ድለ

SCATTIDELGIORNO SCATTIDELGIORNO  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. መንፈስ ቅዱስ ዓለምለኻዊ ሰላምን ስኒትን ኪፈጥር ጸልዮም

ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰምንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ሰንበት በዓለ ጰራቕሊጦስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብናን ዓለምናን ስኒት ኬስርጸልና ተማህለሉ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ውግኣት መወዳእታ ክግበረሉ ኢዩ ዝነበረ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ቕድሚ ኽልተ መዓልቲ ኣብ መሬትን ዩክረይንን ከምኡውን ከተማ ከርኪፍ ዝወረደ መጥቃዕቲ ብምዝካር ኣብ ዓለም ሰላም ንኺህሉ ዘቕረብዎ ሓያል ጻውዒትን ጸሎትን ዳግም ኣሐደስዎ፣ ንዅሉ ግጭታት ድማ መወዳእታ ገበረሉ ክብሉ ጻውኢት ኣቕረቡ።

ስኒት መንፈስ ቅዱስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ምዕራጎም በታ መዓልቲ እቲኣ በዓለ ጴንጠቖስጠ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንምኽባር ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ዝመሱ ነጋድያን አረ እኳ ደአ ካብ ሓድሕዶም ዝጋጨው ዘለዉ ንዝመጹ በጻሕቲ ብኸመይ ስኒት ከም ዝፈጥር ኣስተምሃሩ። እቲ "ፍቕሪ ኣቦን ወድን" ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣልባብን ስድራ ቤታትን ሕብረተሰባትን ኣብ መላእ ዓለምን ስኒት ምእንቲ ኺስርጽ ኵሉ ሰብ ኪጽሊ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ሰላም ኣብ ዓለምና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ልምድታት ዘለዎም ክርስትያናት ዘሎ ሓድነትን ውህደትን ኬደልድሎ ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ ሃገራት ነቲ ካብ ውግእ ዘውጽእ ዘተታት ንምድጋፍ ትብዓት ንኺረኽቡ ኺሕግዞም ጸለዩ ። ብፍላይ ዩክረይንን ከተማ ከርኪፍን ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ መጥቃዕቲ ኸም ዝወረዶም ብምጥቃስ፣ በቲ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ውግኣት ዘለዎም ጓሂኡ ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ቕድስቲ መሬት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከምኡውን ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ሰላም ንኽሰፍን ጸልዮም ። መንፈስ ቅዱስ ንመራሕቲ ዓለምን ንነፍሲ ወከፍናን ናብ ሰላም ዝመርሕ መዓጹን መገድታትን ክኸፍተልና ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ከተማ ቨሮና  ኢጣልያ ስለቲ ትማሊ ዝገበርዎ ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ኣመስገንዎም። ብፍላይ ምስቶም ብድሕሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ናይ ህይወትን ደቅ ሰብን ተስፋን እንደገና ዘርኣይዎ ፍቕርን፣ ናብ እሱራት ዝገበርዎ ምብጻሕ ውን ዘከሩ ። ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ እተፈላለዩ ጕጅለታት እውን ሰላምታ ኣቕተቡሎም፣ ሓደ ካብቶም ጕጅለታት ነታ ኣብ መስከረም 2024 ምስ ኢንዶነዥያን ፓፕዋ ኒው ጊኒን ሲንጋፖርን ኪበጽሕዋ ካብ ዝመደቡላ ሃገር ምብራቕ ቲሞር ዝመጹ ነጋድያን ኢዮም ዝነበሩ ።

ር. ሊ. ጳ. ንማሕበር "ሓድሽ ኣድማስ " ንውህበታቶም ክዕቅቡ ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምንቅስቓስ ማሕበር “ሓድሽ ኣድማስ” መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኦም ኣብ ዘኽብሩሉ ዘለው፣ ቅዱስነቶም ናብ ኪያራ ኣሚራንቲ ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ሰላምታ ኣመሓላለፉላ፣ ንኣባላት እቲ ማሕበር ድማ ነቲ ውህበታቶም ንናይ መጻኢ ወለዶታት ክዕቅብዎ ተማሕጸንዎም ።

 

20 May 2024, 15:26