕባል ወይ ምኽሓድ ዝነቐለ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሓቂ ከም ዝተሰምረ ዘይንጡፍ እዩ ካብ ዝብል ጌጋ ኣመለኽታ ዝምንጭው ፍርዲ እዩ።

ከምዚ ብምዃኑ እምበኣር ከስ እቲ ሓቂ ዝትንትን ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይቲ ህብረ-ቅንስል (mosaico della verità) ካብ ዘቑሙ ሓደ ክፍሊ ቅንስል እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናጽላ ቅንስል ከኣ ምልኣት ህብረ ቅንስል ኣሎ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምስ ኣካለ ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል እዩ፡ ስለዚ ምስኡ ንምርኻብ ዝወስድ መገዲ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ይሓትት፡ እዚ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ Evangelii Gaudium-ወጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ የስተምህርዎ፡ ምስ ሓቂ ንምርኻብ ገዛእ ርእስኻ ምምርማር እውን ይሓትት ስለዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎቱ ምስረቓኡ የነጽር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Veritatis Splendor-እንጽብራቕ ሓቂ
06 August 2018, 16:21