ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰነድ ወግዓዊ ኣዋጅ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም.፥ ‘ተስፋ ኣብ መዓልትታትና ይስረጽ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 9 ግንቦት ኣብ በዓለ ዕርገት ኣብ ዝመርሕዎ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብኽብሪ ኣዊጆም “Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” – ብዝብል ኣርስቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ኣዋጅ ሰነድ ንሊቀ ካህናት ጳጳሳዊ ባዚሊካታትን ወከልቲ ጳጳሳት ዓለምን ብውግዒ ኣረኪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ተስፋ” ዝብል ቃል ናይ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ኣዋጅ ሰነድ መኽፈቲ ቃል ክኸውን እንከሎ ናይቲ Bull of Indiction ጳጳሳዊ ኣዋጅ ሰነድ  መርሕ ቃል“Spes non confundit. ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” ዝብል ኮይኑ

ነዊሕ ክፍልታት ናይቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ድማ ኣብቲ ብምኽንያት በዓለ ዕርገት ኣብ ዝተኻየደ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ከም እተነበን ኣብቲ ስነ ስርዓት እውን እቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ንናይ ሮማ ኣርባዕቲኤን ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ሊቃነ ካህናትን ንናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ወከልቲ ጳጳሳት ዓለምን ብኽብሪ ከም እተረከበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብኽብሪ ቅዱሳት በራት ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ኣብ ዝብል ሰነድ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ ልደት 2024 ዓ.ም. ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ዝጅመር ከም ዝኾነ ይነገሩ።

ስዒቡ ዕለት 29 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም.  ር.ሊ.ጳ. ናይ ሮማ ካቴድራል ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ቅዱስ በሪ ክኸፍቱ እዮም። ብተመሳሳሊ ዕለት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ነፍሲ ወከፍ ካቴድራልን ሓባራዊ ካቴድራልን ብናይቲ ከባቢ ጳጳሳት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ወግዓዊ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ እዮም።

ኣብ ክብረ በዓል ኣመ ኣምላክ ዕለት 1 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ናይ ዝርክብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይን ዕለት 5 ጥሪ ኣብ ዋዜማ በዓለ ግልጸት ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ክፍጽሙ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ መስርሕ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብቲ ብዛዕባ ተስፋ ዝገልጽ ኣዋጅ ጸጋ ኣምላኽን ኣብቲ ንኣሳልጦኦም ዝምስክር ምልክታትን ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፉ ዘኽእሎም ኵሉ ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ" ይብሉ።

ኢዮቤል ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናት ዕለት 28 ታሕሳስ 2025 ክዛዘም እዩ፣ ኣብታ ዕለት እቲኣ ቅዱሳት በራት ጳጳሳውያን ባዚሊካታት፥ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን፣ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ፡ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሚራ ናይ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱሳት በራት ናይ ምዕጻው ስነ ስርዓት ክፍጸም እዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ሮማ ብኽብሪ ኣብ በዓለ ግልጸት ዕለት 6 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ክዕጸው እዩ።

ብተስፋ ክትሕደሰሉ እትኽእል ዕድል

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መእተዊ እቲ ናይ ኢዮቤል ናይ ኣዋጅ ሰነድ "ኵሉ ሰብ ተስፋ ምግባር እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ" . . . "ተስፋ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝመጽእ ዘይፈልጥ ኽነሱ ከም ባህግን ትጽቢትን እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ኰይኑ እዩ ዚሐድር።"

. . . ኢዮቤል "ብተስፋ እንሕደሰሉ ኣጋጣሚ" ክኸውን ከም ዘለዎ ክገልጹ እንከለዉ፡ ጉዕዞ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ  ኢዮቤል መሰረታዊ ፍጻመ" ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ኸኣ ምስቲ ሰባት ትርጕም ህይወት ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ዝተሓሓዝ እዩ። እቲ ኣብ ጕዕዞና እንርእዮ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ጽባቐ ፍጥረትን ንኣምላኽ ስለቲ ዜደንቕ ተግባራቱ ንኽንውድሶን ንኸነመስግኖን ይድርኸና።

ብፍላይ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኩለን ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያን ንካህናትን ምእመናንን ኣብ ምሉእ ዓመት 2025 ዓ.ም. ንምስጢረ ኑዛዜ ብዝግባእ ክሰናደዉን ድሉዋት ክኾኑ የተሓሳስቡ።

ነቶም ምእመናን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ነቶም ድሮ ምስ ተካኢ - ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድነት ዘለዎም ኣብ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኽካፈሉ ከምኡውን ብዙሓት ድሮ ብዓመጽን ዘይምርግጋእን ካብ ሃገሮም ክወጹ ከም እተገደዱ ብምዝኽኻር ኣብ ከተማ ሮሜ ሓንጐፋይ ዝብል ኣቀባብላ ክግበረሎም ድማ ጻውዒት የቕርቡ።

ብርሃን ክርስትያናዊ ተስፋ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዱስ ዓመት 2025 ዓ.ም. “ብርሃን ተስፋ ክርስትና ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ከብርህ፡ ከም መልእኽቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዅሉ ዝተላእከ ክኸውን” ከምኡ’ውን “ቤተክርስቲያን ነዚ መልእኽቲ እዚ ብተኣማንነትን ኣብ ኵሉ ኽፋል ዓለም ክትምስክር . . . ከም ዘለዋ ገሊጾም፥ “ምልክታት ዘመን - ናይ ግዜ ምልክታት” እናንበቡ፡ ኣብዛ ብዓመጽን ግጭትን እናተለለየት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ድሌት ሰላም፡ ከምኡ’ውን ናይ ምውላድ ድሌት ምጥፋእ፡ ብዙሓት ሃገራት “ኣብ ምንቁልቋል ብዝሒ ሚዛን ዝህብ” ከምዘለዋን ኣስተብሂሎም። ተስፋ ንምድጋፍን ንምዕባይን ማሕበራዊ ቃል ኪዳን ክግበር ጻውዒት የቕርቡ።

ር.ሊ.ጳ. ብፍላይ ንእሱራት ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ኣብ እዋን ኢዮቤል ዝግበር ናይ ምህረትን ይቕረታ ትውፊት ብምዝካር፣ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ባዕሎም ኣብ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ቅዱስ በሪ ክኸፍቱ ዘለዎም ተስፋ ድማ ገሊጾም፥ “እዚ ድማ እሱራት ብተስፋን ብዝተሓደሰ ስምዒትን ንመጻኢ ክጥምቱ ዝዕድም ምልክት እምነት እዩ። . . . ከምኡ እውን እሱራት ብመሰረት መሰሎምን ክብረቶምን ክረኣዩ ጸዊዖም፣ ሕጂ’ውን ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕግታት ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ይምሕጸኑ . . . ናይ ሞት ፍርዲ ዘይብላ ዓለም . . . ።

ቅዱስነቶም ንሕሙማት፡ ንመንእሰያትን ንኣረጋውያንን - ብፍላይ ድማ ንኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን፡ ንስደተይናታትን ንጽጉማትን ተስፋ ክቐርብ ብምምሕጻን . . .  ፍረ እንነብረላ መሬት ንኹሉ ዝዓለመ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ሰብ ናብ ረድኤት ድኻታት ክመጽእ ኣተባቢዖም። ብፍላይ ድማ ሃብታማት ሃገራት ዕዳ ናይተን ፈጺመን ክመልሳ ዘይክእላ ሃገራት ሕድገት ክገብራ - ናይ ወጻኢ ዕዳ ድኻታት ሃገራት ክሕከኽ ጻውዒት የቕርቡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2025 ዓ.ም. መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ከም ዝበዓል ኣስተብሂሎም ሲኖዳውነት ህጹጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝካር ሲኖዳውነት ተማሕጺኖም ክርስትያናዊ ሓድነት ንምድልዳል ከኣ ሕዳሴ ጻዕርታት ክህሉ ተላብዮም። ብፍላይ ሓባራዊ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝብል ተግባር እንክብሉ፡ ኣብ 2025 ዓ.ም. ኵሎም ክርስትያን ንምስጢረ ፋሲካ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ከብዕሉ ምዃኖም ድማ ይገልጹ።

ብተስፋ ዝተመልከተት ቅድስቲ ዓመት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተሰረተ ክርስትያናዊ ተስፋ ናብ ናይ መወዳእታ ዕጫና፡ ማለት ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከም ዘመልክት ኣጽኒዖም ምስ ገለጹ። ብፍላይ ኣብ ውህበት ስርየት ብዝርአ ምሕረት ኣምላኽ ኢና እንድሕን - ኑዛዜ ሓጢኣትና እኳ እንተ ኣለየ ምሉ ስርየተ ሓጢኣት ኢዮቤል ነቲ ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ ይቕረ ናይ ዝተባህለ ሓጢኣት ጽልዋ ከልግሶ እዩ። ወሲኾም ኣብታ ናይ ኢዮቤል ናይ ኣዋጅ ሰነድ ምሉእ ስርየተ ሓጢት ንምርካብ ዘድሊ ፍሉይ ኵነታት ዘመላኽት ሰነድ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዝሕተም ድማ ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ኣዋጅ ሰነድ፥ “እቲ ዝመጽእ ኢዮቤል ብዘይሃስስ ተስፋ፣ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ዝልለ ቅዱስ ዓመት ክኸውን” . . . ከምኡ እውን “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን፡ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ዝምድናታትና፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትና፡ ኣብ ዕማምና ንኽብሪ ኩሎም ኣካላትን ኣኽብሮት ህያብ ፍጥረት ኣምላኽን ንምዕባይ” ክንመልሶ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ኣመላኺቶም

“ሕጂ’ውን እንተኾነ ናብዚ ተስፋ እዚ ንስሓብ!”

Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ሕጂ’ውን እንተኾነ ናብዚ ተስፋ ነቕንዕ!” ኵሎም ክርስትያን ምስ እምነቶም ተሰማሚዖም ክነብሩ ማለት ንዅሎም 'ብጐይታ ተስፋ ክገብሩ መታን' ምስክር ክኾኑ ጻውዒት የቕርብ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ምምጻእ እቲ ሕጅን ንዘለኣለምን ውዱስን ክቡርን ጐይታ ኦየሱስ ክርስቶስ ብምትእምማን እናተጸበና ሓይሊ ተስፋ ንመዓልትታትና ይምልኣዮ" ይብሉ!

Photogallery

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰነድ ወግዓዊ ኣዋጅ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም.፥ ‘ተስፋ ኣብ መዓልትታትና ይስረጽ’
10 May 2024, 17:11