ድለ

2024.05.21 Convegno Urbaniana 2024.05.21 Convegno Urbaniana 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ቻይናውያን ካቶሊክ ብግብረ ሰናይን ግብሪ ምሕረትን ናይ እምነት ምስክርነት ይህቡ’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ሻንጋይ እተኻየደ ጉባኤ ሲነንስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቻይና ዘኪሮምዎ ፣ ንቻይናውያን ካቶሊክ ከኣ ብምሕረትን ግብረ ሰናይን ንእምነቶም ኪምስክሩ ንማሕበራዊ ህላወ ድማ ከኻዕብቱ ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናይቲ ኣብ ግንቦተ ሰነ 1924 ኣብ ሻንጋይ እተገብረ ናይ መጀመርታን እንኮን ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቻይና ዝዀነ ጉባኤ ሲነንስ ንምኽባር ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ከተማ ሮማ ዚርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም ዋዕላ ተኻዪዱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝኽሪ በዓል እዚ "ብብዙሕ ምኽንያታት ክቡር ኣጋጣሚ" ኢሎም ብምጽዋዕ፣ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እተኣከቡ ተሳተፍቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዋዕላ ሲነንስ ነታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ስጕምቲ ከም ዝነበረ ድማ ገለጹ ።

"መንፈስ ቅዱስ ኣከቦም ኣብ መንጎኦም ስኒት ኪዓቢ ፈቐደሎም፣ በቲ መብዛሕትኦም ዘይሓሰብዎ መገዲ መርሖም፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንዜደናግር ነገራትን ንተጻዋርነትን ሰጊሮም ከም ዝሓልፉ ገበሮ" ድማ ክብሉ መስከሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጹ ተግባእቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ቻይናውያን ካህናትን ጳጳሳትን ነቲ ሰባኻ ክመርሕዎ ንዝብል ሓሳባት ብዙሓት ተቓወምዎ ።

ይኹን እምበር ኣብ እዋን ጉባኤ ሲነንስ እታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ-ክርስትያን "ቻይናዊ ወጅሂ" ክህልዋ ኸም ዘለዋ ተሰማምዑ ከመይሲ "እቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ድሕነት ዝኣወጆ ኣዋጅ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ክበጽሖም ዝኸል ብቋንቋ ኣዴኦም እንተ ሰምዕዎ ጥራይ ኢዩ።"

ክርስቶስ ንእምነት ካቶሊካውያን ቻይና ይሕሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ሊቀ-ጳጳሳት ሰልሶ ኮስታንቲኒ እቶም ናይ መጀመርታ ሓዋርያ ልኡኽ ናብ ቻይና ዝገበርዎ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘከሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ ድማ ነቲ ጉባኤ ናይ ምክያድን ምውዳብ ሓላፍነት ሃብዎም ።

ሊቀ-ጳጳሳት ኮስታንቲኒ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቻይናን ዘሎ ሕብረት "ንዅሎም ቻይናውያን ጽቡቕ ፍረ" ንኸፍሪ ኣኽኢልዎም ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጊባኤ ሻንጋይ "ንባህርይ ቤተ ክርስትያንን ምስ ተልእኾኣን ዚሰማማዕ መገድታት ምስዓብ ደኣ እምበር 'ስልቲ ናይ ምቕያር' ዚምልከት ሕቶ ኣይኰነን" በሉ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ጸጋ ክርስቶስ ይተኣማመኑ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ድማ  ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ኣረኣእያ ዘመናዊት ቤተ-ክርስትያን ክኾኑ ኣኽኢልዎም ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ጐይታ ኣብ ቻይና ኣብቲ መገዶም ንእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ሓልዩ እዩ" በሉ። "እምነት ህዝቢ ኣምላኽ ድማ እታ ኽሳዕ ሎሚ ቅድሚን ድሕርን ዋዕላ ሻንጋይ ውን እንተኾነ ኣንፈቶም ዘቃንዕሉ ብሶላ ኢዩ ኮይንዎም።"

ሰዓብቲ ኢየሱስ ንሰላም ኢዮም ዘፍቅሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፍረ ጉባኤ ሲነንስ ብምዝካር ቻይናውያን ካቶሊክ "ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ጳጳስ ናይ ሮማ ብምትሕብባር ኣብዚ ዘመን እዚ ውን ብሕብረት ይጕዓዙ ኣለዉ" በሉ።

ብግብሪ ምሕረትን ግብረ - ሰናይን ብምዝውታር ከአ ንእምነቶም ክምስክሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ "ንማሕበራዊ ህላወን ንህንጸት ሓባራዊ ቤት" ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም ክብሉ መስከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "ኣብዚ ግዜ እዚ ደቂ ሰባት ንመወዳእታ ዓለም ኬቀላጥፉ ዚደልዩ ክመስሉ ብኢሰብኣዊ ብዝኾነ ሓይልታት ይዓዩሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ እቶም ንኢየሱስ ዚስዕቡ ሰላም ይፈትዉ ምስ ኵሎም እቶም ንሰላም ዚሰርሑ ኸኣ ይሓብሩ ኣለዉ" ድማ በሉ።

ኣደነታዊ ሓልዮት ቅድስቲ እኖና ማርያም ዘሼሻን

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቻይናውያን ካቶሊክ ኣብታ ኣብ ጥቓ ሻንጋይ እትርከብ መካነ ንግደት ናይ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሼሻን ዘለዎም መንፈሳውነት ብምድናቅ፣ በዕለት 24 ግንቦት ዝካየድ ዕለተ ንግደታ ብምዝካር እኖና ድንግል ማርያም ዘደብረ ሼሻን ንትገብርዎ ተወፋይነት ትቀበለልኩም ክብሉ መረቕዎም።

ነታ ኣብ ቻይና ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከተማልደላ ድማ ናብኣ ኣወፈይዋ "ሰላም ኣብ ኵሉ ቦታ ኽዕወት ይኽእል ኢዩ" ኢሎም ድማ ጸለዩ።

"ንጉባኤ ሻንጋይ ምዝካር ሎሚ ናብ ምልኣተ ቤተ-ክርስትያን ዚወስድ ሓድሽ መገድታትን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ወንጌል ንምስባኽን ንምምስካርን ብትብዓት ንዝግበር ጕዕዞ ክፉት መገድታትን ሓሳብን ኬቕርብ ይኽእል እዩ" ክብሉ ድማ መልእኽቶም ደምደሙ።

23 May 2024, 10:12