ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣልባንያ ርእሰ ብሔር በጋጅ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣልባንያ ርእሰ ብሔር በጋጅ  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣልባንያ ርእሰ ብሔር በጋጅ

ዕለት 6 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣልባንያ ርእሰ ብሔር ባጅራም በጋጅን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ዴሳዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኣልባኒያውያን ክርስትያን ዘውረዶ ሃይማኖታዊ ስደትን ህዝቢ ኣልባንያ ንህዝቢ ኣይሁድ ካብ ኣሳዶ ናዚ ንምድሓን ዝገበሮ ጻዕርን ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ኣልባንያ ባጅራም በጋጅ ዕለት 6 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣልባኒያ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዝነበረ ከቢድ ሃይማኖታዊ ኣሳዶን ማእሰርትን ከምኡ እውን ህዝቢ ኣልባንያ ንኣይሁድ ካብ ናዚ ስርዓት ንምድሓን ብርቱዕ ተወፋይነት ዝሓትት ሓለዋን ከም ዝዘከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ብሔር ባጅራም በጋጅን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ስዒቡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ጉዳያት ርክብ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊንን ርእሰ ብሔር በጋጅን ዝተኻየደ ርልብ ልባዊ ርምንባሩን ዝምስገንን እወታውን ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ኣልባኒያን ከምኡ እውን ብዛዕባ ክፉት ሕቶታት ኣብ ዝምድና ቤተክርስትያንን መንግስቲ ኣልባኒያን" ዝምልከቱ ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ኣመልኪቱ፥ እቲ ርክብ ኣቃልቦኡ ናብቲ ኣልባንያ ናብ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣተካይዶ ዘላ ጉዕዞን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣቕኒዑ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ባልካንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዘለዉ ግጭታትን" ዘተኮረ ምንባር ሓቢሩ፥

ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ኣልባኒያ በጋጅ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምፍናዎም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገጸ በረኸት ናይ ምልልዋጥ ስርዓት ከም ዘካየዱ ኣፍሊጡ።

07 May 2024, 16:35