ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቬሮና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ሕይወትና ይቕይሮ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቬሮና ዕለት 18 ግንቦት ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብምኽንያት ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዛዘሙን ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ዝለገስዎ ስብከት፥ ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ኣጒሊሖም ከምኡ’ውን ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ልቦም ክቕይሮ ክፉታት ክኾኑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቬሮና ኣብ ዝርከብ ቤንተጎዲ ኣብ እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ ብዛዕባ ማእከላይነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ዘለዎ ለውጢ ዘምጽእ ሓይልን ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንፈስ ቅዱስ መን እዩ?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ሓደ ክርስትያን ማሕበረሰብ በጺሑ፥ "መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልኩም ዶ? እንክብሉ ዘቕረቦ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝንገር ዛንታ ዝተነብረ ሕቶ መሰረት ገይሮም ስብከቶም ኣበጊሶም፥ እቲ ማሕበረሰብ ዝሃቦ መልሲ ድማ "መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ?" እንክብል ንሕቶ ብሕቶ ከም ዝበለሰሉን እዚ ስእነት ርድኢት’ዚ ንርድኢት ናይ ብዙሓት እዋንናውያን ክርስትያናት ኩነት ዘንጸባርቕ እዩ፡ "ሎሚ ንብዙሓት ክርስትያን ማሕበረሰብ መንፈስ ቅዱስ መን ምዃኑ እንተዝሕተቱ፡ ከመይ ጌሮም ከም ዝምልሱ ዝፈልጡ ኮይኑ ኣስይምዓንን።”

ቀንዲ ተዋሳኢ ህይወትና

መንፈስ ቅዱስ "ናይ ሕይወትና ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ . . .  መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ዘሰጉመና፣ ንኽንስጉም ዝሕግዘና፣ ክርስትያናዊ ህይወት ከነማዕብል ዘኽእለና እዩ።"

እዚ ህያብ ብጥምቀት ከምዝተቐበልናዮ ብምርግጋጽ ዝያዳ ድማ ብምስጢረ መሮን ከምዝድልድልን ገሊጾም። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ምእመናን፡ “ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ እሰምዖ ድየ? ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕሪቦም፥

ትብዓትን ለውጥን

ብዛዕባ በዓለ ጴንጠቆስጠ እንከስተንትኑ፥ ሓዋርያት ኣብ መጀመርታ ፈራሓትን ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ዝተሓብኡን ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ "መንፈስ ቅዱስ መጺኡ፡ ልቦም ቀየሮ፡ ብትብዓት ድማ ቃል ኣማልኽ ክሰብኩ ወጹ!” . . . እዚ ትብዓት እዚ ንሃዋርያት ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ክርስቲያን ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ "መንፈስ ቅዱስ ክርስትያናዊ ህይወት ንኽንነብር ትብዓት ይህበና በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ንሱ ዝህበና ትብዓት ንህይወትና ይቕይሮ" እንክብሉ ነቶም ምመናን ኣተባብዖም -"ንመንፈስ ቅዱስ ንስማዕ ናብ መንፈስ ቅዱስ ንጸሊ ህይወትና ዝቕይር ንሱ ስለ ዝኾነ ኸኣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ንእመን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስኒትን ሓድነትን

ካልእ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመልከትዎ ኣገዳሲ መዳይ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምዕባይ ስኒትን ሓድነትን ዘለዎ ተራ እዩ። ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናይ ኩሉ ኣህዛብ፡ ቋንቋታትን ባህልታትን ሰባት ተረኺቦም ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ብምምጻእ "ንቤተክርስቲያን ይሃንጻ" ምስ በሉ፥ እንተኾነ ግን "ንኹሉ ሰብ ሓደ ድዩ ዝገብሮ? ኣይፋልን፡ ኩሉ ዝተፈላለየ፡ ግን ከኣ ብሓደ ልቢ፡ ብእትጥርንፈና ፍቕሪ ኣቢሉ ስኒትን ሓድነትን ይጽግወና!”

ጻውዒት ናብ ተግባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ውልቃውን ሓባራውን ለውጢ ንምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ንምሕቋፍ ጻውዒት ብምቕራብ፥ ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ዘካየድዎ ዘተ ዘኪሮም፥ "ወዲ 90 ዓመት እየ፡ ክቕየር ኣይክእልን እየ።” ምስ በለኒ ኣነ ድማ “ብሕጂ ግን ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ብሕወት ክትጸንሕ?” ቢለ ምስ ሓተትክዎ ድማ፥ "ኣይፈልጥን” እንክብል ከም ዝመለሰሎምን . . . “ብሓንቲ መዓልቲ ጥራይ መንፈስ ንህይወትካ ክቕይሮ ይኽእል፣ ንልብኻ ክቕይሮ ይኽእል እዩ እንክብሉ ዕድመናን ግዜናን ንናይ መንፈስ ቅዱስ ግዜ መምዘኒ ኣይኮነን ምስ በሉ፥ ህልው ኩነታት ዓለም እናሓሰቡ፥ ስኒት ኣንጻር ኲናት እዩ፡ ኣንጻር ስኒት ከኣ ውግእ እዩ፡ ኲናት ክህሉ ከሎ ነንሕድሕድና ክንቃለስ እንኮለና፡ ነዚ ዝገብር ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን፥ መንፈስ ቅዱስ ስኒት እዩ ዝፈጥር" እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 May 2024, 14:40