ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ’ ክህሉ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ’ ክህሉ ይላበዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ’ ክህሉ ይላበዉ

ዕለት 10 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ዓለምለኸ መርበብ ማሕበራት ካቶሊካዊ ቲዮሎግያ (INSeCT) ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፡ ንእዋናዊ ቲዮሎጊያ ዝምልከት ሰለስተ መምርሒታት የቕርቡ፡ ንሳቶም ድማ ፈጠራዊ ተኣማንነት ንባህሊ - ትውፊት፡ ስግረ-ስነ መጽናዕትታት ኣቀራርባን ምትሕብባርን ዝብሉ ምዃኖም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ዓለም ለኸ መርበብ ማሕበራት ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያ (INSeCT) ኣብ ዝተራኸብሉ ዕለት 10 ግንቦት “ቲዮሎጊያ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎን ኣድላዪን ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት እዩ” እንክብሉ ንኣባላት እቲ ብኣስታት ሰላሳ ኣባላት ማሕበራትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉጅለታትን ዝቖመ ዓለም ለኸ መርበብ ማሕበራት ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያ - INSeCT ኣብ መላእ ዓለም “ቲዮሎጊያዊ ስነ መጽናዕትን ምርምርን ንምዕባይ” ዝዓለመ ማሕበር፥ ገሊጾም፥

ኣገዳስነት ቲዮሎጊያ ሎሚ

ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ቲዮሎጊያ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ሰለስተ ምኽንያታት ከምዘሎ እንከመላኽቱ፥

ብቐዳምነት “ንዅሎም ንዝሓቱና ምኽንያት ተስፋና ምግላጽ ኣካል ካቶሊካዊ እምነትና እዩ” . . .  እዚ ተስፋ እዚ ስምዒት ዘይኰነስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣካል ምዃኑ ኣስተብሂሎም።

ድሕሪኡ፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህብረ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ “ዘመናዊ ለውጢ”፡ ሰብኣዊ ሕውነት ንምዕባይን ንፍጥረት ንምሕብሓብን “ብነቐፌታዊ ኣገባብ ክግምገም” ኣለዎ።

ሳልሳይ ድማ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ስነ ፍልጠት እደ ጥበብን - ኣብነት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ሓባራዊ ርድኢት” ንኽህልወና ክንሰርሕ ይጠልበና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መምርሒ ቲይኦሎጊያ

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ካብ “ፈጠራዊ ተኣማንነት ንባህሊ” ጀሚሮም ሰለስተ መምርሒታት ቲዮሎጊያ ዝብል ከቕርቡ እንከለዉ፥

“ቲዮሎጊያ ህያው እዩ” እንክብሉ ኣጽኒዖም ምዝኽካር፡ ከምኡ ድማ ክቕጽልን “ንወንጌል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድርን ኣብ ኩሉ ባህልታትን ስጋ ክለብስ - ከሰብእ” ኣለዎ።

 

እዚ ድማ “ስግረ - ክፍለ መጽናዕትታት” ኣገባብ ዝሓትት ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ መምርሒ ድማ “ዘበን ኣምጸኦ” ዘይኮነስ ውጽኢት ስነ - ፍልጠት ደቂ ሰባት ምስማዕ ዝሓትት ጠለብ ቲዮሎጊያ፡ ብግዴኡ ኸኣ ንግቡእ ዕቤቶም ክርስትያናዊ ጥበብ ምሃብ ዝሓትት ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ስነ-ሃይማኖትን ካልእ ስነ-ፍልጠትን ዘሎ ኣድላዪ ምትሕብባር "ናይ ግድን "ሲኖዳዊ ምትሕብባር ክህሉ" ዝጠልብ ሓላፍነት ኢዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍልጠት ብመንጽር ጥበብ ክሰዓብ ከም ዘለዎ፡ “እምነትን ጽቡቕ ባህርን፡ ነቐፌታዊ ምምዝዛንን ፍቕርን ኣወሃሂዱ” ክኸይድ ከም ዘለዎ ገሊጾም፥

“ጥበብ ቲዮሎጊያ እምበኣር ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ እዩ።”

ጥበብ ቲዮሎጊያ እምበኣር ናይ ፍቕሪ ቲዮሎጊያ እዩ፣ ምኽንያቱ ‘ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፣ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 May 2024, 17:25