ድለ

UN says that more than 670 people feared dead after Papua New Guinea landlside UN says that more than 670 people feared dead after Papua New Guinea landlside  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እታ ብባህርያዊ ሓደጋ ዝዓነወት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ወርሒ መስከረም ኪበጽሕዋ መደብ ጌሮም ዘለዉ ሃገር፣ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዘጋጠመ ዕንወት ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ከም ዝቐዘፈን ብዙሓት ኣቝሻት ከም ዝደፈነን ብምዝካር ብዘጋጠመ ስቓይን መረበቶም ንዝሰኣኑን ዜጸናንዕ ቃላት ኣመሓላለፉሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኵሎም እቶም በቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዘጋጠመ ዕንወት እተጠቕዑ ሰባት ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ገለጹ ።

ንኢጣልያውያን ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዘቕተቡሎም ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን "ምእንቲ እቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ  ዘጋጠመ ዓብዪ ምህማም ምድሪ ዝጸለኽዎ ጸሎት ከረጋግጸልኩም እደሊ ኣሎኹ" ድማ በሉ።

"ጐይታ ነቶም ኣባይቶምን ስድራቤቶምን ዝሰኣኑ የጽንዓዮም፣  ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም ዝረኽቦም ህዝቢ ፓፑዋ ኒው ጊኒ እጽሊ ኣሎኹ።" በሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኢንጋ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ማይፕ-ሙሊታካ ዝርከብ እምባ ብምህማሙ ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት ኣሎ፣ ኣብቲ ኸባቢ ድማ ክሳዕ 70,000 ዝዀኑ ሰባት በቲ ዕንወት እተጐድኡ ኮይኖም ኣለዉ ።

ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሑ

በዚ ምኽንያት እዚ ከአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ተሌግራም ብምምሕልላፍ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ዘቕረቡሎም ናይ ቀረባ ግዜ ጻውዒትንን ምሕጽንታን ዝሕብር ኢዩ ዝነበረ ።

ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ምእንቲ እቶም ዘፍቅርዎምን ቤተሰቦምን እተጐድዕዎም ሰባትን ከምኡ ውን ምእንቲ እቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ሰባት ውን ጸልዮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶ ናይ ህጹጽ ረድኤት ጻዕርታቶም ይቕጽሉ ብምህላዎም "ንሰበ - ስልጣንን ንሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን" ኣተባብዕዎም ንዅሎም ድማ ነቲ "ምጽንናዕን ብርታዐን ዘምጽእ መለኮታዊ ቡራኬኦም" ኣካፈልዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝፍልጠ ኣብ ዝመጽእ ውርሒ መስከረም ኣብዛ ሃገርን፣ ኣብ ኢንዶነዥያን ሲንጋፖርን ቲሞር-ኤስትን ምብጻሕ ከካይዱ ተሰናድዮም ኢዮም ዘለዉ ።

ብፁዕ ጁሰፔ ሮሲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንመጓሰኡ ፈጺሙ ዘይገደፈ

ሎሚ ሮቡዕ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ሰንበት እቲ ሰማእት ዝኾነ ብፁዕ ኣባ ጁሰፔ ሮሲ ኣብ ኖቫራ ኢጣልያ ብፅዕናኡ ከም እተኣወጀ ውን ዘከሩ።

ቅዱስ ኣቦና ተዘክሮኦም እንክገልጹ "እቲ ትጉህ ካህን ናይ ፍቕሪ ኣብቲ ዘስካሕክሕ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ንመጓሰኡ ገዲፍዎም ኣይከደን፣ የግዳስ ደሙ ኽሳዕ ምፍሳስ ንመጓሰኡ ተኸላኸለሎም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ምስኦም ሓቢሮም ነዛ ሓዳስ ኣዋጅ ቅድስና ንጣቕዒት ቅድሚ ምዕዳሞም "እቲ ጅግንነት ዝመልኦ ምስክርነት ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ፈተናታት ብጽንዓት ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና ኢዩ" ኢሎም ኣተባብዕዎም።

29 May 2024, 15:58