ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ኣሸባርነት ዝሰዓር ብማሕበራዊ ስኒት እዩ ቅድስቲ መንበር፡ ኣሸባርነት ዝሰዓር ብማሕበራዊ ስኒት እዩ 

ቅድስቲ መንበር፡ ኣሸባርነት ዝሰዓር ብማሕበራዊ ስኒት እዩ

ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 30 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ኣብ ነው ዮርክ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ጸረ ግብረ ሸበራ ኣማእኪሉ ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፥ ማሕበራዊ ስኒት ዝድግፍ ፓለቲካዊ ከይዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ሲሞነ ተ. ኣርኣያ-ከተማ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ሰብኣውነት ወሳኒ እዩ። እዚ እቲ ኣሸበርቲ ንረብሓኦም ዝጥቀምሉን ንዝፍጽምዎ ግብረ ሸበራ ከም ምኽንያት ዘቐምጥዎ ኣብ ዓለም ዝረአይ ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምውጋድ ይከኣል፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ጸረ ኣሸባርነት ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ መላእ ሃገራት ኣብዚ መዳይ ምትሕብባር ዝዓሰሎ ኣሰራርሓ ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ግደ መሰርት ዝፍጸም ናይ ሓባር ጻዕሪ ነቲ ናይ ዓለም ሰላምን ጸጥታን ዓቢይ ስግኣት ዝዀነ ግብረ ሸበራ ንምቅዋም ቀንዲ ድጋፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስቲ መንበር ኣብዚ መዳይ ምስ ዝተፈላለያዩ ሃይማኖታት መራሕቲ ብእተካይዶ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ዝዀነ ይኹን ኣኽራርነት ዘተኣታትውን ዘስፍሕን ግብረ ጥንቆሳ ክውገድ ኣጽኒዓ ከምእትዓዪ ኣፍሊጦም።

ምትሕብባር በርገሳዊ ሕብረተሰብ

ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ዝተሳተፉ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ልኡካን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ልኡካን በርገሳዊ ሕብረተሰብን፥ ኣሸበርቲ ንምግታእን ብፍላይ ኣብዚ መዳይ ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባርን ብሓባር ኣሸበርቲ ንምውጋድ ክግበር ዘለዎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ኣሸባርነት ንምውጋእ ማሕበራዊ ስኒት መሰረት ከምዝዀነን፡ ብፍላይ ኣብቲ ንኣኽራርነት ምርጫ ስግኣት ዝተቓልዐ ሃገራት ማሕበራዊ ስኒት ንምርግጋጽ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ከምዝግባእን ሃገራት ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምትብባዕን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምኽባር መሰልን ክብርን ሰብ ተግባር ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ንምኽዋን ዘኽእል መሳለጢ ብቑዕ ሃብቲ ምምዳብን ናይ ሕግን ስርዓትን መጋበርያ ምርግጋጽ የድሊ ኢሎም።

ካብ ከባቢ ዝብገስ ጸረ ዓለም ሓቆፋዊ ስግኣት

እቲ ካልእ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘመላኸትዎ፡ ኣብ ምቅዋምን ምውጋድን ኣሸባርነት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ከባቢ ሕዝብታት ምውሳእ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ናይ ጸረ ኣሸበርቲ ዕላማ ዓወትን ፍሽለትን መሰረት ኣብ ከባቢታት ዝኽወን ተበግሶታት እዩ፡ ስለዚህ መንግስታት ጸረ ኣሸባርነት መደባትን ኣብዚ መደብ ናይ ከባቢ ህዝብታት ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ምንቕቓሕ ተቐዳሚ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣኽራርነት ዝቃወም ፖሊቲካ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ነዚ ዝድግፍ መደባት ምሕንጻጽን ስእነት ስራሕ ምጥፋእን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን ክብርን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ደግፍካ ኰነ ናይ ተቓውሞ ሓሳብካ ናይ ምቕራብ መሰል ምውሓስን እዚ ከኣ ምስፋሕ ዓመጽን ጽልእን ዝድርት እዩ ኢሎም።

02 July 2018, 16:23