ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቨሮና፡ ቃንዛ ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ምክፋል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቬሮና ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልት ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቬሮና ሞንቶርዮ እውን ምብጻሕ ክም ዘካየዱን፥ ምስ እሱራት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ብዛዕባ ስቓይና ምስ እግዚኣብሔር ክንዛረብን ንሓድሕድና ቅንቀራረብን ክንተሓጋገዝን” ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቬሮና ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደቶም ሓደ ካብቲ ዘከናወንዎ ጽዑቕ መርሓ ግብሪ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ሞንቶርዮ ዘካየድዎ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ፡ ብርክት ዝበሉ እሱራትን ሰራሕተይናታትን ቤት ማሕቡስ ኣብቲ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ናይ ስፖርት ቅርዓት ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ዋና ኣመሓዳሪት ፍራንቸስካ ጆየኒን ንእሱራት ወኪሉ ድማ ዱዋርተ ዝተባህለ መንእሰይን ድሕሪ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ሓጺር ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ኣፍሊጡ።

ኣብያተ ማእሰርቲ ከም መንበሪ ደቂ ሰባት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንዓይ ናብ ቤት ማሕቡስ ምብጻሕ ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ ህሞት እዩ፣ ምኽንያቱ ቤት ማሕቡስ ዓቢ ሰብኣውነት ዘለዎ ቦታ እዩ . . . ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ሰብኣውነት “ይፍተን፡ ሓድሓደ ግዜ ብጸገማት፡ በደል፡ ብፍርዲ፡ ብዘይምርድዳእን ብስቓይን ከቢድ ጾር የስዕብ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ ኣቐዲሙ እሱር ዱኣርተ ከም ዝበሎ፡ ቤት ማእሰርቲ “ብሓይሊ፡ ድሌት ይቕረታ፡ ከምኡ’ውን ንርእስኻ ናይ ምብጃው ድሌት ዝመልአ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለት

ገለ ኻብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ህይወቶም ከም ዘጥፍኡ ብምዝካር . . . እዚ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን ተግባር እዩ፡ ተስፋ ምቑራጽን ቃንዛን ጥራይ እዩ ዘስዕብ፡ እቲ ኣብዚ ምህላው፥ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ኣብዚ ምርኻብና “ፍሉይ ህያብ” እዩ፣ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን፣ “ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ፈጺሙ ዘይሓድገና፣ ብሓቂ ድማ ነቲ ቀረባና ኮይኑ ዝሰምዓናን ምሳና ሓቢሩ ሓጎስናን ሓዘንናን ንዝካፈል እግዚኣብሔር” ምስ በሉ፥ “ብዛዕባ ቃንዛና ምስ እግዚኣብሔር ክንዝትን ንሓድሕድና ክንጽዋወርን ክንተሓጋገዝን፣ ናይ ጉዕዞ ብጾት ክንከውን ይግባእ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

‘ኣቦ ኩሉ’ ዝኾነ እግዚኣብሔር

ዋና ኣመሓዳሪት ቤት ምሕቡስ ኣብ ዘቕረበቶ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ እሱራት ካብ 40 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹን ዝተፈላለየ ሃይማኖታትን ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ከም ዝኾኑ ዝሃበቶ ሓበሬታ፥ መሰረት ር.ሊ.ጳ. ነቶም እሱራት “ኣምላኽ ሓደ እዩ” ቢሎም፥ “ባልታትና ብዝተፈላለየ ኣስማት ክንጽውዖ፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንራኽቦ ምሂሩና እዩ፡ ንሱ ግን ሓደ ኣቦ ኩላትና እዩ . . . “ንሱ ሓደ እዩ፣ ኩለን ሃይማኖታት፣ ኩለን ባህልታት ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብቲ ሓደ ኣምላኽ ይጥምታ። ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ዕለታዊ ሕይወትናን እንርከበሉ ኩነትን ኩሉ ኣብ ጎንና ኮይኑ ተስፋ ምቑራጽ ሰጊርና ነፍሲ ወከፍ ህሞት ከም ብሓድሽ ክንጅምሮ ትኽክለይና ግዜ ጌርና ክንነብሮ ንኽእል ኢና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

20 May 2024, 14:33