ድለ

2024.05.27 Monaci Buddisti rappresentanti del Wat Phra Cetuphon 2024.05.27 Monaci Buddisti rappresentanti del Wat Phra Cetuphon  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንቡድሃውያን፦ 'ንኹሉ ዘማእከለ ዓለም ንምሕናጽ ብሓባር ንዕየይ '

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንወከልቲ መንኮሳት ቡድሃውያን ቤተ መቅደስ ዋት ፍራ ቸቱፎን (ዋት ፎ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኢዩ) ባንግኮክ ተቐቢሎም፣ ቤተ መቅደስ ዋት ፍራ ቸቱፎን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ታይላንድ ዚርከባ ኣዝየን ኣገደስቲ ኣብያተ-መቕደስ ቡድሃውያን ኰይና ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ምይይጥን ምትሕብባርን ከማዕብሉ ከም ዘለዎም ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ሎሚ ኣብዛ እተበላሸወት ዓለም ኣንጸላልይዋ ዘሎ ኸቢድ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ቡድሃውያንን ጥቡቕ ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

ካብቲ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ዋት ፍራ ቸቱፎን ዝበሃል ቤተ መቕደስ ባንግኮክ ንዝመጹ 100 ዝዀኑ ፈለስቲ ቡድሃውያን ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል ነቲ "ነባሪ ዕርክነቶም" ከምኡ ውን ነቶም ዝተጐድኡ ደቅስውባት "ጩራ ተስፋ ንምምጻእ" ብሓባር ክዓዩ ፍቓደኛታት ብምዃኖም ዘለዎም ምስጋናን ሞሳን ገለጹሎ።

ንዝተጐድአ ሰብኣውነትን ምድርን ብሓባር ምሕዋይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መነኮሳት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ ብ2019 ናብ ታይላንድ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝተገብረሎም "ዘደንቕ ኣቀባብላ" ውን ዘኪሮም፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ባንግኮክ እተገብረ ሻብዓይ ዋዕላ ቡድሃውያንን ክርስትያንን ካብ እተፈላለየ ሃገራት እስያ ንዝመጹ ልዕሊ 150 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ "ንዝተጐድአ ሰብአውነት ንምሕዋይ እተገብረ ዘተ ካሩናን ኣጋፐን " ዘርእስቱ ፍረ ነገር ዘትዮም።

ብፍላይ ነቲ እቶም ተሳተፍቲ "ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ዓሚቝ ሱር ሰዲዶም " ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ደቅሰብ ኣብ ማእከል እቲ ሎሚ ንዓለም ዝዕብልላ ዘሎ "ናይ ጸልማት ደበና" ብርሃን ተስፋ ንምምጻእ "ምስ ኵሉ ሰብ ሓቢሮም ክዓዩ" ዝወሰኑሉ ናይ መወዳእታ መግለጺ ውን ጠቐሱሎም።

"ሎሚ ደቂ ሰብን እታ ሓባራዊት መንበሪትና ዝዀነት ምድርን ብሓቂ ቘሲሎም እዮም ዘለዉ! ብዙሕ ውግኣት ስለ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ነገር ዝሰኣኑን ክስደዱ እተገደዱን ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብዓመጻ እተተንከፉ ቘልዑ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።"

በይኑ ዝድሕን የልቦን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዋዕላ ቡድሃውያንን ክርስቲያንንን ጐሊሑ ዘሎ ሰለስተ ቐንዲ ነጥብታት ብምጥቃስ፣ እቲ ቐዳማይ ድማ "ዋላ ሓደ በይኑ ኣይድሕንን ኢዩ፣ ምስ ንሓድሕድና ስለ እንተኣሳሰርን ንሓድሕድና ስለ እንደጋገፍን ብሓንሳእ ጥራይ ኢና ኽንድሕን እንኽእል" ዝብል ኢዩ ዝነበረ።

ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም መኮሳት ቡድሃውያን "ምስ ኵሉ ሰብ ሓቢሮም ምዕያይ ክቕጽሉ" ተማሕጺኖም - በርገሳዊ ማሕበረሰብ፣ ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት፣ መንግስታት፣ ኣህጉራውያን ማሕበራት፣ ምሁራትን፣ ስነ-ፍልጠታዊ ማሕበረሰባት ከምኡ ውን ካልኦት እተዋፈሩ ሰባት "ሰላምን ሓድነትን ዘደልድሉን ዝሓሸት ዓለም ዝሃንጹሉን ዕርክነት ንምምስራት" ተማሕጸንዎም።

ንሓድሕድናን ንኣከባቢናን ምክንኻን

እቲ ኣብ ታይላንድ እተገብረ ዋዕላ ቡድሃውያንን ክርስቲያንን ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትን ቈልዑን "ንሓድሕዶምን ምስ ኣከባብን ርክብ ኣብ ምምስራትን ኣብ ምክንኻንን ምክፋልን" ከምኡ ውን "ልብናን ኣእምሮናን ብምጽራይ ንነገራት ክቕይርዎም ንዝኽእሉ ጸሎትን ምስትንታንን" ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንኻልኦትን ንምድርን ናይ ምኽባርን ናይ ምክንኻንን መንፈስ ክፍጠር ከሎ ሳህልን ምሕረትን ይቕረታን ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ።" ክብሉ ውን ኣስፊሖም ገለጹ።

ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘተን ምትሕብባርን ቀጽሉ

በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሉስ ዝካየድ ተቲይ እተሰምየ መደባ ጸሎት  ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘትራስቲቨረ ሮማ ንዝካየድ ነኣድዎ ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ሰዓብቲ እምነት ቡድሃውያን ታይላንድ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብውዕዉዕ ስምዒት ኣመስገንዎም "ብፍላይ ምስታ ኣብ ታይላንድ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነባሪ ዕርክነት ንምምስራት ዘተን ምትሕብባርን ከማዕብሉ" ድማ ኣተባብዕዎም።

28 May 2024, 16:28