ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ዓለም ብውግእ ኣብ ዝተሸፈነትሉ እዋን ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎት መቝጸርያ! ር.ሊ.ጳ.፡ ዓለም ብውግእ ኣብ ዝተሸፈነትሉ እዋን ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎት መቝጸርያ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፡ ዓለም ብውግእ ኣብ ዝተሸፈነትሉ እዋን ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎት መቝጸርያ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ጸሎት መቑጸርያ ክነዘውትርን ከምኡ እውን ዕለት 8 ግንቦት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ኣብ ቅድስቲ መሬት ዩክረይንን ሚያንማርም ዝካየድ ዘሎ ውግን ግጭትን ክውገድ በማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘሮዛርየም ክንጽልይ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ውግኣትን ግጭታትን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ ምእመናን ነቲ ዓቢ ዋጋ ጸሎት መቑጸርያ ዳግማይ ክረኽብዎ ዓዲሞም፡ ኣብ ወርሓ ግንቦት ጸሎት መቑጸርያ ክዝውተር ድማ ይላበዉ።

ዕለት 8 ግንቦት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ - ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ከምኡ እውን ኣብዚ ንማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ግንቦት ብፍልዩ በማላድነታን ጸሎት ከንገብርን ዓዲሞም፡

"እግዚኣብሄር ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ነተን ኣብ ስቓይ ዝርከባ ፍቑራት ሃገራት ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤልን ሚያንማርን ሰላም ከውርደለን፡ ኩሉ ኣማላድነት ማርያም ክጽሊ እዕድም" ቢሎም፥

ኣስዒቦም ነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝሓበሩ ሕሙማት፡ ኣረጋውያንን ሓደስቲ መርዓውትን ንቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ሕድሪ ከም ዝበሉን፥

“ኩሉ ሰብ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ጸሎት መቑጸርያ ክደግምን ዋጋ ክህቦን” ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 May 2024, 17:24