ድለ

2019.09.24 Visita alla Cittadella Cielo di Nuovi Orizzonti a Frosinone 2019.09.24 Visita alla Cittadella Cielo di Nuovi Orizzonti a Frosinone  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንማሕበር "ሓድሽ ኣድማስ " ንውህበታቶም ክዕቅቡ ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምንቅስቓስ ማሕበር “ሓድሽ ኣድማስ” መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኦም ኣብ ዘኽብሩሉ ዘለው፣ ቅዱስነቶም ናብ ኪያራ ኣሚራንቲ ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ሰላምታ ኣመሓላለፉላ፣ ንኣባላት እቲ ማሕበር ድማ ነቲ ውህበታቶም ንናይ መጻኢ ወለዶታት ክዕቅብዎ ተማሕጸንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብታህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመስራቲትን ኣደ-መንበርን ናይ ምንቅስቓስ “ሓድሽ ኣድማስ” ዝዀነት ኪያራ ኣሚራንቲን ንኣባላት እቲ ምንቅስቓስን ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከምዚ በሉ - "ቀዳማይ ነታ ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ንቕድሚት ክትስጕም ብጐይታ እተመርጸት ክያራ ሰላም እብለኪ፣ እዚ ናይ ብዙሓት ሕልና ዘበራበረ እስትንፋስ መንፈስ ኢዩ።" ድማ በልዋ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እምበኣር ኣብ መበል 30 ዓመት ዕለት ምስረታ ማሕበርኩም እንቋዕ ኣብጽሓኩም!"

ውህበታት ክዕቀቡ ኣለዎም!

እቲ ቕዱስ ኣቦ ኣብመልእኽቶም ነቲ ናይ ሓድሽ ኣድማስ ውህበትን ተልእኾን ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ። "ምንቅስቓስ ክምዕብል ከሎ እቲ ናይ ተልእኾ ተግባራቱ ክዝሕልን ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ሓይሊ ከጥፍእን ይኽእል ኢዩ" ብምባል ኣጠንቀቑ።

ነታ መስራቲትንን ነቶም ተሓባበርታን ነቲ ናይ መጀርታ ውህበታቶምን ተልእኾኦምን ከይርስዕዎን ነቲ ጐይታ በታ መስራቲት ኣቢሉ ዝሃቦም ጸጋታት ክዕቅቡዎ ኣተባብዖም።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ተልእኾ እዚ ንምሕላው ክልተ መሰረታዊ መገድታት ኣቕረቡሎም - "ጸሎት - ሓደ ሰብ ብዘይ ጸሎትን ትብዓትን ንቕድሚት ክግስግስ ኣይክእልን ኢዩ - ነቲ ንቕድሚት ንምስጓም ዘሎና ትብዓት ኣየጥፍኦን ኢዩ ። " ድማ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ኵሉ ተልእኾ ብመስቀል ጐይታ ኺሓልፍ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት እዚ ምንቅስቓስ ናይ ተልእኾ ክምዕብል እንከሎ "ዳርጋ ዅሉ ግዜ ግጉይ ምርዳእ ጸልማት እዋናት አረ ኣብ ቤተ - ክርስትያን እውን ከይተረፈ " ከም ዝህሉ ኣረጋገጹሎም ።

እታ ማሕበር ኢየሱስ እውን ብኸመይ ከም እተጨነቐት ዘከሩ ። "ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ እዋናት የሕልፉ፣ ኵሉ ናይ ተልእኾ ውህበታት ውዒሉ ሓዲሩ ብመስቀል ጐይታ ክሓልፍ ኣለዎ " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ሓሶት እምነት እሙን ኰይኑ ክቕጽል ተማሕጸንዎም፣ እንተዀነ ግን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንማሕበረሰብ ክትሓትቶ እትኽእል መምርሒታት ጠቢቑ ኽስዕብ ከም ዘለዎ ውን ኣዘኻኸርዎም።

ንውህበታታ ምርዳእ

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣትሒዞም ከም ዝፈልጥዎ ውን መስኪሮም ኢዮም፣ እንተዀነ ግን ናብቲ ምንቅስቓስ ምብጻሕ ድሕቲ ምክያዶም ኢዮም  ተረዲእዎም ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ንዓይ ኵላትኩም ምስታ መስራቲት ማሕበርኩም ምትእስሳር ከም ዘሎኩምን ምስ ቤተ-ክርስትያን ንቕድሚት ክትግስግሱ ከም እትደልዩን ምርኣየይ ከም ቅብኣት ናይቲ ምህበታዊ ተግባራትኩም ኢዩ ነይሩ" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምንቅስቓስ ሓድሽ ኣድማስ "ምስ ድኻታትን ንእተገለሉን ከምኡውን ምስቶም ብማሕበረሰብ ዝነጸሎም" ንምቕርራብ ብዝገበሮ ጻዕሪ ነኣድዎም።

"ኣብ ጐደናታት ወጺእካ ነቶም ብሕልሚ ህይወት ዝጠፍኡ መንእሰያት ክትወስዶምን ብህይወት ንኽነብሩ ምኽንያት ክትህብዎምን ከሎኹም ኣዝየ ኢየ ዘመስግነትኩም” እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

20 May 2024, 15:24