ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቬሮና ቅርዓት ሰላም፡ ‘መጻኢ ኣብ ኢድና እምበር ኣብ ኢድ መራሕቲ ጥራይ ኣይኮነን!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቬሮና በሸሓት ምስ ዝቁጸሩ ሰባት ኣብ ቅርዓት ዘቨሮና ኣብ ዝተኻየደ መደብ ቅርዓት ሰላም ተራኺቦ፥ “ኩሎም ኣክንዲ ንመራሕቲ ዓለም ዝጽበዩ ንጉዳይ ሰላም ኣብ ኢዶም ክሕዙ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመሰረት እቲ ኣብ ቨሮና ዘካይድዎ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሓዎጾተ ኖልዎ "ቅርዓት ሰላም፥ ‘ፍትሕን ሰላምን ተሰዓዓማ" ዝብል መርሕ ቃል ዘማእከለ ኣስታት 12.500 ሰባት ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን፥ ኣብቲ ንሓደ ሰዓት ዚኣክል እተኻየደ ዓውደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ስደተይናታት፡ ቍጠባን ስነ ምህዳርን ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሉ ብጉጅለ ተወዳዲቡ ድሕሪ ዝተኻየዱ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ካብ ተጋባእያን ዝቐረበሎም ሕቶታት መሰረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስልጣን ተሳትፎ እምበር ‘ጅግንነት’ ኣይሓትትን

ሰላም ንምህናጽ እንታይ ዓይነት መሪሕነት የድሊ ዝብል ቀዳመይቲ ሕቶ ዘቕረበትሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝተሰደት ማሁቡባ ሰራጅ ክትከውን እንከላ፥ ቅዱስነቶም ውልቃውነት ኣብ ሓባራዊ ንቕሓት ሓደ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምጉላሕ እንክምልሱ፥ ውልቃውነት ጅግንነት ዝብል ኣመለኻኽታ ናብ ዝተዛብዓ ኣመለኻኽታ ስልጣን ይመርሕ፥ ግቡእ ኣረኣእያ ስልጣን፡ ናይ ኩሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ተሳትፎ ዝሓትት ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥

"እቲ ጽኑዕ መስርሕ ሰላም ንምህናጽ ዝብል መርሕነት፡ ነቲ ኣብ ኩሉ ሰብ ዘሎ ሰናይ፥ ከመይ ጌሩ ዋጋ ከም ዝህቦ ይፈልጥ፡ ምትእምማን ይፈልጥ፡ በዚ ድማ ሰባት ልዑል ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከም ዘለዎም ክስምዖም የኽእል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምስ ስደተይናታት ደው ምባል

ምስ “ዶብ ኣልቦ ሓካይም” እትዓዪ ኤልዳ ባጆ መንሰይ፥ ምስ ግዳያት ግዱድ ስደት ደው ምባል ኣድላይነቱ ዝምልከት ንዘቕረበትሎም ሕቶ እንክምልሱ፥

ወንጌል ንክርስትያን “ምስ ንኣሽቱ፡ ምስ ድኹማት፡ ምስ ዝተረስዑ ደው ክብሉ” ከም ዝእዝዝ ኣዘኻኺሮም፥ ኢየሱስ ነቶም ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብ ዘለዉ ኣብ ማእከል ከም ዘቐምጦም፡ ጽልእን ቅድመ ፍርድን ድማ ክኣልዩን ነዚ ክስምክሩን ይዕድሙ። “ኩሉ ዓይነት ኲናትን ዓመጽን መወዳእታ ክግበረሉ፡ ኣብ ጎኒ እቶም ንኣሽቱ ደው ክንብል፡ ክብረቶም ከነኽብር፡ ክንሰምዖም፡ ድምጾም ብቐጥታ ክስማዕ ከም ዝኽእል ከነረጋግጽ ኣሎና” ከም ዝበሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ካብ ዝሳቐዩ ሰባት ንምውጋድ ዝጽዕሩ ክፋላት ኣነባብራና ሓዲግና፡ ስደተይናታት ብፍትሒ ክረኣዩ ምእንቲ፡ ሕብረተሰብ ክልወጥ ኣለዎ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዝቕረቡ ኣፍሊጥ።

ሰላም ክሕብሕብ ኣለዎ

ሳልሳይ ሕቶ ኣብ ኣከባቢ ዘተኮረ ብኣናማርያ ፓናሮቶ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ደለይቲ ፍትሒ ከመይ ጌሮም ንፖለቲከይናታት ናይ ፍትሒ ዝምድናታት ንምህናጽ ክድርኽዎም ይኽሉ . . . ቅዱስነቶም ነዚ ሕቶ እንክምልሱ፥ ሕብረተሰብና ኣብ መንጎ ቀልጢፍካ ነገራት ምኽዋንን ታሕዋኽ ኣብ ዝተምልኦን ርቡጽ ኩነታት እዩ ጸደፍደፍ ዝብል እዚ ቅልጣፈ እዚ ባህርያዊ ከምዘይኮነ ስለ እንፍለጥ ድማ ወጥሪ ዝተመልአ እዩ፥ “ሰላም ምሕብሓብ” ከምዘድሊ ንምቕባል ሰባት “ርግእ - ዝግ” ክብሉ ኣለዎም፥”

"ሰላም ብዘተን ንኻልኦት ብምልላይን እዩ ዝህነጽ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ወጥሪ ኣብ ክንዲ ምዕፋን ምሕቋፍ

ራብዐይቲ ሕቶ ብመስራቲ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ፕሮፈሰር ኣንድርያ ሪካርዲን ካብ ምንቅስቓስ ሰላም ክርስቶስ ሰርጅዮ ፓሮኔቶ ዝቐረበ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሰላም ንምህንጻ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምስማዕ የድሊ ዝብል ሓሳብ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ክኸውን ካብ ምጽዓር፡ ብዙሕነት ሓሳባት ምሕቋፍ የድሊ እንክብሉ ኣተባቢዖም፥ ወጥሪ ንምሕባእ ምፍታን፡ ኣብ መወዳእታ ብዝያዳ መገዲ ዓመጽ እዩ ዘጓሃህር፥

"ምስ ወጥርን ግርጭታትን ብጥዕና ንምንባር እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ኣካል ህይወትና ምዃኖም፡ ስነ-ኣካላዊ ምዃኖም ምፍላጥ እዩ፡ ክሳብ ደረት ዓመጽ ዘይሰገሩ፡” “ስለዚ ኣይትፍራህዎም። ዝግጠሙን ምናልባት እውን ዝጋጮን ዝተፈላለየ ሓሳባት ምህላዉ ከፍርሓና የብሉን” እንክብሉ መልሲ ምስ ሃቡ ስዒቡ፥

ናይ ቃንዛን ዕርቅን መሰኻኽር

ናይ መወዳእታ ሕቶ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ መጥቃዕቲ ሓማስ ወለዱ ዝተቐትሉ እስራኤላዊ ማኦዝ ኢኖንን ሓዉ ኣብ ጋቓ ዝተቐትሎ ፍልስጤማዊ ዓዚዝ ሳራን ዘቕረቡሎም ኮይኑ፥

ክልቲኦም ብናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ ምልክት ተሓቛቚፎም ከም ዝነበሩን፥ ናቶም ኮነ መላኣ ህዝብን ብሰንኪ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ናይ ሓባር ቃንዛ ኣፍልጦ ብምሃብ ቅድስነቶም እቶም ክልተ መንሰያት ተሓቛቒቚይፎም ካብ ዝሃብዎ ሓያል ምስክርነት ክንየው ካልእ ቃላት ከምዘየለ ሓቢሮም፡ ኩሉ ሰብ ንሓጺር እዋን ደው ኢሉ ምንቲ ሰላም ክጽሊ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ሰላም ኣብ ተራ ህብዚ እዩ ዝምርኮስ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ ናብ ሰላም እትመርሕ መገዲ ኣብ ሓያላት ዘይኰነስ ኣብ ተራ ሰባት እትምርኰስ ከም ዝኾነት ዘለዎ እምነት ገሊጾም፥ "መጻኢ ደቅሰብ ኣብ ኢድ ዓበይቲ መራሕትን ዓበይቲ ሓይልታትን ልዑላንን ጥራይ ከም ዘይኰነ ብዝያዳ እየ ዝኣምን። ልዕሊ ዅሉ ኣብ ኢድ ህዝብታት እያ፣ ገዛእ ርእሶም ናይ ምውዳብ ክእለት ኣለዎም።"

ሰላም ካብ ስነ-ሓሳብ ዘይኰነስ ካብ ዘተ ከም ዝመጸእ ብምዝኽኻር፥ "ሰላም ብሰንኪ ሓድ ሕዳዊ ምጥርጣር መናድቕ ብምቛም ብኣጽዋር ፈጺሙ ኣይክኸውንን ኢዩ - ቢሎም - "ቅዱስ ጳውሎስ 'ዝዘራእካዮ ኽትዓጽድ ኢኻ' ይብል (ገላ 6 7)። ሞት ጥፍኣት ፍርሂ ኣይንዘርእ። ተስፋ ንዘርእ!" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 May 2024, 17:51