ድለ

ሓድሽ መልእክዕ ናይ ስነ ጥንቲ ቅርሲ ማእከላይ ዘመን ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ

ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ድብሪ ኣጸደ ኣታኽልቲ ዘሎ ሕድሽ መልክዕ ዝለበሰ ናይ ስነ ጥንቲ ኣካባቢ ተመሪቑ።

ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ድብሪ ኣጸደ ኣታኽልቲ ዘሎ ሕድሽ መልክዕ ዝለበሰ ናይ ስነ ጥንቲ ኣካባቢ ተመሪቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣቲ ኣብ ፎሪ ለ ሙራ ከፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ደብሪ ዘጠቓልሎ ኣጸደ ኣታኽልቲ ዘሎ ስነ ጥንታዊ ቅርሲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ ሕዳሴ ተጠናቒቑን ተሓዲሱን ተመሪቑን ንበጻሕቲ ክፉት ከምዝዀነ ተገሊጹ።

 እቲ ሕዳሴ ዝሙን ስነ ቤተ መዘክራውን ዕደ ጥበባውን ተክኖ ብዘለዎ ዝርጋሔ ብርሃን ደሚቑን ማራኽነቱ ክብ ቢሉን ንመስህብ በጻሕትን መንፈሳውያን ነጋዶን ካብ ቀደም ብዝለዓለ ደረጃ ማራኺ ኰይኑ ከምዝቐረበን፡ እዚ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስነ ጥንታዊ ቤተ መዘክር ስፍራ ነታ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረት ከተማ ሮማ ከተማዕድው ዝድርክ ምዃኑ ይንገር።

ካብ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ምሕደራ ናይ ሕዳሴ ስነ ጥንታዊ ዘነቓቕሕን ከምኡ እውን ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ናይ ጥንታዊ ስነ ክርስትና ታሪኽ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ዓቃቢ ስነ ጥንታዊ ቤት ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ጥንታዊ ክርስትና ተቛምን ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ላ ሳፒየንዛ ናይ ስነ ጥንታዊ ስነ ንድፍን ኣቐማምጣ ከተማታት ዘጽንዕ ጨንፈር ብምትሕብባር ዝተኸወነ ሕዳሴ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓድሽ መልእክዕ ናይ ስነ ጥንቲ ቅርሲ ማእከላይ ዘመን ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ
14 July 2018, 09:18