ድለ

2024.05.24 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅድስቲ በርናርደት ምብጻሕ ኣካይዶም 2024.05.24 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅድስቲ በርናርደት ምብጻሕ ኣካይዶም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅድስቲ በርናርደት ምብጻሕ ኣካይዶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስቶም ዓመት ኢዮቤል ንምብዓል ዝዳለዉ ምስ ዘለዉ ኣስታት 80 ዝኾኑ መንሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁስምና ቅድስቲ በርናርደት ተራኺቦም ብዛዕባ ናይ እምነትን ጸሎትን ሕይወቶም ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወሰን ሮማ ቁምስና ቅድስቲ በርናርደት ብምኻድ ምስቶም ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምጽንባል ቤት ትምህርቲ ጸሎት ኣብ ዝብል ተበግሶ ምስ ዝሳተፉ ዘለዉ መንሰያት ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ተሰንዮም ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም መንእሰያት ብዛዕባ እምነትን ጸሎትን ህይወቶም ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ዕለት 24 ግንቦት ምስ መንሰያት ዘካየድዎ ርክብ ድሕሪ እቲ ዕለት 11 ሚያዝያ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ ንመጀመሪያ ቁርባን ምስ ዝሰናደዉ ዝነበሩ 200 መንሰያት ዘካየድዎ ርክብ እዩ።

ሃንደበታዊ ምብጻሕ

መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ምብጻሕ ሃንደበታዊ ምንባሩን ኣብቲ ቁምስና ብዝነበረ መደብ መሰረት ተኣኪቦም ንዝነበሩ መንሰያት ሓጎስ ከም ዝፈጠረሎምን ምዉቕ ኣቀባብላ እውን ከም እተገበረሎምን እቶም መንእሰያት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን መራሕቲ ጉጅለ መንሰያትን ኣባላት ማሕበር ዳህሳስያን - ስካውትን ከም ዝኾኑን ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሕቶን መልስን መሰረት ዝገበረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ንቕዱስነቶም፥ “ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ መመያ ጸዋዕታ ክገብር ዝኽእል?” ዝብል ንዘቕረበሎም ሕቶ” ቅዱሰንቶም፥ “ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና መደብ ስለ ዘለዎ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ሕቶ ክንሓትት ይግባእ” ቢሎም፥ ኩሉ ሰብ ጐይታ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ ንኸለልይ ንጎይታ ክልምኖን ክሓትቶን ኣለዎ።” ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ንሶም ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ ኣተዉ፥ “ንጐይታ ብጸሎት ካባይ እንታይ ኢኻ እትድሊ” ዝብል ዘቕርብዎ ዝነበረ ናይ ጸሎት ተመክሮኦም የካፍሉ።

ምሕዝነት

መንእሰያት በይኖም ፈጺሞም ከይመላለሱን ዕርክነት ከማዕብሉን ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ “ሓደ ሓደ ግዜ መዋጽኦ ኣብ ዘይብሉ ሕልኽልኻት ህይወትና ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። ስለዚ ካብ ጸልማት ህሞት ክትወጽእ እቲ ቀንዲ ነገር በይንኻ ምጉዓዝ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ በይንኻ ኣንፈት ትስእን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብዛዕባ ኩነታትኩም ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምንቅስቓስ ግበር!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓደ ኣብ እግዚኣብሔር ከምዘይኣምን ዝተናዘዘ መንእሰይ፡ ኣገዳስነት ጉዕዞ ምጅማር ኣጉሊሖም፡ “ስለ ዘይኣመነ ዝውገዝ የሎን። ኣብ ምንቅስቓስ - ኣብ ጉዕዞ ምህላው ኣገዳሲ’ዩ። ዘይንቀሳቐስ፡ ኣብ ህይወት ዘንጠጠወ ምንቅስቓስ ዘይፈቱ መንእሰይ እንተረኣኹ እሓዝን። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝምርሽ እንተወደቐ እውን ሓፍ ቢሉ ጎዕዞኡ ክፍጸም ሓርኮትኮት ዝብል መንእሰይ ክርኢ እንኮለኹ ብሓቂ እየ ዝሕጎስ፥ ልሙስ ዘይምዃን። ኣብ ህይወት ምጉዓዝ የድሊ!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህይወት ምሃብ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ

ሓደ መእሰይ በዓል ሓዳር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣልያ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወሊድን ኣገዳስነት ምሃብ ህይወትን ዝምልከት ዘለዎ ስክፍታኡ ንዝገለጸሎም፥ “ህይወት ምሃብ ዓብይ ናይ ተስፋ ምልክት እዩ!” እንክብሉ ብምግላጽ ኣብ መወዳእታ ቤተ ክርስቲያን ተኣማኒት ክትከውን “ኩሉ ዓለማውነት ክትቅንጥጥ ኣለዋ . . . ክብርታት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወንጌል እምበር ናይ ሓደ ካቶሊክ ዝብሃል መጸውዕ ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣይኰነን” ምስ በሉ፥ ቅድሚ ምፍናዎም ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣመስጊኖም ንነፍሲ ​​ወከፎም ቅዳሕ ናይ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣዋጅ ሰነድ ከም ዝለገሱ ኣመላኺቱ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቲ ሓድሽ ቅዳሕ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዝደረስዎ መእተዉ ዝሓዘ ምዃኑ የዘኻኽር።

ሓቀይና ኩን!

ቅዱሰንቶም ነቶም መንሰያት ስለ ምስክርነቶም ኣመስጊኖም፡ የቐንየለይ ቢሎም፥ “ብሓቅነትኩም ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ንቕድሚት በሉ ንገዝእ ርእስኹም ሓቀይና ኩን ኩሉ ግዜ መገዲ ህይወት ድለዩ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማእሕተምን ቅድስቲ መንበር ጠቒሱ የመላኽት።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁስምና ቅድስቲ መርናርደት ምብጻሕ ኣካይዶም
25 May 2024, 17:03