ድለ

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት” ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት”  

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት”

ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት” ንንባብ ዝበቐዓሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ደራሲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ እናሓሰቡ ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ንክርስቲያን ሓደስቲ መራዑ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቑድ ዘይፍቑድ፡ እዚ ግበር እቲ ኣይትግበር ዝብል ክልኩል ዝዀነ ዘመላኽት ሰነድ ዘይኰነስ ነቲ ዝነብርዎ ጸዋዕታኦም ድጋፍ እዩ ከዝበሉ ይዝከር።
ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት”

ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት” ንንባብ ዝበቐዓሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ደራሲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ እናሓሰቡ ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ንክርስቲያን ሓደስቲ መራዑ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቑድ ዘይፍቑድ፡ እዚ ግበር እቲ ኣይትግበር ዝብል ክልኩል ዝዀነ ዘመላኽት ሰነድ ዘይኰነስ ነቲ ዝነብርዎ ጸዋዕታኦም ድጋፍ እዩ ከዝበሉ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳውሎስ ሻድሻይ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ሕንጻ ኰይኖም ብዙሓት ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝገለስዎ ቃል፡ “ኣብ ናይ ሎሚ ርክብና ብዛዕባ እቲ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየ ዓዋዲ መልእኽቲ ንክንዛረብ ግድን ይኸውን ከምዝበሉ እንክዝከር፡ ብቐጥታ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝሓስብዎ ዝነበሩን ዝጸለዩሉን እሞ ሰብኣዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ገይሮም ንንባብ ዘብቅዕዎ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እናሓሰቡ፡ ብሓቂ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረን ኣብ ናይ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎን ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ሕቶ መሰረት ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብሪሆም እዮም።

ቅጽላዊ መፍትሕ

እቲ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሰነድ ወይ ከኣ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ሕጊ ዝትንትንን ዘቕርብ ሰነድ ኣይኵነን፡ እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ናይ ምውላድ ባህርይ ኣብ ተግባር ከይውዕል ዝገብር ተግባር ዝንጽል ዘይኰነስ ነቲ ናይ ሓዳር ግብረ ገብ ብናይ ፍቕርን ፍርያምነትን ተልእዀ ስርዓት ብእወንታዊ ጐድኑ ዘቕርብ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዅን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ብዛዕባ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝወሃብ ዝነበረ ነቐፌታ ኰነ ጥቁብነትን ንጳውሎስ ሻድሻይ ስዉር ኣይነበረን፡ እቲ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምልስ ቢልካ ክትሰምዖ እንከለኻ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ብእወንታውነት ከምዘቕረብዋ ትርዳእ።

ስለዚህ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከረድኡን ገዛእ ርእሶም እውን ዘረድኡሉ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ። ስለዚህ ነቲ ካቶሊካዊ ግብረ ገብ ብትእዛዝ ግብረ ኣይትግበር ከይዲ ዘይኰነ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕር ንስድራ ቤት ብዕምቆት ዘረድእ እዩ፡ ስለዚህ ሕይወት ዕለት ብዕለት ብእምነት ዝመዝን ምዃኑ የብርሁ።

ክሳብ ዝከኣል ዝተጸንዔን ምይይጥ ዝተገበረሉን ትምህርቲ

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ነቶም ንዝለግስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኽቕበሉ ንዝተረኽቡ ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ዘይኰነስ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ንምስንዳው ዝገበርዎ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ምቅርራባትን ኣስተንትኖን መጽናዕትን እናሓሰቡ፡ ቅድም ቀዳድም ናትና እንክብሉ ዝገለጽዎ ከቢድ ጉድለት ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ስቓይ እውን ዘስዓበ ከምዝዀነ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ይብሉ፡ ብዙሕ ኣጽኒዕናን ተመያይጥናን ክሳብ ዝከኣለናን ዓቕምና ክሳብ ዝፈቕዶ ተኻቲዕናን ብፍላይ ከኣ ብዙሕ ጸልይናን ነዚ መሰረት ገይሮም ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና ብናጽላ ዘይኰነ ብድርብ በዓል ቤት ተመያይጥናሉን ተኻቲዕናሉን ኣጽኒዕናን እናበሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ፡ ብዛዕባ እቲ ክደርስዎ ዝሓሰቡ ዓዋዲ መልእክቲ ሰፊሕ ግንዛበ ክህልዎም ቅድም ኣቢሎም ዘካየድዎ ምንጽጻርን ናይ ካልኦት ሓሳብ ጽን ናይ ምባልን ኩነት ንምሕባር እዩ።

ፍትሕ ኣብ ክርስቲያን ሰብ ሓዳር

እቲ ካልእ ነቲ ነዛ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኽደርሱ ዘካየድዎ ምይይጥን ዘተን ክትዕን ጸሎትን መሰረት ድማ ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጾም እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ሕይወት ሓዳርን ስድራ ቤትን ነጸላ ሰብኣውነቶም ከሳዅዑ ከምዘለዎም ዘመልክት እዩ፡ ሳልሳይ መሰረተ ነጥቢ ከኣ ተስፋ እዩ፡ ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ተስፋ እያቶም። ናይቲ ዝተዓደሎም እውነተይና ፍቕሪ መሰኻኽር፡ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ነቲ ናይ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዘለዎ መለኰታዊ ፍቕሪ ኣብ ምምሳል ዝንበርን ዝግለጽን ክኸውን ዝብል እዩ፡ ነዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ መንጐ ኣባላት ስድራ ቤት ምስፋሕን ምምስካርን ናይዚ ዓይነት ፍቕር ግብረ ገብ ኣብ ሕብረተሰብ ምምስካር እዩ፡ ስለዚህ ብሓጺሩ እቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝንበር ፍቕሪ ዝትንትንን ስድራ ቤት ነቲ ናይ ክርስቶስ መለኮታዊ ፍቕሪ ንቤተ ክርስቲያኑ ኣብ ምምሳል ዝተግህን ዝዓብይን እሞ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ዓለም ዘስፍሕ እምበር ኣብ ግበር ኣይትግበር ዝብል ትእዛዛዊ ግብረ ገብ ዝቖመ ኣይኰነን ማለት እዩ።

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ “Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት”
25 July 2018, 17:41