ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ንመንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኽሰምዖ እኽእል?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ናይ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ምእመና ንመንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ጽን ከም ዝብልዎ ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ተማሕጺኖም፣ ነዚ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ክገብርዎ ከም ዝኽእሉ ድማ ሓሳብቶም ኣካፈሉ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ መዓልታዊ ካብ ቃል ወንጌል ምስትንታንን ብጸሎት ናብ ጐይታ ምቕራብ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝለገስዎ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ልኡማት ንኹን በሉ

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ሎሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሓዋርያትን ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ከምቢሩ ይውዕል ከም ዘሎ ዘከሩ።

ኢየሱስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከም እተዛረበ ንምጕላሕን "ንዝሰምዖ ዘበለ" ኸም ዚምህሮ ብምጕላሕ "እዚ መግለጺ እዚ እንታይ ማለት እዩ? መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ ሰሚዑ ? ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝሃብዎ መልሲ ብምብርህራህ ከም ፍቕሪ ምስጋና ሕድሪ ምሕረት ዝኣመሰለ ዘደንቕ ስምዒታት ብዝገልጽ ቃላት ከም ዝዛረበና ገለጹ፣ እዚ ድማ "ከም ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ባህ ዘብል ብርሃን ዝህብ ጭቡጥ ምኽሪ ከምኡ ውን ነባሪ ርክብ ከም ዝገልጸልና" ኣስተምሃሩ።

መዓልታዊ ርእስና ንምግቦ

እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዝደግሞ ከምኡውን "ሕደ ስምዒታትን ሓሳባትን ኣብ ልብና ስለ ዘሕድረልናን ስለ ዝከናኸነናን" ክንሰምዖ ዝጠቕመና "ናይ ፍቕሪ ቓላት" ምዃኑ ገለጹ።

በዚ ምኽንያት እዚ ነታ "ምሳና ሒዝናያ ዘሎና ንእሽቶ ናይ ጁባ ወንጌል" ሒዝናያ ብምኻድ ብቐሊሉ ኽንገብሮ እንኽእል እንተሎ፣ ሓደ ክፋል ወንጌል ብምንባብ መዓልታዊ ገዛእ ርእስና ኽንምገብ ከም ዘሎና ኣዘኻኸሩ።

ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ቦታ ምሃብ

ቃል ኣምላኽ ምስማዕን ኣብ ብሕታዊ ብጸሎት ብኣኽብሮት ከም ዝመሓላለፍ ምግባርን፣ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ቦታ ንኽንረክብ ክሕግዘና ከም ዘለዎ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ። ንሓድሕድና ጽቡቕ ቃላት ክንዛረብ ከለና እውን ከይተረፈ ንሓድሕድና "ድምጺ ሕያውነት ዝመልኦ ድምጺ ምጽንናዕ" ንኸውን ኢና።

"ወንጌል ምንባብን ምስትንታንን ስቕ ኢልካ ምጽላይ ጽቡቕ ዘረባ ምዝራብ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፣ ኵላትና ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና" ድማ በሉ።

ብሓገዝ ማርያም

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ህይወተይ እንታይ ቦታ ኣለዎ? ንመንፈስ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽሰምዖምን ንኻልኦት ምእንቲ ኸቃልሖምን ከመይ ገይረ እየ ኸማዕብሎ ዝኽእል?" ቢሎም ድሕሪ ምሕታት፦

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንችስኮ ነታ ብመዓልቲ ጰራቅሊቶስ ምስ ሓሃዋርያት ተጋቢኣ ዝነበረት ቅድስቲ ኣዴና ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ልኡማት ክንከውን ከተኽእለና ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ ።

20 May 2024, 15:22