ድለ

ናይ ወርሒ ሰነ ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ.፡ 'ምእቲ እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዘለዉ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ ሰነ 2024 ሓሳብ ጸሎት ኣውጺኦም፤ ኵሉ ሰብ ድማ ምእንቲ እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዘለዉ ሰባት ክጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ነዚ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ኣቕሪቦም  ኣለዉ "ምእንቲ እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዘለዉ" ክኸውን ድማ ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ትማሊ ሰሉስ ዘመሓላለፍዋ ናይ ጳጳስ ቪድዮ ዘርእስታ ናይ ምስማዕር ርእየት መልእኽቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ መላእ ቤተክርስቲያን ክጽልዩ ዓዲሞም። እዚ  ሓሳብ ጸሎት እዚ  ኣብታ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ20 ሰነ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታት ኣብ ዘኽብረላ ወርሒ እንክኸውን፣ ቅዱስነቶም በቲ ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣቢሎም ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲስያ ተላብዮም ኣለዉ ።

ኣብዛ ንወርሒ ሰነ እተሰናደወት ናይ ጳጳስ ቪድዮ ብምትሕብባር ምስ ቴለ ቪድ (VID) ከምኡ ውን ብሓገዝ ናይ ቅድስቲ መንብር ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት  እተዳለወ ኰይኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዘሎ ዶባት ዚገልጽ ዛንታ ዝሓዘ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ንኹሎም ንክርስትያን "ንስደተኛ ዘበለ ሓንጐፋይ ኢልኩም ምቕባል ንክርስቶስ ምቕባል ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኺሮም እዚ ሓሳባት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተረስዐ ድማ ገለጹ።

ቍጽሪ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ኻብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝሓለፈ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ቍጽሪ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ካብቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ዝዛይድ ኮይኑ አሎ ።

ብመሰረት እቲ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝሓሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)

ኣብዚ ኩነታት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዘመነ ጵጵስናኦም ንስደተኛታት ከሰንይዎምን ክድግፍዎምን ሕብረትን ሓድነትን ከም ዘድሊ ብተደጋጋሚ ጸዋዕታ ኣቕሪቦም ኢዮም።

ኣብ መጀመርታ እታ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ደምበኻን ምድርኻን ሓዲግካ ምህዳም ወይ ውን መበቆል ዓድኻ ዘይምፍላጥ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ብሰንኪ ውግእ ወይ ድኽነት ካብ ዓዶም ክስደዱ ንዝግደዱ ሰባት ምስ ዜጋጥሞም በሰላ ዚተሓሓዝ እዩ" በሉ።

'ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ይጕዓዝ!'

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ንመሰላትን ክብርን ስደተኛታት ዜዕቍብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህሊ ነስፋሕፍሕ ኣለና ፣ እዚ ባህሊ እዚ ኸኣ ንተኽእሎታቶም ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽምዎ ኸም ዚኽእሉ ዜተባብዕ እዩ " በሉ ።

ቤተ-ክርስትያን ምስ ዕላማ እዛ ቪድዮ እዚኣ ብምስምማዕ ካብ 1914 ኣትሒዛ ዓመታዊ ንምእመናና ኣብታ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ስደተይናታትን ምእንቲ ስደተኛታት ንኺጽልዩሎም ትዕድሞም።

ፍረ ነገር ናይቲ ብ29 መስከረም 2024 እተኻየደ መዓልቲ ስደተይናታት ድማ  "ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ይጕዓዝ ኣሎ!" ዚብል እዩ ዝንበረ።

ካርዲናል ቅዘርኒ፦ መሰላት ምሕላው ንማሕበረሰብ የደንፍዖ

እቶም ነታ ዓለም ለኻኢዊት መዓልቲ ስደተይናታ ዝወደሙ፣ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ይጐዓዝ ክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መዘኻኸሪ ክኸውን ዝኽእል ኣስተንትኖ ውን ኣካፈሉ።

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ኣስተንትኖኦም ተዘክሮኦም ኺገልጹ እንከለዉ "ህይወት ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ፣ እታ ቅድስቲ ስድራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትዕቈብ ነበራ" በሉ ፣ ስለዚ ድማ "ኵላትና ንዝዀነ ይኹን ህይወቱ ንምድሓን ካብ ዓዱ ዝሃደመ ወይ ውሕስነት መጻኢ ኺደሊ ንዝስደድ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን ከነዕቍቦን ከነተባብዖን ክንሕብሮምን ተጸዊዕና ኢና " በሉ ።

ካርዲናል ችዘርኒ "መሰላት ስደተይናታት ብምሕላው ዘይንጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይዓቢ ኣሎ " ከምኡ ውን "ዝቕበልዎም ማሕበረሰባት ብብዙሕ መገድታት ይብልጽጉ ኣለዉ" ብምባል ኣረጋገጹ።

ፍራንዝ ፎርኖስ ፦ 'ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኢና'

ኣህጉራዊ ኣመሓዳሪ ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዀነ ክቡር ኣባ ፍሬደሪክ ፎርኖስ ውን ብወገኖም ነቲ ኩነታት ስደተይናታት ተመዛበልትን ብምዝካር፣ ብዛዕባ እዚ ናይዚ ወርሒ ሓሳት ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም።

"ካብ ውግእን ጥሜትን ዚሃድሙ መብዛሕትኡ ግዜ ከአ ካብ ተስፋ ዜቝርጽ ጕዕዞ ስደቶም ዚድሕኑ ስደተኛታት ኣደዳ ፖለቲካዊ ግጭታት ውን ይኾኑ ኢዮም" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ። "ስደተይናታት ቍጽርታት ወይ ኣሃዛት ከም ዘይኰኑ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ፣ ሰባት እዮም ። ኩሉ እቲ ብሕታውን ሓባራዊን ታሪኽና ፍልሰት ዝመልኦ እዩ ። ንስደተኛታት ከም ጾር ወይ ጸገም ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮም ኣብ ድንጋጸን ንሰብኣዊ ኽብረቶም ኣብ ዘሎና ኣኽብሮትን እተመርኰሰ መፍትሒ ከነውጽዓሎም ኣሎና።"

ቀጺሎም ድማ "እዚ ራእይ እዚ ኣብ ወንጌልን ጸሎትን እተመስረተ ኢዩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሥልጣነ ኣስተምህሮት ከኣ ነዚ የዘኻኽረና ኢዩ" በሉ።

ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ናይ ጳጳስ ቪድዮ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ወርሓዊ ሓሳት ጸሎት ንምዝርጋሕ ዘመሓላልፍዎ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኢዩ ። እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ሓዋርያ ጸሎት) ውን እዩ ዚፍጸም ። ካብ 2016 ኣትሒዙ ናይ ጳጳስ ቪድዮ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቫቲካን ልዕሊ 203 ሚልዮን ርእይቶታት ተዋሂቡሉ እዩ ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ድማ ተተርጒሙ ይርከብ ኣሎ ፣ ኣብ 114 ሃገራት ከኣ ኣርእስቲ ጋዜጣዊ መግለጺታት ኮይኑ አሎ ።

እዘን ቪድዮታት እዚኣተን በቲ ኣንድርያ ሳሩቢ ዝምራሕ ጉጅለ ናይ ጳጳስ ቪድዮ መርበብ ጸሎት ዝተሰምየ ጉጅለ ዝዳሎ ኮይኑ ብ La Machi Communication for Good Causes ብዝተሰምየ መርበብ መራከቡ ብዙሓን ዝጋዋሕ ኢዩ ። እዚ መደብ ኣገልግሎእ እዚ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን እዩ ዝምወል ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መርበብ ዓለምለኻዊ ጸሎት መራኸቢ ነቲ ንደቅሰብን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጋጥሞም ብድሆታት መልሲ ንምሃብ፣ ብናይ ጸሎት ስጕምትታት ንካቶሊካውያን ናይ ምውዳብ ተልእኾ ዘለዎ ሓደ ተቕዋም ናይ ቅድስቲ መንበር ኢዩ። እዚ ብድሆታት እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ ዘቕርቡሎም ናይ ጸሎት ሓሳብ ኢዩ ዘመሓላልፍ።

29 May 2024, 15:49