ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ንሕና በይንና ዘይኮናስ ብመንፈስ ቅዱስ ኢና እንሕገዝን ሓይሊ ንረክብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ክብረ በዓል ጰራቅሊጦስ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብኸመይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብሓይልን ብሕያውነትን ከም ዝዓዪን፣ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገናን፣ እንተ ደአ ፍቓድና ሂብናዮ ኸኣ ነቲ ንሕና በይንና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገር ንምፍጻሙ ህላዌኡን ህያባቱን ከም ዚህበና ኣስተንተኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ ንክብረ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ ነዚ እዋን እዚ ዝኸውን መጸናንዒ ቃል ኣምላኽ ኣስተንቲኖም።

መንፈስ ቅዱስ ብውህበታቱ ኣቢሊ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋናት ወይ ኣብ መዓልታዊ ቃልሲ ህይወትና እውን ከይተረፈ ንኽንጸንዕ የኽእለና ኢዩ ።...

ቅዱስ ነቶም ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተዘንትዩ ዘሎ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ብምስትንታን፣  ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ተልእኾናን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዝገብሮ ዘሎ ዕዮ ብሓይልን ብልኡምነትን ዝፍጽሞ ከም ምዃኑ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ከም ዝወረደን ኣብ ጐድኖም ከም ዝነበረን ውን ኣዘኻኸሩ ።

'ንሕና እውን ተላኢኽና ኢና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንሕና ዅላትና ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልና መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና ሰባት ከም ምዃና ዝተረጋገጸ ነገር ኢዩ በሉ ።

"ካብ "ጽርሓ ጽዮን" ካብዛ ባዚሊካ እዚኣ ንሕና ውን ከም ሓዋርያት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና እንለኣኽ ዘሎና።

ነዚ ተልእኾ እዚ ክንፍጽም እንከለና ግን "ብትዕቢት ምግዳድን ወይ ቀመርን" ዘይኮነስ "በቲ መንፈስ ኣብ ልባትና ዚምህረናን ኣብ ውሽጥና ኸም ዚዓብን ንዝገብሮ ንሓቂ እሙናት ብምዃን ብዝውለድ ሓይሊ" ክንገብሮ ከም ዝሎና ገለጹ።

ብዘይድኻም ሰላምን ይቕረታን ህይወትን ምስባኽ

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ - "ነቶም ውግእ ዝደልዩ ደኺመ ኸይበልና ብዛዕባ ሰላም ንዛረቦም፣ ነቶም ሕነ ኽፈድዩ ዝደልዩ ይቕረታ ንመስክረሎም፣ ነቶም ኣፍደጌኦም ዝዓጸዉን ዕንቅፋታት ዝሃንጹን ሓንጐፋይ ኢሎም ንኽቕሉን ሓድነት ዘለዎም ንክኾኑን ንዛረቦም፣ ነቶም ሞት ዝመርጹ ብዛዕባ ህይወት ንዛረቦም፣ ነቶም ውርደትን ጸርፍን ምጽራትን ዝፈትዉ ኣኽብሮት ነርእዮም፣  ነቶም ማእሰር ዚብትኑ እሙናት ብምዃን ኣብነት ንኹኖም"።

ዕዮ መንፈስ ኣብ ውሽጥና ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ "ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ንእከይ ባዕልና ኸነጥፍኦን ንትምኒት ስጋና እውን ከነሰንፎን ኣይምኸኣልናን ኔርና " ብምባል ውን ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለም ዘይኰነስ ንመንፈስ ቅዱስ ኢድና ኽንህብ ከም ዘሎና ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ይሕግዘናን የነቓቕሓናን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "መንፈስ ቅዱስ እንተ ደአ ፈቒድናሉ የነቓቕሓናን ይሕግዘናን ይድግፈናን ኢዩ! " ብምባል እውን መስከሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ "እቲ እንገብሮ ቓልሲ ዝሓሸ ዝሓየለ ከምኡውን ንኻልኦት ብዝዓበየ ናጽነት ከነፍቅሮም እንኽእል ዕቤትን ጥዑይ ብድሆን ክዀነና ይኽእል ኢዩ ። "

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ን40 መዓልቲ ናብ በረኻ ግልል ብምባል ኣብቲ ብኣውነቱ ዝዓበዩሉ ምድረ - በዳ ምስ ተፈተነ ነዚ ዘኪርዎን ኣርእዩናን ኢዩ ።

ቅዱስ ነቶም ኣብ ስበከቶም ብዛዕባ ለውሃት መንፈስ ቅዱስ እውን ኣስተንቲኖም እዮም ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዓየሉ ዝነበረ መገዲ ዚገልጽ እዩ ፣ ኣዋጅና እውን ብተመሳሳሊ "ንዅሎም ሰባት ንምትብባዕን ንምብርታዕን ኣብ ዝሃለው ይሃልዉ ናብ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዚቐርብ ሕያውነትን ንምክፋል " ኪኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ ።  ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ብትሕትናን ብለውሃትን ክንገብሮ ኣሎና ውን በሉ።

ጠመጠና ክብ ምባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናብ ሰላምን ኣሕዋትን ሓድነትን ዝመርሕ ዓቐበት ዝኾነ መገዲ ኣስዒቦም ገለጹ፣ እንተዀነ ግን "ንሕና በይንና ኣይኰንናን " ከምኡ ውን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ብውህበታቱን ብሓባር ክንመላለስን ናብታ መገዲ እቲኣ ንኻልኦት እውን ዝያዳ ኽንዕድሞምን ከም እንኽእል ኣረጋገጹልና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ኣረኣእያ እዚ ንዅላትና ኣብ ህላወ እቲ ኣብ ጐድንና ዘሎን ዘጸናንዓናን መንፈስ ቅዱስ ዘሎና እምነት ከነሐድሶ ብምዕዳም "ነኣእምሮና ከብርሆ ንልብና ብጸጋ ክመልኦ ንስጕምትታትና ክመርሕ ከምኡ ውን ዓለምለኻዊ ሰላም ክህበና" ቢሎም ድሕሪ ምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ።

20 May 2024, 15:19