ድለ

ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ንተመዛበልቲ የመናውያን ኣብ ደሴት ጀጁ ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ንተመዛበልቲ የመናውያን ኣብ ደሴት ጀጁ 

ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ንተመዛበልቲ የመናውያን ኣብ ደሴት ጀጁ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ደቡን ኮርያ ደሴት ጀጁ ንዝርከቡ ስደተይናታት የመናውያን ሓገዝ ዝውዕ 10 ሺሕ ኤውሮ ከምዝለገሱን ምእንቲ እቶም ተመዛበልቲ እውን ጸሎቶም ከምዘጋገጹ ክንገር እንከሎ፡ ሕጂ እውን ናይቶም ተመዛበልቲ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ደቡን ኮርያ ደሴት ጀጁ ንዝርከቡ ስደተይናታት የመናውያን ሓገዝ ዝውዕ 10 ሺሕ ኤውሮ ከምዝለገሱን ምእንቲ እቶም ተመዛበልቲ እውን ጸሎቶም ከምዘጋገጹ ክንገር እንከሎ፡ ሕጂ እውን ናይቶም ተመዛበልቲ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ደቡብ ኮርያ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልፍረድ ኵወረብ፡ ነቶም ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ኣብ ድቡብ ኮርያዊት ደሴት ጀጁ ንዝርከቡን ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ንዝእለዩ ዘለዉ ተመዛበልቲ የመናውያን ዝውዕል ሓገዝ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ 10 ሺሕ ኤውሮ ኣብታ ደሴት ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፐተር ካንግ ኡ ኢል ከምዘረከቡ ዮንሃም እተሰምየ ናይ ሰውል ናይ ዜና ኣገግሎት ክሕብር እንከሎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ኵወረብ ኣብ ጀጁ ሓዋያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ነቶም ተመዛበልቲ የመናውያን ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፡ ደቡብ ኮርያ ነቶም ስደተይናታት ምስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ኣብቲ እንገዳን ምክንኻን ምንቕቓሕን ምውሃድን ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ትምህርቶምን ሰነዳቶምን መሰረት ዝገበረ ድጋፍ ንዘቕርቡ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ካንግ ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ከምዘረጋገጹ ያንሃም ኣገልግሎ ዜና ኣፍሊጡ።

ልኡኽ ቅዱስቲ መንበር ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኵወረብ ናብቲ እቶም 527 የመናውያን ስደተይናታት ዝርከብሉ ስፍራ ከይዶም ከምዝበጽሕዎምን ኣብታ ደሴት ጀጁ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ድጋፍን ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ኣረጋጊጾም፡ እቶም ካብቲ ኣብ የመን መዕለቢ ዘይረኸበ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ሕይወቶም ንምድሓን ንዝተሰዱ፡ ከምቲ ናይ ደቡብ ኮርያ ሕጊ ዝእዝዞ ንሰለስተ ወርሒ ብዘይ ናይ ምእተዊ ፍቓድ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ክንገር እንከሎ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናይቶም ተመዛበልቲ ናብታ ደሴት ምእታው ንተቐማጦ ደሴት ጀጁ ኤኮኖሚያዊ ሸቕሎት ፈጢሩን ተቓውሞ ንኸስምዖ ከምዝደረዀም ያንሃም ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ኵወረብ ናብ ሴኡል ቅድሚ ምምላሶም፡ ናብቲ ሚያዝያ 3 እተሰምየ ነቶም ካብ 1948 ክሳብ 1954 ዓ.ም. ብፍልልይ ርእየት ዓለም ኣብ መንጐ መንግስትን ሕዝብን ብዝተኻየደ ግጭት ምኽንያ ንዝወደቑ መዘከርታ እተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብምኻድ ጸሎት ከምዘዕረጉን፡ እቲ ታሪኻዊ ክስተት ደቡብ ኮርያ ካብ 1954 ዓ.ም. ካብ መግዛእቲ ጃፓን ናጻ ወጺኣ ሎዓላዊት ሃገር ኰይና ንኽትቀውም ከምዝገበረ ናይ ኮርያ ናይ ታሪክ ማህደር የረጋግጾ።

ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ንተመዛበልቲ የመናውያን ኣብ ደሴት ጀጁ
30 July 2018, 16:04