ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኢዮቤል ተስፋ ዳግማይ እንረኽበሉ፡ እነበስረሉን ንእሃንጸሉ እዋን ይኹን! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኢዮቤል ተስፋ ዳግማይ እንረኽበሉ፡ እነበስረሉን ንእሃንጸሉ እዋን ይኹን!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኢዮቤል ተስፋ ዳግማይ እንረኽበሉ፡ እነበስረሉን ንእሃንጸሉ እዋን ይኹን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ብወግዒ ንምዋጅ ኣብ በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ዕለት 9 ግንቦት ኣብ ዝመርሕዎ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ፥ ክርስቲያን ሃነጽቲ ተስፋ ክኾኑ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእመናን ብውህበት ትንሳኤ ክሕጐሱ ከምኡውን "እከይ ዝዕብልል ኣብ ዝመስለሉ እዋን ጽባቘ ተስፋ ክርእዩ" ከተባብዑ - "ክርስትያናዊ ተስፋ ሕውነታውን ሰላማውን ዓለም ንኽንሃንጽ ትብዓት ይህብ” እንክብሉ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 9 ግንቦት ኣብ በዓለ ዕርገት ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ናይ ኣዋጅ ሰነድ ብወግዒ ኣቕሪቦም ኣብ ዝመርሕዎ ካልኣይ ጸሎተ ዘስርክ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕድመ ንምጽንባልን ንዓለም ተስፋ ንምእዋጅን

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ህይወት ዘለኣለም ምእንቲ ኽንረክብ ኢየሱስ ንሞትና ኣጥፊእዎ እዩ" . . . "እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብቲ ዝሞተን ዝተንስኤን ክርስቶስ ተመርኲሳ ኣብታ እትመጽእ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ምልእቲ ዓለም ተስፋ ከነብዕልን ከነስተንትንን ክነበርስርን ንደሊ።”

እዚ ተስፋ እዚ "ምስ ሰብኣዊ እወንታዊ ኣረኣእያ ወይ ምስቲ ኣብ ምድሪ ረብሓ ንምርካብ ዝብል ግዜያዊ ትጽቢት ብፍጹም ዘራኽብ የብሉን" . . .  እዚ ድማ "ክሳዕ እቲ ኣብ ሕቝፊ ፍቕሩ ሓደ እንዀነሉ ግዜ መዓልታዊ ንኽነብሮ እተዋህበና ጸጋ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተስፋ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ትድግፈና

ነቲ “ዘይጠፍእን ዘይሃስስን” ክርስትያናዊ ተስፋ ኣምርን ክውንነትን ኣብ ዘስተንት ስብከቶም፡ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ዋላ ኣብቲ ዝጸልመተን ከቢድን ህሞታትን እዋናትን ከም ዘጽንዓና ኣረጋጊጾም፥

ንመጻኢ ተኽእሎታት ኣዒንትና ይኸፍት፡ ክፋእ ዝስዕር ኣብ ዝመስለሉ እዋን ድማ መብጽዓ ሰናይ ክንርኢ ይገብረና።

“[ክርስትያናዊ ተስፋ] ሓድሽ ሰብኣውነት ከም እንሓልም ይገብረና፡ ዋላ’ውን ዳርጋ ዋጋ ዘይብሉ ኣብ ዝመስለሉ እዋን፡ ሕውነታውን ሰላማውን ዓለም ንምህናጽ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ትብዓት ይህበና።”

ኣብዛ ብተስፋ ምቑራጽ ዝተለለየት ዓለም ናይ ተስፋ ደረፍቲ

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ክርስትያን፣ ንበዓል ዓመት ኢዮቤል ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን፣ ልቦም ናብ ክርስቶስ ከልዕሉ፣ “ኣብዛ ብብዝሒ ተስፋ ብምቑራጽ ዝተለለየት ዓለም ናይ ተስፋ ዘመርቲ” ክኾኑ ኣተባቢዖም።

“መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህልው ኩነታት ጥራይ ተታሒዙ ናብ መጻኢ ክጥምት ዘይክእል ኮይኑ ኣብ ዘሎ ሕብረተሰብ ተስፋ ከም ዘድልን ብተደጋጋምን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ምሕርቃም ጥራይ ኣብ ዝምገበሉ ዘሎን ብውልቃውነት ተዓብሊሉ ንዘሎ ሕብረተሰብና ተስፋ ተድልዮ እያ።”

ኣሲዕቦም - ተስፋ -  “ብናይ ደቂ ሰባት ርእሰ - ፍትወት ኣዝዩ ተሃስዩን መልክዑ ተበላሽዩን ንዘሎ ንፍጥረት ኣምላኽ የድልዮ፡ ከምኡ እውን ብጭንቀትን ፍርሕን ንመጻኢ ዝጥምቱ ህዝብታት ድማ የድልዮም።

“በደልን ትዕቢትን እናቐጸለ ምስ ዝኸይድ፡ ድኻታት ይድርበዩ፡ ውግእን ግጭትን ዘርኢ ሞት ይዘርኡ፡ እቶም ዝነኣሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ትሕቲ ብኩናት ዝዓነዉ ህንጻታት ኵምራ ይቕበሩ፡ ሕልሚ ሕውነታዊ ዓለም ድማ ምትላል ክሳብ ዘምስል።” ተስፋ፡ ትብዓት፡ ምጽንናዕ፡ ቅርበትን ሓልዮትን ከም ዘምጽእ ሓቢሮም

ተስፋ ንመንእሰያትና፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ፡ ንሕሙማትን ብስጋን ብመንፈስን ንዝሳቐዩን የድልዮም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ንቤተ ክርስቲያን የድልያ

ቅዱስነቶም ወሲኾም “ተስፋ ንቤተ ክርስቲያን የድልያ እዩ” . . . ከም መርዓት ክርስቶስ መጠን ብዘለኣለማውን እሙንን ፍቕሪ ከም እትፍቀር፣ ብርሃን ወንጌል ልዕል ክተብል ተጸዊዓ እያ . . . እቲ ኢየሱስ ብርግጽ ነቲ ናብ ዓለም ዘምጽኦ ሓዊ ናብ ኵሉ ንኸተብጽሕ።”

“ነፍሲ ወከፍና ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ህይወትና ተስፋ የድልየና እዩ።”

ኣብ እዋን መከራን ጭንቅን ጸልማትን፣ ዋላ ብተስፋ ምቑራጽ ዝተዋሕጥና ኮይኑ ክስምዓናን ብዘይፍላጥ ህላወ እግዚኣብሔር ክንናፍቕን እንከሎና ከምቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኢጣሊያዊ ኣባ ሮማኖ ጓርዲኒ ጸልማት ምስ ተላዕለ እሞ ጭንቀትን መከራን ክኸቦም እንከሎ ሰባት ንኣምላኽ “ጐይታይ ኣበይ ኔርካ? እንክብሉ ምስ ሓተትዎ እግዚኣብሔር ድማ ‘ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብቲ ሕሰምን መከራን ኣዚየ ቀረባኹም ከይነ ምስኹም ነይረ” እንክብል መለሰሎም ከም ዝበሎ፥ ጸልማትን ሓሳርን መከራብ ዝኸበበና ኮይኑ ክስምዓና እንከሎ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ቀረባና እዩ” ምስ በሉ፥

“ኣሕዋትን ኣሓትን . . .  እቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ፡ ተስፋ ዳግማይ ክንረክብ፡ ተስፋ ክንእውጅን ተስፋ ክንሃንጽን ጸጋኡ ይሃበና።

“እግዚኣብሄር ተስፋ ዳግማይ ክንረክብ፡ ተስፋ ክንእውጅን ተስፋ ክንሃንጽን ጸጋ ይሃበና

እንክብሉ ዝለግስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኢዮቤል ተስፋ ዳግማይ እንረኽበሉ፡ እነበስረሉን ንእሃንጸሉ እዋን ይኹን!
10 May 2024, 17:19