ድለ

TOPSHOT-UKRAINE-RUSSIA-WAR-CONFLICT TOPSHOT-UKRAINE-RUSSIA-WAR-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብዚ እዋን ውግእ ዓለም እዚ ሰላም ኣድላዪ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብዛ ዓለም "ናይ ውግእ" እዚኣ ሰላም ንኽሰፍን ክጽልዩ ንተሳተፍቲ ተማሕጸንዎም ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ንዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማርን ከምኡውን ንዅለን ብሰንኪ ግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ክይርስዓ እንደገና ተማሕጸኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ደጊም ኣብ "ተራ ግጭታት" ዘይኰነስ ኣብ ናይ ብሓቂ "ውግእ ዓለም" ኢና ዘሎና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ነዚ ዘሕዝን ኵነታት እዚ ኣፍልጦ ሃበሉ ።

"ሰላም ክሰፍን ንጸሊ። ሰላም የድልየና ኣሎ ። ዓለም ኣብ ውግእ እያ ዘላ።"

ብዛዕባ ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕ ምያንማር እሓስብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብጽሑፍ ዝቐረብዎ ቃላቶም ኣወጊኖም ነተን ብሰንኪ ግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ዘርዘርወን - እታ ዝናም ደብዳባት ናይ ሩስያ ነፈርቲ ዝቐጸለላ ዩክረይን ፣ ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ ደብዳባት ቦምብ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ደው ዘየብለሉ ማእከላይ ምብራቕ፣ ምያንማር ውሽጣዊ ቕልውላውን ጸገም ሮሂንጃን ኣለዋ ክብሉ ዘከርወን ።

"ነታ ብዙሕ ስቓይ ዘለዋ ዩክረይን ኣይንረስዓያ። ናይ ፍልስጥኤም እስራኤል ውን በጃኹም እዚ ውግእ እዚ ደው ኣብሉልና ። ንሚያንማር ኣይንረስዓያ ነተን ኣብ ውግእ ዚርከባ ብዙሓት ሃገራት እውን ኣይንረስዓየን" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ውግእ ዓለም እዚ ሰላም ንኽንረክብ ክንጽሊ ኣሎና" ብምባል ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ዕድመ ንህጻናት

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህጻናትን ቆልዑን እውን ከይተረፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ወፈያ ብምግባር ሰላም ክሃንጹ ይኽእሉ ኢዮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቐድም ኣቢሎም ንፖላንዳውያን ንጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ሰላምታ ንዅሎም እቶም መጀመርያ ቍርባን ዝገበሩ ቘልዑ "ኣብዚ ሓጐስ ዝመልኦ ህሞትኩም እዚ፣ ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉን ግዳያት ውግእን ጥሜትን ድኽነትን ዝዀኑ ዘለዉን መዛኑኹም ዜድልዮም ነገራት ዘክሩ" ክብሉ ኣተባብዕዎም።

"ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ነቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ምንጪ ሰላም ዝዀነ ትሑት ኣገልግሎት ተስተምህረና " ቢሎም ብምጽላይ መደረኦም ዛዘሙ ።

23 May 2024, 10:19